ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዘጋጠመ ጎንጺ ቁጽሪ ምውታት ናብ 67 ክብ ከምዝበለ ተገሊጹ

ኣብዚ ሰሙን ካብ ዝነበረ ተቃውሞታት Image copyright Getty Images

ኣብ ልዕሊ ጀዋር መሓመድ ዘጓነፈ ናይ ጸጥታ ጸገም ስዒቡ፡ ካብ ሮቡዕ ጀሚሩ ኦሮምያ፡ ኣብ ከተማታት ኦሮሚያ ኣብ ዝተኻየዱ ጎንጺ ዝተሓወሶም ተቓውሞታት ቁጽሪ ምውታት ክብ ምባሉ ተገሊጹ።

ብሓሙስ ኣብ ከተማታት ኣምቦ፣ ድሬዳዋን ዶዶላን ኣብ ዝቐጸሉ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተፈሊጡ።

ብርክት ዝበሉ ዓለም-ለኸ መራኸቢ ብዙሃን፡ ፖሊስ ኮሚሽን ኦሮምያ ጠቂሶም ከምዝጸብጸብዎ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኦሮምያ ብሓፈሻ 67 ሰባት ሞይቶም።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ኣብ እትርከብ ከተማ ዶዶላ ብዝተወልዐ ጎንጺ ጥራይ፡ ብዉሕድ ሽድሽተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።

ልዕሊ ፍርቂ ጠንቂ ሞት ኣብ ንሓድሕድ ብዝተገበረ ጎንጺ ከምዝኮነ ናይቲ ከባቢ ሰብስልጣንን ሆስፒታላትን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣዳማ

ዶክተር ደሳለኝ ፍቃዱ ኣብ ሆስፒታል ኣዳማ ክኢላ መጥባሕቲ ኮይኑ፡ ናብቲ ሆስፒታል፡ ሬስኦም ዝመጽአን፡ ብሂወት መጺኦም ህይወቶም ምትራፍ ዘይተኽኣለን ብድምሩ፡ እቶም 16 ሰባት ከምዝሞቱ ሕቢሩ።

ዶክተር ደሳለኝ ፍቃዱ ብምስዓብ ናብ ሆስፒተላ ኣዳማ ልዕሊ ሚእቲ በቲ ጎንጺ ተጎዲኦም ከምዝመጽኡን እቲ ማህረምቶም ከቢድን ፎክስን ኮም ዝኾነ ጠቒሱ።

"ካብዞም ናባና ዝመጽኡ፡ ብበትሪ ዝተቐጥቕጡ፡ ብበላሕቲ ነገራት ኣብ ርእሶም ዝተሃረሙ፡ ከምኡ እውን ብጥይት ዝተሃረሙ ይርከብዎም" ኢሉ።

ኮፈሌ

ኣብነት ኣክሊሉ ኣብ ምዕራብ ኣርሲ ዞን፡ ከተማ ኮፈሌ ነበርቲ ዝነበሩ ክልተ ኣዝማዱን ሓደ ኣንዳ ዘመነዱ ዝዓበየን ከመይ ከምዝተቐተሉ ንቢቢሲ ሓቢሩ ኣሎ።

ኣቶ ታምራት ጸጋዮ ንኣብነት ኣኽሊሉ ኣኩኡ እዮ።

ብረቡዕ ብዝተፈጠረ ዕግርግር ኣቶ ታምራት ጸጋይ፡ ወዶም ኣቶ ሄኖክ ታምራት ከምኡ እውን ምስኦም ዝሰርሕ ዝነበረ መንእሰይ ኣብ መንገዲ ብጭካነ ከምዝተቐተሉ እዩ ኣብነት ኣክሊሉ ዝዛረብ።

"ተኣኪቦም ናብ እንዳኣብሓጎይ መጺኦም መጀመርታ ንኣኮይ ቐቲሎሞ፡ ካብኡ ንወዲ ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ ገዝኦም ዝሰርሕ ዝነበሩ ቐቲለሞ" ይብል።

ንኣቶ ታምራት ምስ ቐተልዎ ንመንበሪ ገዘኦምን መኪነኦምን እውን ከምዘቃጸልዎ ኣብነት ኣኽሊሉ ይሕብር።

ምቦ

ሮቡዕን ሓሙስን ተዓጽዮም ዝነበሩ መንግድታት ካብ ትማሊ (ዓርቢ) ጀሚሮም ተኸፊቶም ኣለዉ።

ኣብ ሮቡዕን ሓሙስን ኣብ ዝነበረ ግጭት ግን ሓሙሽተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ካብዚኦም ሓደ ኣባል ፖሊስ ከምዝርከቦም ተገሊጹ።

