"ኣብ ልዕሊ ጀዋር መሐመድ ዝተፈጸመ ተግባር ግጉይ'ዩ" ኣቶ ሽመልስ አብዲሳ

ኣቶ ሽመልስ አብዲሳ Image copyright omn

ምክትል ፕሬዝደንት ብሔራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ አቶ ሽመልስ አብዲሳ፡ ሎሚ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ኣክቲቪስት ጀዋር መሐመድ ዝተፈጸመ ተግባር ግጉይ ምንባሩን እቲ ስሕተት መን ከምዝፈጸሞ ኣጻርዩ ኣድላይ ዝበሃል ስጉምቲ ከምዝወስድን ሓቢሩ።

ነቶም ሎሚ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም ዝሞቱ መንእሰያት፡ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ልባዊ ሓዘን ከምዝተሰመዖ ብምግላጽ ንኦሮምያ ብሃይማኖትን ዓሌትን ኣሳቢቦም ዓውደ ኩናት ክገብሩዋ ዝደልዩ ወገናት ምህላዎም ተዛሪቡ።

ነዚ ጎንጺ'ዚ ንምህዳእ ዝሰርሑ መራሕቲ ሃይማኖትን ሽማግለታትን ምስጋና ብምቕራብ ተሳትፎኦም ክቕጽሉ ተላብዩ።

"ሓው ጀዋር መሓመድ ኣድላይ ሓለዋ ተገይርሉ ኣሎ። ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከኣ ኣሎ" ድሕሪ ምባል ከኣ "ንኹሉ ህዝቢ እትሓቁፍ፡ ናይ ሓባር ኢትዮጵያ ንምህናጽ ሓቢርና ንቃለስ" ክብል ምሕጽንታኡ አሕሊፉ።

እዚ መልእኽቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምስ ወጽአ ሰባት ዝተፈላለዩ ርእይቶ ይህቡን መልእኽቲ የሕልፉን ኣለው።

ገለ ካብቲ ዘስተዋህበ ርእይቶታት፡

  • 'ሰብ ምስሃለቐ ዲኹም ስጉምቲ ትወስዱ ነየናይ ኣካላት ኢኹም ከተጻርዩ፡ እዚ ውጹእ ሓሶት እዩ - ግደፉና!'
  • 'ኣንቱም ሰባት ገና ኣጻብዕትን ንጠቡ ቖልዑ ድዩ ዝመስለኩም ዘሎ።'
  • 'ፈቲኹም ዲኹም ንሱ ንመንግስቲ ዘንቀጥቅጥ ጅግና እዩ።
  • ሽመልስ ንባዕሉ ከምዝፈርሐ ኣብ ገጹ ይፍለጥ እዩ።
  • ይቕረ በልለይ ህወሓት፤ ዋላ እውን ትሰርቅና እንተነበርኪ፤ ብሰላም ንድቅስ ነይርና።'
  • 'ሓለዋ ኢትዮጵያን ህዝባን እግዚኣብሄር እዩ።'
  • 'እግዚኣብሄር እምበር ንስኻትኩም ክትሕልውዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
  • 'ልዕልና ሕጊ ንኽኽበር ግዳ ኣበርቲዕኩም ስርሑ። እግዝኣብሄር ይርድኣና።'
  • 'እቲ ሓለዋ ክቋረጽ የብሉን በርቲዕኩም ስርሑ።'
  • 'ኣቶ ሺመልስ ንባዕልኻ ኣካል እቲ ሽግር ኢኻ። ኣብ መስቀል ኣደባባይ ኬንካ ምጽራፍን ተዓጢቕካ ምስራሕን ኣዝዩ እዩ ዝፈላለ።'ዝብልን ካልእን ይርከቦ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት