ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሃይማኖታውያን ኣቦታት ክዝትዩ እዮም

ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ፓትርያርክ አቡነ ማትያስ

ምንጪ ስእሊ, J. Countess

መግለጺ ስእሊ,

ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ፓትርያርክ አቡነ ማትያስ

ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ቅዱስ ሲነዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሎሚ ክዝትዩ ምዃኖም ኣፈጻሚ ስራሕ ሃገረ ስብከት ኣዲስ ኣበባ መልኣከ ህይወት ኣባ ወልደ እየሱስ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም መልኣከ ህይወት ኣባ ወልደ እየሱስ፡ እዞም ኣባላት ቅዱስ ሲነዶስ ሎሚ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ምስ ሚኒስተር ምክልኻል ኣቶ ለማ መገርሳ ከምኡ እውን ምስ ሚኒስተር ሰላም ሙፈሪሃት ካሚል ከም ዝራኸቡ ሓቢሮም።

ኣብ ሮቡዕን ሓሙስን ኣብ ዝተፈላለየ ክፋልት ኦሮምያ ኣብ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ኣብ ልዕሊ ክርስትያንን ኣብያተ ክርስትያንን መጥቃዕቲ ከም ዝወረደ ዝሓበሩ መልኣከ ህይወት ኣባ ወልዱ እየሱስ፡ "እቲ ተቓውሞ ንፌዴራለዊ መንግስቲ ደኣ ይምሰል'ምበር፡ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ክርስትያንን ኣብያተ ክርስትያንን እዩ ተፈጺሙ" ኢሎም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ካብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝተኣኻኸቡ ልዕሊ 60 ሊቃነ ጳጳሳት ንጉባኤ ተኣኪቦም ኣብ ዝነበርሉ፡ ኣብ ምዕራብ ኣርሲ ኣብ ከባቢ ሻሸመኔ፡ ዶዶላ፡ ኣርሲ ነገሌ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ከባቢ ኮፈሌ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ምስ ሰምዑ፡ በቲ ተግባር ተሰናቢዶም ኣብ ናይ ምሸት ኣኼበኦም ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ከምዝተዛተዩ መልኣከ ህይወት ኣባ ወልደ እየሱስ ሓቢሮም።

ኣብቲ ናዕቢ ዝካየደሉ ዝነበሩ ህዝበ ክርስትያን፡ ነብሶም ንምድሓን ናብ ኣብያተ ክርስትያን ከምዝተዓቐቡ ዝሓበሩ መልኣከ ህይወት ኣባ ወልደ እየሱስ፡ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶደክስ ተዋህዶ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ንነጆ ብዝተፈላለየ መልክዕን ኣብ ዝተጸላለየ ቦታታትን መጥቃዕቲ ይወርዳ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነዚ ዛዕባ ኣመልኪቶም ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ከምዝተዘራረቡ ሓቢሮም።

"ነዛ ቤት ክርትያን ሕጋዊ ሓለዋ ክግበረላ፡ መንግስቲ ብእምነቶም ጥራይ ግዳያት ኮይኖም ዝህደኑ ዘለዉ ምእመናን ጉዳዮም ኣተሓሳሲብዎ፡ መሰሎም ይጥሓስ ስለዘሎ ደው ከብሎ" ኢሎም ከምዝሓቱ እውን መላከ ህይወት ኣባ ወልዱ እየሱስ ጠቒሶም።

መልኣከ ህይወት ኣባ ወልደ እየሱስ፡ መንግስቲ ንኣብያተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክሕሉን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ገበነኛታት ከኣ ስጉምቲ ክውሰድ ከም ዝሓቱ እውን ሓቢሮም።

ኣብዚ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ዝካድ ጉባኤ ቅዱስ ሲነዶስ ፡ ትማሊ ድሕሪ ምጅማሩ ኣብታ ሃገር ብዘጋጠመ ናዕብን ህውከትን፡ ሊቃነ ካህናት ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላም ከውርድ ብምጽዋዕ ንሰለስተ መዓልታተ ዝጸንሕ ጾምን ጸሎትን ምእዋጁ ይዝከር።

ብኻሊእ ዜና መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጸገም ጸጥታ ኣብ ዘጋጠመሎም ካባቢታት፡ ኩነታት ንምህዳእ ተዋፊሩ ከምዘሎ ዳይረክተር ክፍሊ ርክብ ህዝብን ኢንዶክትሪነሽንን ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ብምጥቃስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ገሊጹ።

እቲ ሰራዊት መንግስቲ ብዘቕረቦ ጻውዒት ኣብ ኣምቦ፣ ቢሾፍቱ፣ ባሌ ሮቤ፣ ኣዳማ፣ ሞጆ፣ ድሬዳዋን ሃረርን ተዋፊሩ ከምዘሎ ተሓቢሩ።