ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክስጎጉ ዝጉስጉሱ 'ጸለምቲ ስደተኛታት'

ኣባል ባይቶ ዝኾነ ኢዎቢ፡ ዕሉል ደጋፊ ናይ ማቲዮ ሳልቪኒ እዩ
ቶኒ ኢዎቢ፡ ፈላማይን እንኮን ጸሊም ኣባል ባይቶ ኢጣልያ እዩ።
መጀመርያ መዓልቲ ናብቲ 320 ኣባላት ዘለውዎ ባይቶ ምስ ኣተወ፡ ከምቲ ቆልዓ ንመጀመርያ መዓልቲ ናብ ቤት ትምህርቲ ምስ ኣተወ ዝስምዖ፡ ቀባሕባሕ ምባሉ ኣይሓብአን።
እቲ ንሱ ኣባል ዝኾነሉ ሰልፊ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ብዘለዎ ተሪር መርገጺ እዩ ዝፍለጥ። ዝሓለፈ ዓመት፡ እዚ 'ሊግ' ዝበሃል ሰልፊ ብዙሕ ድጋፍ ምስረኸበ እዩ ቶኒ ኢዎቢ ኣባል ባይቶ ኮይኑ ተመሪጹ።
ኢዎቢ፡ ጉዳያት ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ናይቲ ሰልፊ ውሃቢ ቃል ኮይኑ'ውን የገልግል። ብዙሓት ከኣ፡ እቲ ሰልፊ "ዓሌታዊ ሓሳባት" ንምንጽብራቕ ንኢዎቢ ከም ጉልባብ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ ይብሉ።
ንኣብነት ድማ፡ ኣብ 2013 ሓደ ንሰልፊ 'ሊግ' ዝውክል ኣባል ባይቶ፡ ንሓደ ጸሊም ሚኒስተር "ህበይ" ክብል ከም ዝጸረፎ ይጠቕሱ።
ኢዎቢ፡ እቲ ብጻዩ ነዚ ዘረባ ምዝራቡ "ጌጋ እዩ" ይብል፤ 'ሰልፊ ሊግ፡ ንዕኡ ከም ጉልባብ እዩ ዝጥቀመሉ' ንዝብል ርእይቶ ግን ኣይቕበሎን።
"ዝጥቀመለይ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ብናይ ባዕለይ ኣእምሮ እየ ዝሓስብ" ይብል።
'ንሳልቪኒ እድግፎ'
እዚ ናይጄርያዊ ስደተኛ፡ ናይ ትምህርቲ ቪዛ ረኺቡ ብ 1977 እዩ ናብ ኢጣልያ ኣትዩ።
ውጥኑ፡ ትምህርቱ ምስ ወድአ ናብ ሃገሩ ክምለስ እዩ ነይሩ። ነታ ሕዚ ሰበይቱ ኮይና ዘላ ኢጣልያዊት ምስ ረኸበ ግን፡ ህይወቱ ንሓዋሩ ተቐይሩ።
ናብቲ ሰልፊ ኣብ 1993 ተጸምቢሩ። እቲ ሰልፊ ሽዑ "ሰሜናዊ ሊግ" እናተባህለ ዝጽዋዕ ዝነበረ ክኸውን ከሎ፡ ንፌደራሊዝም እዩ ዝጉስጉስ ነይሩ።
ኢዎቢ፡ በዚ ሓሳብ ተመሲጡ ናብቲ ሰልፊ ኣትዩ።
ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ንመራሒ ናይቲ ሰልፊ ዘለዎ ድጋፍ ዝገልጽ "ኣብ ጎድኒ ሳልቪኒ ኣለኹ" ዝብል ጭርሖ ዘለዎ ማልያ ሰቒሉ ይረኣይ።
ሳልቪኒ፡ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ናብ ኢጣልያ ከይኣትዋ ብምኽልካል እዩ ዝፍለጥ። ኢዎቢ ግን፡ ሰልፊ ሊግ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ኣይኮነን ይብል።
"ሕጋዊ ስደት ንድግፍ ኢና" ዝብል ኢዎቢ "ንሕና ንቃወም ዘለና ዘይሕጋዊ ስደትን፡ ነቲ ሞት ዘስዕብ መገዲ ስደትን እዩ" ይብል።
