"ወዲ ሰብ፡ ህንጡይ ስለዝኾነ ብቐጻሊ ኣብ ምርምር እዩ ዝነብር!"

ጸጋይ ገብረሂወት፡ ብርሃነ ወልደገብርኤልን ኢዮብ ጸጋይን Image copyright TG, BW & ET
ናይ ምስሊ መግለጺ ጸጋይ ገብረሂወት፡ ብርሃነ ወልደገብርኤልን ኢዮብ ጸጋይን (ካብ ጸጋም ንየማን)

ሓበሬታ ከም ዓይኒ ብርሃን፡ ከም ኣፍ ልሳን ምዃኑ እዩ ዝምሰል። ብዘይ ሓበሬታ ኩሉ ጸልማት እዩ። ብኡ ምኽንያት ከኣ እዩ ሓበሬታ፡ ዕጥቅን ስንቅን'ዩ ዝበሃል። ስለዝኾነ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 1972፡ ኣብ ንግድን ወፍሪ ልምዓትን ንዘጋጥም ጸገማት ንምፍታሕ ዝሕግዝ ዓለማዊ መዓልቲ ሓበሬታ ምዕባለ ክህሉ ዝኣመመ።

ካብ 1973 ኣትሒዙ ከኣ፡ ን24 ጥቅምቲ ከም ዓለማዊት መዓልቲ ሓበሬታ ምዕባለ ከኽብራን ከብዕላን ይርከብ።

ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ዓለም፡ ዓሚ 24 ጥቅምቲ 2018፡ ተራ ተንቀሳቓሲ ስልኪ (ሞባይል)ን፡ ኢንተርነትን ኣብ ኣሳልጦ ንግድን ምዕባለን፡ ዝብል፡ ዝተፈላለየ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ብምቕራብ፡ ንኣሳልጦ ንግድን ምዕባለን ዝሕግዝ ኣስተምህሮ ብምሃብን ተመኩሮ ሕድሕድ ብምልውዋጥን ኣብዒሉዋ። ለብዘበን እውን ብተመሳሳሊ ንጥፈታት ከምዝዘከራ ይፍለጥ።

ምዕባለ ዕቤትን ብልጽግናን ናይ ምፍጣር መስርሕ እዩ። ምዕባለ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት፡ ኣብ ምዕቃብን ምምሕያሽን ኣከባቢ፡ ኣብ ቁጠባ፡ ማሕበራዊ ህይወት ህንጸትን እወታዊ ተራ ምጽዋት ማለት እዩ።

ቢበሲ ትግርኛ ብዛዕባ እዛ ዕለትን ምዕባለ ሓበሬታን ኣገዳስነቱን ብዝምልከት ንሰለስተ ኤርትራውያን ምሁራት ኣቶ ጸጋይ ገብረሂወት (ምሁር ኮምፒዩትር ሳይንስ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓውዲ ሓበሬታ-ቴክኖሎጂ)፡ ኣቶ እዮብ ጸጋይ (ኢንጂነርን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን) ኣቶ ብርሃነ ወልደገብሪኤል ከኣ (ገዲም ጋዜጠኛን ኪኢላ ስነ-ቋንቋን) ኣዘራሩቡዎም ኣሎ ሓሳባቶም እነሆ።

Image copyright Tsegay Ghebrehiwet

ኣቶ ጸጋይ ገብረሂወት ብዛዕባ ሓበሬታን ኣገዳስነቱን ኣብ ዝጸሓፎ ዓንቀጽ፡ ሓበሬታ (Information) እምነ-ኩርናዕ ምዕባለን ህንጸትን ምዃኑ፡ ግን ከኣ ደቂ ሰባት ንዝተፈላለየ ረብሓታት፡ ዕዳጋ ንምቁጽጻርን ዘይምኽኑይ መኽሰብ ንምኽዕባትን ሓበሬታ ዘዘንብዑ ኣካላትን ትካላትን ስለዘለው፡ ሰባት ንዝሰምዑዎን ዝረኽቡዎን ሓበሬታ ሓቅነቱ ከረጋግጹ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ተመሳሳሊ ርእይቶ ዘለዎ ኣቶ ብርሃነ ወልደገብሪኤል፡ ወዲ ሰብ ሓዲሽ ነገር ክፈልጥ ካብ ምድላይ ዝብገስ ህንጡይ ባህሪያቱ፡ ካብ ዝፍጠር ኣትሒዙ፡ ከባቢኡ እናተዓዘበ፡ ምርምራቱ እናፈተነ፡ ርኽበት መጽናዕቱ እናሰነደን እናዕሞቐን ኣብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና ደረጃ ከምዝበጽሐ ይገልጽ።

"መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝነግረና፡ ኣዴና ሄዋን እውን ብተመን ስሒታ፡ ካብታ እግዚኣብሄር ከይትትንክፉዋ ዝበሎም ኦም ዝበልዐት ክትፈልጥ ካብ ምድላይ ዝነቅል እዩ ዝኸውን" ዝብል ኣብነት ብምቕራብ፡ ኣቶ ብርሃነ፡ ወዲ ሰብ ሓዲሽ ነገር ክፈልጥ ካብ ምድላይ ናብዚ ዘመናዊ ዓለም ከምዝበጽሐ ይዛረብ።

መንእሰይ ኢንጂነር እዮብ ብወገኑ፡ ንኣገዳስነት፡ ሓበሬታ፡ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት፡ ኣብ ህንጸት ትሕተ ቕርጺ፡ ኣብ ንግዳዊ ውድድር፡ ኣብ ምጥፋእ ድኽነት፡ ኣብ ዕቃበ ከባብን ክሊማን ፍሉይ ረብሓን ኣገዳስነትን ምህላዉን ምንጪ ኩሉ ዓይነት ምዕባለ ምዃኑ ይጠቅስ።

