ፕረዚደንት ቺሌ ድሕሪ ተቓውሞ ንኹሎም ኣባላት ካቢኔኡ ኣባሪሩ

ፕሬዝደንት ሰባስቲያን ፒነራ 26 ጥቅምቲ 2019 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሬዝደንት ሰባስቲያን ፒነራ፡ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ዘይማዕርነት ዝፈትሑ ስጉምታት ከም ዝወስድ ቃል ኣትዩ

ብዓርቢ፡ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ዝኾኑ ሰባት፡ ኣብ ቺሌ ማሕበራዊ ፍትሒ ክሰፍን ዝጽውዕ ሰልፊ ኣብ ርእሰ ከተማ ሳንዲያጎ ኣካይዶም። እዚ ድማ፡ ካብ ሓፈሻዊ በዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር፡ ልዕሊ 5 ምኢታዊት እዩ።

ተሳተፍቲ ናይቲ ሰልፊ፡ ብዙሕ ኪሎሜትራት ብእግሮም ዝተጉዓዙ ክኸውን ከሎ፡ ባንዴራ እናንበልበሉ፣ ለውጢ ዝሓቱ ጭርሖታት እናጨርሑ ሙሉእ ከተማ ክዞሩ ውዒሎም።

ኣመሓዳሪት ናይታ ከተማ፡ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ "ሓዳሽ ቺሌ ንምርኣይ ዘሎ ባህጊ ዘንጸባርቕ" ክትብል ገሊጻቶ።

ድሕሪ እዚ፡ ፕሬዝደንት ሰባስቲያን ፒነራ፡ እቶም ሰልፈኛታት ዝጠለብዎም ማሕበራዊ ለውጢታት ንምትእትታው፡ ሓድሽ መንግስቲ መታን ክምስርት ነቲ ነባር ካቢኔኡ ብሙሉእ ኣፍሪሱዎ።

"ነቶም ዝሕተቱ ዘለው ጠለባት ንምምምላስ ዘኽእል ምትዕርራይ ንምግባር፡ ንሚኒስትራተይ ምቅይያራት ከምዘሎ ኣፍሊጠዮም'የ" ኢሉ።

እንተኾነ፡ ኣብቲ ዝግበር ለውጢ ዝውሰድ ስጉምቲ እንታይ'ዩ ዝብል ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።

ኣብቲ ቅድሚ ሰሙናት ኣቢሉ ዝተጀመረ ለውጥን ፍትሓውነትን ዝጠልብ ተቓውሞ፡ 17 ሰባት ሞይቶም ካልኦት ኣማኢት ቖሲሎም'ዮም።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ወተሃደራት፡ ናዕብን ስርቅን ንምክልኻል ኣብ ከተማታት ተዋፊሮም

እቲ ፕሬዝደንት፡ ብዓርቢ "ኩልና ተቐይርና ኢና። እቲ ናይ ሎሚ ሰላማውን ዘሐጉስን ሰልፊ፡ ዜጋታት ቺሌ ስምርትን ፍትሓዊትን ቺሌ ንክትህሉ ዝሓተትሉ እዩ። እዚ ድማ፡ ንመጻኢ ተስፋ ዘስንቕ መገዲ ዝጸርግ'ዩ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ኣወሃሃድቲ እቲ ሰልፊ፡ ኣብታ ሃገር ዲሞክራሲ ክትግበር ካብ ዝጀመረሉ ካብ 1990 ንደሓር፡ እቲ ዝዓበየ ሰልፊ'ዩ ተኻይዱ ኢሎም።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓደ ሚሊዮን ዝጽግዑ ሰባት ኣብቲ ሰልፊ ከም ዝተሳተፉ ይግለጽ

ቺሌ፡ ሓንቲ ካብተን ሃብታማት ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ'ኳ እንተኾነት፡ ሰፊሕ ቁጠባዊ ዘይማዓርነት ዘለዋ ሃገር እያ። ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዘይምዕሩይ እቶት ዘለዋ ሃገር እያ ተባሂላ ትጥቀስ።

ፕሬዝደንት እታ ሃገር፡ ነቲ ተቓውሞታት ንምህዳእ፡ መጠን ክፍሊት ጡሮታን፡ ዝተሓተ መጠን መሃያን ክብ ምባል ሓዊሱ፡ ገለ ለውጢታት ከም ዝገብር ተዛሪቡ ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