ዙምባብወ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ብምቅዋም ሰልፊ ተካይዱ

ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ዙምባብያውያን ነቲ ብኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብታ ሃገር ተነቢሩ ዘሎ እግዳ ብምቅዋም ሰለማዊ ሰልፉ ገይሮም።

ኣብዚ ብመንግስቲ ዝተዳለወ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ሰልፈኛታት፡ እቲ እገዳ ንቑጠባ እታ ሃገር ክሳብ ክንደይ ከምዝደሃኾ ዝገልጽ ጽሑፋት ሒዞም እዮም ተቓውሞ ኣስሚዖም።

ብኻልእ ወገን፡ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳ ዘንበረኦ እግዳ ኣብ ልዕሊ ውለቀሰባትን ኩባንያታትን ብምዃኑ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዘሕድሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘየለ እውን ይጥቀስ።

መንግስቲ ዙምባብወ፡ ብምኽንያት እዚ ሰለማዊ ሰልፊ ሎሚ መዓልቲ ህዝባዊ በዓል ክኸውን ክእውጅ እንከሎ፡ ንሰልፈኛታት ካብን ናብን ዘበጻጽሓ ዓበይቲ ኣውቶቡሳት እውን ኣዳልዩ እዩ።

ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተረኸበ ፕረዚደንተ ኤመርሰን ምናንጋግዋ ንሰልፈኛታት መደረ ኣስሚዑ።

"እዚ እገዳ ኣብ ነብሲ ወከፍ ወዲ እዛ ሃገር ዝፈጠሮ ጽልዋ እዚ ኢልካ ዝግመት ኣይኮነን፡ እቲ እገዳ ጌጋ እዩ ንብለሉ ቀንዲ ምኽንያት ኸኣ ኣብ ንነብሱ ወከፍ ገዛ ስለዝጸሉ እዩ" ኢሉ።

እቶም ሰልፈኛታት "እገዳ ክልዓል ኣለዎ" ዝብል ጽሑፋት ዘለዎም ክዳውንትን ወረቃቕትን ሒዞም "እዚ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተነበረ እገዳ እዩ" እናበሉ ይጭርሑ ነይሮም።

ዝተፈላለዩ ኣውፈርቲ ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ "እዚ እገዳ ኣብ ልዕሊ ዙምባብያውያን ገዚፍ በሰላ ዝገደፈ'ዩ" ብምባል፡ ብሰንኪ እገዳ፡ ባንክታት ብውሑድ ወለድ ልቃሕ ደው ከብላ ብምግዳደን ኣብ ዝገበርዎ ወፍሪ ጽልዋ ከምዝፈጠረሎም ጠቂሶም።

እቶም ሰልፈኛታት እዚ ንዙምባብወ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሕጽረት ቀረብ ኤለትሪክን ማይን ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነበረ እገዳ ዝሰዓበ ምኳን እውን ጠቒሶም።

መንግስቲ ነቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ቁጠባዊ ፍሽለት ንምሽፋንን እቲ ጸገም ናብ ካልእ ንምልጋብን ሓሲቡ ዝወጠኖ ሰለማዊ ሰልፊ'ዩ ዝበሉ እውን ኣይተሳእኑን።

መራሒ ተቃዋሚ ሰልፊ ኔልሰን ቻማሳ፡ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ንዘሎ ናይ ኣመራርሓ ጸገም ንምሽፋን መንግስቲ ዝወደቦ 'ፕሮፖጋንዳ'ዩ' ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ወከልቲ ዜና ቢቢሲ፡ ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ክንድቲ መንግስቲ ዝገመቶ ሰብ ከምዘይተሳተፈ ብምሕባር፡ እቶም ሰለማዊ ሰላፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ዝተኣከባሉ ስታድዮም ኣስታት 60 ሽሕ ሰብ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ እኳ እንተሃለዎ፡ ካብ 15-20 ሽሕ ዝግመት ሰብ ጥራጥ ከምዝመጽአ ሓቢሮም።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ዜምባብወ ብወገኑ፡ ኣብታ ሃገር ኣገጢሙ ዘሎ ፖሊቲካዊ ውድቀት "ካብ እገዳ ዝነቐለ ዘይኮነ ካብ ድኹም ዝኾነ ፖሊሲ ቁጠባ ዝተለዓለ እዩ" ክብል ብትዊተር ጽሒፉ።

ኣሜሪካ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ብዝተሓሓዝ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኤመርሰን ምናንጋግዋ ዝርከቦም 85 ላዕለዎት ሓለፍትን 56 ኩባንያታትን ዙምባብወ እገዳ ምንባር ዝዝከር እዩ።

እቲ እገዳ ብተወሳኺ ዙምባብወ ዝኾነ ዓይነት ዕድጊት ናይ ኣጽዋር ከይተካይድ እውን ዝእግድ እዩ።

ሕብረት ኣውሮጳ እውን፡ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ እታ ሃገር ናይ መገሻ፡ ናይ ምንቅስቃስ ገንዘብ ዓጽዋርን እገዳ ኣንቢሩ ኣሎ።

እዚ እገዳ ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ዝተነበረ ኮይኑ፡ ሎሚ ዓመት እውን መንግስቲ ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ህዝባዊ ተቃውሞን ዝሞቱ ሰባትን ብዝተሓሓዝ ኢድ ኣለዎም ንዝበሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣስማት ብምጥቃስ እገዳ ኣንቢርሎም ይርከብ።