ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ ስግኣት ፈጢሩ

ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ኣግራብ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ሓድሽ ቅኚ Image copyright ETSAY YAYO
ናይ ምስሊ መግለጺ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ኣግራብ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ሓድሽ ቅኚ

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ራያ ዓዘቦን ሕንጣሎ ወጀራትን: ኣብ 8 ጣብያታት ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ከም ዝተርኣየ: ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ሓቢሩ።

እዚ ካብ ክልል ዓፋር ሰጊሩ ዝመጸ ዕስለ ኣንበጣ፡ ነበርቲ እተን ዝዳበዋ ጣብያታት ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ዘራእቶም ጉድኣት የብጽሕ ከም ዘሎ ተዛሪቦም።

ካብ መንግስቲ ድማ ክንድ'ቲ ዝድለ ድጋፍ ከም ዘይረኸቡ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ላዕለዋይ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ: ኣይተ ሚክኤለ ምሩፅ ግን ሰፊሕ ወፍሪ ምክልኻል ይካየድ ብምህላዉ፡ እቲ ዕስለ ኣብ ዝራእቲ ሓደጋ ኣየውርደን ኢሎም።

ኣይተ ሚክኤለ "ምስ ምቁርራፅ ዝናብ ክረምቲ: ለበዳ ባልዕ ክረአ ከምዝኽእል ኣቐዲሙ ስለ ዝተገመተ: ኣይተገራህናን" ኢሎም።

ገለ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኣብ ገለ ጣብያታት ከም ማሸላን ጣፍን ዝበሉ ዘራእቲ ገለ ሃስያ ከም ዘስዓበ ተዛሪቦም።

ኣባላት ጸጥታ እቲ ከባቢ ጥይት ብምትኳስ ነቲ ዕስለ ኣንበጣ ከሳጉግዎ ከም ዝፈተኑ'ውን'ቶም ነበርቲ ወሲኾም ሓቢሮም።

ነባራይ ጣብያ ጨርጨር ዝኾነ ሓረስታይ ሹመይ ኣብርሃ፡ "እቶም ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን'ዮም ዝሓሹ እምበር፡ ኣብ ጨርጨርን ከባቢኣን ዝተገብረ ናይ መንግስቲ ሓገዝ ግን የለይ" ብምባል፡ ነበርቲ ባዕሎም ከም ዝተኸላኸሉ ገሊጹ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣይተ ሚክኤለ ምሩፅ: ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ላዕለዋይ ሓላፊ ርክብ ህዝብን መንግስትን

እቶም በዓልስልጣን ሕርሻ፡ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ክረምቲ ሰነ 14: ኣብ 14 ወረዳታት ኣብ ዝርከባ 45 ጣብያታት ገጠር ትግራይ ብውሱን መጠን ተራእዩ ምንባሩን ብእዋኑ ከምዝተመከተን ተዛሪቦም።

ነቲ ዕስለ ንምምካት ህዝቢ ብልማዳዊ መንገዲ ንምጥፋእ ወፊሩ'ሎ። መንግስቲ እውን ልዕሊ 1000 ሊትሮ ፈውሲ ናብቲ ከባቢ ኣቐዲሙ ከም ዝለኣኸ እቲ ቢሮ ገሊፁ'ሎ።

እቲ ለበዳ ስፍሓቱ እንተወሲኹ ምስ መንግስቲ ፈደራል ብምዃን ብሄልኮፕተር ከሚካል ብምንፃግ ብቐሊሉ ንምጥፋእ ከም ዝተሃቀነ እውን ተፈሊጡ'ሎ።