ንተምሃሪት ኑስራት ብሓዊ ዘቃጸሉ 16 ሰባት ንሞት ተፈሪዶም

ኑስራት ጃሃን ራፊ

ምንጪ ስእሊ, family handout

መግለጺ ስእሊ,

ኑስራት ጃሃን ራፊ

ቤት ፍርዲ ባንግላደሽ፡ ሓንቲ መንእሰይ፡ ብርእሰ መምህር ናይቲ ትመሃረሉ ቤት ትምህርቲ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ይበጽሓ ከም ዘሎ ብምኽሳሳ ብሓዊ ኣቃጺሎም ከም ዝቐተልዋ ዝተጠርጠሩ 16 ሰባት ንሞት ፈሪድዎም።

እታ ኑስራት ጃሃን ራፊ ዝተብሃለት ጓል 19 ዓመት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዳካ 160 ኪሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ፈኒ እያ ብሓዊ ኣቃጺሎም ቀቲሎማ።

እቲ ኑስራት ብጾታዊ መጥቃዕቲ ዝኸሰሰቶ ርእሰ መምህርን ክልተ ደቂ ክላሳ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮን ካብቶም ሞት ዝተፈረዶም ሰባት እዮም።

ቅትለት ኑስራት ኣብታ ሃገር ሓያል ስንባደ ከም ዝፈጠረን፤ ፍትሒ ክትረክብ ዝጠልቡ ብዙሓት ሰልፊታትን ተኻይዶም እዮም።

እቲ ኣሰራርሓ ቤት ፍርዲ ስሉጥ ብምንባሩን፡ ኣብ ባንግላደሽ ዝኾነ ሰብ ካብ ፍትሒ ከምልጥ ከምዘይክእል ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ገሊጹ።

ተምሃሪት ኑስራት ጃሃን ራፊ መን እያ

ጓል 19 ዓመት ኑስራት ጁሃን፡ ኣብ ባንግላዲሽ ፌኒ ኣብ ትበሃል ንእሽተይ ከተማ፡ ኣብ ሓደ ናይ እስልምና ቤት-ትምህርቲ ትመሃር ነይራ።

18 መጋቢት 2011 ድማ፡ ርእሰ መምህር እቲ ቤት-ትምህርቲ ንኑስራት ናብ ዝባን ናሕሲ እቲ ቤት ትምህርቲ ጸወዓ። ብድሕሪኡ እቲ ርእሰ-መምህር ስርዓት ብዘይብሉ መንገዲ ክተናኽፋ ከምዝጀመረ ኑስራት ትዛረብ።

ዘይተጸበየቶ ዝገጠማ ኑስራት፡ ካብቲ ርእሰ መምህር ሃዲማ ኣምለጠት።

ኑስራት ግና እቲ መምህር ኣብ ልዕሊኣ ዝፈጸሞ ተግባር ካብ ምዝራብ ሓሊፋ፡ ብሓገዝ ስድርኣ እቲ ጉዳይ ናብ ፖሊስ ወሰደቶ።

ፖሊስ እውን እንተኾነ ቃላ ተቐቢሉ ኣብ ክንዲ ምጽራይ፡ ንኑስራት ክድህላ ጀሚሩ። ኣብቲ ዕለት ተረኛ ዝነበረ ፖሊስ ድማ፡ ኑስራት ክትዛረብ እንከላ ብቪድዮ ቀሪጽዋ።

ኑስራት ናብ ፖሊስ ከይዳ ቃላ ምስ ሃበት፤ እቲ ርእሰ መምህር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። እዚ ከኣ ንኑስራት ካልእ ሽግር ፈጡሩላ።

ብጉጅለ ዝተወደቡ ደቂተባዕትዮ፡ ርእሰ መምህር እቲ ቤት-ትምህርቲ ንክፍታሕ ሰልፊ ተቓውሞ ከካይዱ ጀሚሮም።

ገለ ካብቶም ሰልፈኛታት ድማ ንኑስራት ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርታ ላምባ (ነዳዲ) ነስኒሶም ኣቃጺሎም ቀቲሎማ።

እቲ ጉዳይ ኣብ ባንግላደሽ ዓቢይ ተቃውሞ ዘለዓዓለ ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ክሳብ ክንደይ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ምዃኖም ከም ዘርእይ ይግለጽ።