"ሎሚ ዓለምና ብሓበሬታ ዘቕቢባ ስለዘላ፡ ሰባት፡ ካብቲ ዕልቕልቕ፡ ነቲ ቅኑዕ ሓበሬታ መምዮም ክጥቀሙሉ ይግባእ" ክብል ድማ ይምዕድ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ብዝፈጠሮ ብዝሒ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገለ ወገናት ንህዝቢ ዝጠቅምን ንምዕባለ ዝድርኽን ዝተፈላለየ ሓበሬታ ክዝርግሑ እንከለው ገለ ወገናት ከኣ ንደረጃ ፍልጠትን ድኻምን ሕብረተሰብ መዝሚዞም ንረብሐኦም ይጥቀምሉ ምህላዎም ርኡይ እዩ።

ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣቶ ጸጋይ ገብረሂወት "ቅኑዕን ጽፉፍን ሓበሬታ ሓይልን ዕጥቅን ክኸውን እንከሎ፡ ግጉይን ዝንብዑን ሓበሬታ ግን ውድቀት እዩ" ይብል፡ ዓይነትን ዝርገሐን ሓበሬታ ሰፊሕን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ብምግላጽ።

Image copyright Eyob Tsegay

ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1972 ዓለማዊ መዓልቲ ሓበሬታ ምዕባለ ክእውጅ እንከሎ እምበኣር አህዛብ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ምምዕባል ዝርከቡ አህዛብ መታን ብግቡእ ክጥቀሙሉ ኣድላይ ሓበሬታ ንኪሰንቁን ሓበሬታ ዝምስርሕሉን ዝትግብሩሉን መሳርሒታት ከተኣታትዉ ብምሕሳብ እዩ።

ኣቶ ብርሃነ ወልደገብርኤል፡ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ፡ ፈለማ ንወተሃደራዊ ዕዮ ተባሂሉ ከምዝተማህዘን እቲ ዝተደልየ ፍረ ምስ ኣበርከተ ከኣ ናብ ኣገልግሎት ህዝቢ ከምዘወዓለን ብምጥቃስ፡ "እነሆ እኳ እዚ ቴክኖሎጂ ካብ ናይሮቢ ንለንደን ወይ ካብ አፍሪቃ ንኤውሮጳ የራኽበና ኣሎ" ክብል ንህሞት ዝርርብና ከም ኣብነት የቕርቦ።

ኣገልግሎት ሓበሬታ ከም ዝተጠቐምካሉን ከምዝሰራሕካሉን እዩ። ገለ አህዛብ ንዝረኸቡዎ ሓበሬታ ተሞርኲሶም ኣብ ኩሉ ዓውዲ ቀልጢፎም ክምዕብሉ እንከለው ብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ግን ከምቲ ዝደለ ከይሰጎማ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ገና ሕርሸአን በብዑር የካይደኦ ኣለዋ።

Image copyright Berhane Weldegebriel

ብዙሓት ስሙያት ዜጋታት ዓለምና ንመነባብሮ ህዝቢ ዝቕይር ምህዞ ብምቕራብ ንዓለምና ይቕይሩዋ ኣለው። ኣልበርት ኣንስታይን ንክልሰሓሳብ 'ኣቶም' ከማዕብል እንከሎ ንሰናይ እዩ ሓሲቡዎ ነይሩ።

ግን ከኣ ገለ ክፋል ካብቲ ምርምሩ ኣብ ዕንወትን ጥፍኣትን ሂሮሽማን ናጋሳክን ምውዓሉ ዝሓበረ ብርሃነ፡ "ንኣብነት እተን ኣብ ገለ ክፋል ወተሃደራዊ ዒላማ ዘጥቅዓ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ድሮን፡ ኣብ ከም በዓል ማላዊ መድሃኒት ኣብ ምምልላስ ተዋፊረን ኣለዋ" ክብል ቴክኖሎጂን ሓበሬታን ንጽቡቕን ሕማቕን ክትጥቀመሉ ከምእትኽእል ኣረዲኡ።

መንእሰይ እዮብ ብወገኑ፡ ኣሸበርቲ ሓይልታት ንምዕባለ ቴክኖሎጂን ሓበሬታን ንአዕናዊ ኣተሓሳስበኦምን ንጥፈታቶምን ከምዝጥቀምሉ ብምዝኽኻር፡ ሰባት ነቲ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝረኽብዎ ሓበሬታ ኣየናይ እዩ ጠቓሚ ኣየናይከ ጎዳኢ ብምባል ፈልዮምን መምዮምን ክጥቀምሉ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መወዳእታ ጸጋይ ገብረሂወት፡ ምዕባለ ሓበሬታን ተክኖሎጂን ዘምጸኦ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ካብቲ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ብዕጽፍጻፍ ከምዝዓብን፡ ኣብ ምዕራብ ዓለምን ገለ ክፋል ኤስያን ድሮ ኮምፒዩተር ዘይፈልጥ ወይ ከኣ ዘይጥቀም ሰብ ከም መሃይም ከም ዝቑጸር ብምዝኽኻር ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት እንኮላይ ኤርትራ፡ ካብቲ ብኣፍ ደጊአን ዝሓልፍ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተዘርጊሑ ዘሎ ኣገልግሎት ኢንተርነት (ፋይበር ኦፕቲክ) ተጠቒመን ምዕባለአን ክድርኻ ተማሕጺኑ።