ኣማኢት ኣሸሓት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ምድረበዳን ባሕርን ሰጊሮም ናብ ኢጣልያ ዝኣትዉ ዘለዉ፡ ብሰንኪ ዝፈሸለ ፖሊሲ ስደተኛታት ድማ ይብል።
በዚ፡ ምስ መራሒ ናይቲ ሰልፊ ሓደ ዓይነት መርገጺ ኣለዎ። ካልእ ጸሊም ኢጣልያዊ፡ ፓውሎ ዲዮፕ እውን ተመሳሳሊ መርገጺ እዩ ዘለዎ።
ዲዮፕ፡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ኣፍሪቃ ክምለሱ ኣዎም እዩ ዝብል
ድዮፕ እውን 'ኢጣልያውያን ኣሕዋት' ናይ ዝበሃል ሰልፊ ኣባል እዩ። ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ውሃቢ ቃል ናይቲ ሰልፊ ኮይኑ የገልግል።
"እቲ ሰልፊ ፋሺስት እዩ ኢለ ኣይሓስብን" ዝብል ዲዮፕ "ተሪር ሃገራዊ ስምዒት ዘለዎ ሰልፊ እዩ፤ እዚ ማለት ግን ዓሌታዊ እዩ ማለት ኣይኮነን። ነቲ ሃገራዊ መንነት ክሕሉ ዝደሊ ሰልፊ እዩ" ይብል።
ወለዱ፡ ስደተኛታት ምንባሮምን፡ ቁጠባ ኢጣልያ ኣብ ዝዓብየሉ ዝነበረሉ እዋን፡ ናብታ ሃገር ከም ዝኣተዉን ይዛረብ።
"ሕዚ ግን ቁጣባ ኢጣልያ ከምኡ የለን፡ ስለ ዝኾነ ድማ ብምኽንያት ቑጠባ ንዝመጽኡ ስደተኛታት ክንቅበል ኣይንኽእልን" ይብል።
ዲዮፕ፡ ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን'ኳ እንተበለ፡ ኣብ 2018 ግን፤ ኣብታ ንሱ ዝነብረላ ከተማ፡ ሓደ ኣንጻር ስደተኛታት ዝጉስጉስ ሰብ፡ ንሽድሽተ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብጥይት ኣቑሲሉ እዩ።
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣንጻር-ዓሌታውነት ሰልፍታት ተኻይዱ ነይሩ
ዲዮፕ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ይፈልጦ እዩ። ሕዚ፡ ማእሰርቲ 12 ኣመት ተፈሪድዎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ።
ካልኦት ከምኡ ዓይነት ተግባር ክፍጽሙ ግን ኣየተባብዕን ብምባል፡ "ጽቡቕ ሰብ እዩ ነይሩ" ክብል ይገልጾ።
ዲዮፕ፡ ኣብ ኢጣልያ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ንግዲ ተማሂሮም ናብታ ኣህጉር ክምለሱን ከማዕብልዋን ኣለዎም እዩ ዝብል።
ካብ ሚላኖ ውጽእ ኢልካ- 50 ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ተኣኪቦም ይረኣዩ። መብዛሕትኦም መናእሰይ ደቂ ተባዕትዮ እዮም።
ገሊኦም ዑቕባ ዝረኸቡ ስደተኛታት ክኾኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ዝተውሃቦም ቪዛ መዓልቱ ሓሊፉ ግን ከኣ ኣብ ኢጣልያ ዝነብሩ ዘለዉ እዮም።