እዚ ኣባል ፖሊስ ብሓሙስ ከምዝተቐተለን፡ ብሮቡዕ ሰብ ቀቲልካ ኢኻ ኢሎም ብናይ ሕነ ምፍዳይ ከምዝቐተልዎ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ዶዶላ

ኣብ ምዕራብ ኣርሲ ዞን ከተማ ዶዶለ፡ ብረቡዕን ሓሙስን ብዝነበረ ዕግርግር፡ ብሓፈሻ 6 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተፈሊጡ።

ብሓሙስ 4 ሰባት ሞይቶም ሬስኦም ናብ ሆስፒታል ዶዶላ ከምዝመጽአ ናይቲ ሆስፒታል መዲካል ዳይረክተር ዶክተር ቶላ ቢዮ ተዛሪቡ።

ብሮቡዕ እውን ክልተ ሰባት ተቐቲሎም ሬስኦም ናብቲ ሆስፒታል ከምዝተረከበ ዶክተር ቶላ ቢዮ ሓቢሩ።

ምብራቕ ሓረርጌ

በቲ ብሮብዕን ብሓሙስን ዝነበረ ዕግርግር ኣብ ምብራቕ ሓረርጌ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብውሕዱ 6 ሰባት ከምዝበጽሕ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ዞን ሓላፊ ኮምኒኬሽን ዝኾነ ኣቶ ኣየለ ዴሬሳ፡ ኣብ ጉሮ ጉቱ 5 ከምኡ እውን ኣብ ሃማሬሳ ሓደ ሰብ ከምዝተቐተሉ ሓቢሩ።

ኣቶ ኣየለ ዴሬሳ ብምስዓብ፡ ኣቶም ኣብ ጉሮ ጉቱ ዝተቐተሉ ሓሙሽተ ሰባት እቲ እምባጋሮ ናይ ብሄር መልክዕ ከምዝነበሮ እዩ ዝጠቕስ።

"ሓደ በዓል ሃፍቲ ነብሱ ንምክልኻል ብጥይት ክለተ ሰባት ቐቲሉ፡ በዚ ዝተበገሰ ሰባት ሕነ ንምፍዳይ ነቲ ሰባኣይን ክልተ ኣባላት ስድርኡን ቐቲሎሞም" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ነባሪ ኣወዳይ ዝኾነ ሓደ መንእሰይ ከኣ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ብዝተተኮሰ ጥይት ከምዝተቐተለ ከንቲባ ከተማ ኣወዳይ ጃዕፋር መሓመድ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሃረር

ኣብ ከተማ ሃረር ብሮቡዕ ጥራይ 3 ሰባት ከምዝተቐተሉ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ድሬ ዳዋ

ኣብ ድሬዳዋ እውን ብሮቡዕ ሓደ ሰብ ክቕተል እንከሎ ብሓሙስ ከኣ ኣርባዕተ ሳባት ከምዝተቐተሉ ተጠቂሱ።

ሜዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ዶክተር ዓብዱራሕማን ኣቡበከር ካብቶም ክሕከሙ ናብቲ ሆስፒታል ዝመጽኡ ግዱኣት እቶም ኣርባዕተ ከምዝሞቱ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እዚ ኣጋዝ እዚ ካብ ሓለፍቲ መንግስትን ሆስፒታላትን ዝተረኸበ ሓበሬታ ኮይኑ ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ዘለዎ ክውስኽ ከምዝኽእል ስግኣት ኣሎ።

መንግስቲ ክሳብ ሕጂ በዚ ግጭት ናይ ዝሞቱ ቁጽሪ እኳ ብዕሊ እንተዘይነገረ፡ ኣብቲ ግጭታት ዝረኣዮ ዘሎ ከባቢ ሰራዊት ኣዋፊሉ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር።

ሜዲካል ዳይሬክተር ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዶዶላ ዶክተር ቶላ ቢዮ፡ ኣብቲ ከባቢ፡ ካብ ትማሊ ንጎሆ ጀሚሩ ሰልፊ ከም ዝነበረ ብምሕባር ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ኣብቲ ከባቢ ዝተልዓለ ካልእ ጎንጺ ግን ንመልክዕ እቲ ሰልፊ ከም ዝተቐየሮ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ተወሳኺ ዛንታ