ኦሮሚያ፡ ኣብ ዶዶላ ብዝተልዓለ ግጭት ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም

ካርታ

ሎሚ መዓልቲ፡ ኣብ ክልል ኦሮሞያ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ኣብ እትርከብ ከተማ ዶዶላ ብዝተወልዐ ግጭት፡ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዶዶላ ከም ዝመጽኡ፡ ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ቶላ ቢዮ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ከባቢ፡ ካብ ትማሊ ንጎሆ ጀሚሩ ሰልፊ ከም ዝነበረ ዝገለጸ እቲ ዳይሬክተር፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ግን መልክዕ እቲ ሰልስፊ ከም ዝተቐየረ ይገልጽ።

ነባሪ እቲ ከባቢ ዝኾነ ሓደ ውልቀሰብ ብወገኑ፡ ''ቅድሚ ክልተ ወርሒ ሓደ መንእሰይ ዝተኮሶ ጥይት ዝፈጠሮ ስምዒት ሕነ ምፍዳይ" መንቀሊ እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተወልዐ ግጭት እዩ ኢሉ።

ድሕሪ እቲ ሰልፊ ብዝሰዓበ ግጭት፡ ሰባት ከም ዝተጎድኡ፣ ኣባይቲ ከም ዝተቓጸሉን ድኳናት ከም ዝተዘርፉን እውን ተዛሪቡ።

እቲ ሜዲካል ዳይሬክተር ድማ፡ ትማሊ ብጥይት ተሃሪሞም ናብቲ ሆስፒታል ዝመጽኡ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱ ብምግላጽ፡ ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሖም ሰለስተ ሰባት፡ ትማሊ ምሸት ናብ ሃዋሳን ሻሸመኔን ንሕክምና ከም ዝተልኣኹ ሓቢሩ።

ሎሚ ንጉሆ ኣብቲ ከባቢ ዝተልዓለ ካልእ ግጭት ከም ዘሎ ዝገልጽ ዶክተር ቶላ፤ አርባዕተ ብኣባትር ዝተሃርሙ ሰባት ናብቲ ሆስፒታል መጺኦም ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ተዛሪቡ።

ነባሪ ከተማ ዶዶላ ዝኾነ ሓደ ውልቀሰብ ከም ዝበሎ፡ እቲ ግጭት 02 ኣብ ዝተብሃለ ቀጠና ከም ዝተልዓለን፡ ሽዱሽተ ኣባይቲ ተቓጺሎም፣ ከፍቲ ተሰሪቐን፣ ናይ ንግዲ ትካላት'ውን ተቓጺለንን ተሰሪቐንን እየን።

ሰባት ከም ዝቖሰሉን ከም ዝሞቱን ዝዛረብ እቲ ነባሪ፡ እቲ ግጭት ንሓድሕድ ዘበገሱዎ ምዃኑን፡ ካብ ቁጽጽር ፖሊስ ወጻእ ስለ ዝኾነ፡ ሓይሊ ምክልኻል ኣትዩ እቲ ኸባቢ ክረጋጋእ ከም ዝገበረ ሓቢሩ።

እቲ ግጭት ዘስግኦም ነበርቲ እታ ከተማ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስቲያን ኪዳነ ምህረት ኣዕቚቦም ይርከቡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሓይሊ ምክልኻል ኣትዩ፡ እቲ ከባቢ የረጋግእ ከም ዘሎ፡ ካብ ነበርቲ ሰሚዕና።

ካልኦት ሰልፊታት ከተማታት ኦሮሚያ

ትማሊ ዝጀመረ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ሎሚ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኦሮሚያ ቀጺሉ ከም ዝወዓለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እተን ከተማታት ገሊጾም።

ከተማታት ድሬዳዋ፣ ኣዳማ፣ ኣምቦ፣ ሻሸመኔ፣ ቢሺፍቱ፣ ዶዶላን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ከተማታት'ውን ሰልፊ ተቓውሞ ክካየድ ውዒሉ ኣሎ።

በዚ ምክንያት ድማ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስዱ መንገዲታት ከም ዝተዓጸው ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ።

ኣብዘን ከተማታት፡ ማሕበራዊን ንግዳዊን ምንቅስቓሳት ከም ዝተዓናቐፈን እቶም ነበርቲ ይዛረቡ።

ምኽንያት ኣብ ከተማ ኣምቦ ቀጺሉ ዝወዓለ ሰልፊ፡ ካብቶም ሰልፈኛታት እቶም ሓሙሽተ ካብ ኣካላት ጸጥታ ብዝተተኮሰ ጥይት ተሃሪሞም ናብ ሆስፒታል ስለ ዝተወደሱ'ዩ ይብሉ እቶም ነበርቲ።

እቶም ሰልፈኛታት ምስ ሓይልታት ጸጥታ እንትጋጨዩ፡ ድሕነት እታ ከተማ ናብ ዘሰክፍ ደረጃ ምብጽሑ ሓቢሮም።

ሕጂ'ውን፡ ድምጺ ተኹሲ ይስማዕ'ዩ ዘሎ ዝበሉ ሽሞም ዘይንጸርሖም ነባሪ እታ ከተማ፡ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ይካየዱ ብዝነበሩ ሰልፊታት፡ ቐዑጽሪ መወትቲ ኣርባዕተ በጺሑ ኢሎም።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ'ውን ተመሳሳሊ ጸገም ከም ዘሎን፡ ትማሊ ንዝነበረ ሰልፊ ተቓውሞ ብምቅዋም ምስ ዝወጽኡ መናእሰይ ግጭት ተፈጢሩ እናበርትዐ ከም ዝከደን ነበርቲ ገሊጾም።

እዚ ዝቃወም ዝነበረ ጉጅለ ድማ፡ ናብ ትካላት እምነት ከይዱ ከም ዝተዓቖበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብቲ ሰልፊ፡ ንሓደ ወገን ዝቃወሙ ጭርሖታት ይቃልሑ ምንባሮም ዝገልጹ እቶም ነበርቲ፡ በላሕቲ ነገራትን ኣጽዋርን ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ከም ዝነበሩ ካብ ነበርቲ ዝኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብታ ከተማ፡ ከቢድ ናይ ተኩሲ ድምጺ ይስማዕ ነይሩ ዝብሉ እቶም ነበርቲ፡ መልክዑ ዝቐየረ ዘስግእ ኩነታት ተፈጢሩ ምህላው ይዛረቡ።

ተወሳኺ ዛንታ