ኩሎም፡ ግዳም ሓደር እዮም። ዕጻትን ናይ ሞባይል ካርድን እናሸጡ፡ ከምኡ ድማ እናለመኑ ይናበሩ። ነነሻዕ ግን፡ ፖሊስ ክኣስሮም ይመጽእ።
ቶሚ ኩቲ፡ ኢጣልያውያን ኩሉ ጸሊም ስደተኛ እዩ ዝመስሎም ይብል
ቶሚ ኩቲ፡ ሙዚቀኛ እዩ። እቶም ግዳም ሓደር ስደተኛታት ዝገብርዎ ነገራት፡ ኣንጻር ስደተኛታት ዝጉስጉሱ ፖለቲከኛታት ኢጣልያ እናመዝመዙ ከም ዝጥቀምሉ ይዛረብ።
ምኽንያቱ ድማ፡ ንህዝቢ ኢጣልያ ከፍርሕዎ ስለ ዝደልዩ "ከምዚ ዓይነት ቅልውላዋት ይፈትውዎ እዮም" ይብል።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ሰልፊ ሊግ ኣብ ስልጣን እንከሎ፡ ኣንጻር ወጻእተኛታት ሕማቕ ኩነታት'ዩ ተፈጢሩ።
"ዜግነት ብደም"
ኣንጀሊካ ፔሳራኒ ኣብ ዩንቨርሲቲ እትምህር ዶክተር እያ።
"ኢጣልያዊ ማለት ጻዕዳ ማለት እዩ" ዝብል ኣተሓሳስባ ሎሚ'ውን ከም ዘሎ ትዛረብ። እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ እዋን ፋሽስታዊ ስርዓት ምስ ዝነበረ ታሪካዊ ኩነት ዝምድና ከም ዘለዎ እያ ትገልጽ።
ኣንጀሊካ፡ ካብ ኤርትራውያንን ሶማልያውያንን ስድራ ዝተረኸበት እያ።
ካብ ኢትዮጵያ፣ ሶማልያን ኤርትራን ዝመጽኡ ሰባት፡ ቋንቋን ባህልን ኢጣልያ እናተምሃሩ እዮም ዓብዮም።
እቶም ናብ ኢጣልያ ዝመጽኡ፡ ኢጣልያውያን ብዛዕብኦም ዝፈልጥዎ ንእሽቶ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ይድንጽዎም።
ሎሚ'ውን እንተኾነ፡ ኢጣልያ ባዕዳዊት ገዛኢት ኮይና እናሃለወት፡ ንዝነበረ ኩነታት ዘይፈልጡ ኢጣልያውያን ብዙሓት ምዃኖም ኣንጀሊካ ትዛረብ።
"ሰባት 'ካበይ ኢኺ?' ኢሎም እንትሓቱኒ 'ካብ ሮማ'የ' ይብሎም። 'ኖ፡ ዝመጻእኽሉ ዓዲ እምበር' ይብሉኒ። ሽዑ፡ ዓሌት፣ ባዕዳዊ መግዛእቲን ጻዕዳ ምዃንን ምስ መንነት ኢጣልያ፡ ሎሚ'ውን ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ተገንዚበ" ትብል።
ንሳ፡ ዜግነት ኢጣልያ "ብደም እዩ" ትብል።
ኣብ ኢጣልያ ተወሊዶም ዝዓበዩ ካልኣይ-ወለዶ ስደተኛታት፡ ዜግነት ብቐሊሉ ክረክቡ ዝጉስጉሱ ነጠፍቲ ኣለዉ።
ነዚኦም ኣትሪሮም ዝቃወሙ ግን፡ እቶም ዲዮፕን ኢዎቢን ኣባላት ዝኾኑሎም ሰልፍታት ኢጣልያ እዮም።
ኢዎቢ ግን፡ እቶም ዜግነት ዝተኸልኡ፡ መምርሕታት ዘየማልኡ እዮም በሃሊ እዩ።
ነቶም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ድማ፡ መንግስቲ ሓደሽቲ ክእለታት ምሂሩ "ብወለንተኦም" ናብ ኣፍሪቃ ክመልሶም ዝብል መርገጺ እዩ ዘለዎ።
ሙዚቀኛ ቶሚ ኩቱ "ብሓቂ ስደተኛታት ናብ ኣፍሪቃ ክምለሱ ኣለዎም አሉ ዝኣምን እንተኾይኑ፤ ባዕሉ ናብ ኣፍሪቃ ተመሊሱ ኣብነት ይኹን" ይብል።