ኣብ ካሊፎርኒያ ብዘጋጠመ ባርዕ ጫካ ኣሽሓት ተመዛቢሎም

በቲ ባርዕ ጫካ ሓየለ መንበሪ ኣባይቱ ተቃጺሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

በቲ ባርዕ ጫካ ሓየለ መንበሪ ኣባይቱ ተቃጺሎም

ኣብ ካሊፎርኒያ ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ፡ ልዕሊ 4 ሽሕ ሄክታር ጫካ ከምዘብረሰን፡ ኣስታት 2000 ሰባት ካብ ቤቶም ንኽመዛበሉ ምኽንያት ከም ዝኾነን፡ ገና'ውን ይቕጽል ምህላዉ ሰብ መዚ ምክልኻል ባርዕ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

እቲ ባርዕ፡ ካብ ሸነኽ ደቡብ ዝነፍስ ዘሎ ብርቱዕ ንፋስ ከምዘጋደዶ ውሃቢት ቃል ምክልኻል ባርዕ ኣሜሪካ ሓቢራ።

ኣብ ካሊፎርኒያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ባርዕ ጫካ፡ ኣስታት 100 ሰባት ምሟቶም ዝዝከር እዩ።

እዚ ባርዕ፡ ካብ ከተማ ሳን ፊራንሲስኮ ንሸነኽ ሰሜን 120 ኪሎሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሶኖማ ኣብ ዝብሃል ቦታ እዩ ኣጋጢሙ።

ኣብቲ ከባቢ፡ ብሰዓት 112 ኪሎ ሜትር ዝጓዓዝ ንፋስ፡ ነቲ ባርዕ ካብ ዘጋድዱ ዘለዉ ምዃኑን፡ ንምሉእ ግዝኣት ካሊፎርንያ ከምዝጸለወን ሰብ መዚ እታ ግዝኣት ንኤፒ ሓቢሮም።

እቲ ንፋስ፡ ዝግ ክብል እኳ ትጽቢት እንተሃለወ፡ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ግን ናህሩ ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ ከምዝቕጽል፡ ሰብ ሞያ ሜትሮሎጂ እቲ ከባቢ ይሕብሩ።

ልዕሊ 2000 ነበርቲ ከተማ ገይሰርቪል ዞባ ሶኖማ፡ ካብ ቤቶም ወጺኦም ኣብ ውሑስ ቦታ ተዓቊቦም ይርከቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

መበገሲ እቲ ባርዕ ጫካ እንታይ ከምዝኾነ ዛጊት ኣይተፈለጠን ዘሎ

ነበርቲ ኣብ ጥቃ ከተማ ገይሰርቪል እትርከብ ከተማ ሄልድስበርግ እውን፡ ክወጽኡ ተሓቢርዎም ኣሎ።

ኣባል ባይቶ ማይክ ማክጉይነር "እቲ ባርዕ ብብርቱዕ ናህሪ ይጕዓዝ ስለዘሎ፡ በጃኹም ካብ ቤትኩም ውጽኡ" ክብል ብትዊተር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ልዕሊ 180,000 ኣባይቲ፡ ነቲ ሓደጋ ንምክልኻል፡ ቀረብ ኤለክትሪክን መስመር ጋዝን ተቋሪጽወን ኣሎ።

ኣብ ምሉእ ሎስ ኣንጀለስ፡ ሳን ቤርናርዲን ቬንቱራ እውን ኤለትሪክ ንክቋረጽ ኣብ ተጠንቐቕ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ነዚ ባርዕ ጫካ ንምቁጽጻር ብሄሊኮፕተርን ነፋሪትን ዝተሓገዙ ኣስታት 500 ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ተዋፊሮም ኣለዉ።

መበገሲ እቲ ባርዕ ጫካ እንታይ ከምዝኾነ ዛጊት ኣይተፈለጠን ዘሎ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ኣብ ሰሜን ሎስ ኣንጀሎስ ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ ልዕሊ 4700 ኤከር ከቃጽል እንከሎ ኣሽሓት ብዘይ ቤት ንብረት ከምዝተርፉ ገይሩ እዩ።