ብገበን ስርቂ ዝተፈርደ ኢራናዊ ኣጻብዕቱ ተቖሪጹ

ቤት ማእሰርቲ ኢራን Image copyright Getty Images

ሰበስልጣን ኢራን፡ ብገበን ስርቂ ገበነኛ ኮይኑ ንዝተረኸበ ሰብኣይ ኣጻብዕቱ ብምቑራጾም፡ ኣምነስቲ እንተርናሽል ነቲ ተግባር ኮኒንዎ።

እዚ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ማዛንደራን ዝተፈጸመ ፍርዲ "ዘፈንፍን ዓይነት መቕጻዕቲ" ክብል ገሊጽዎ።

ሰበስልጣን ኢራን ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ሰብኣይ 28 ግዜ ስርቂ ከምዝፈጸመ ገሊጾም።

እስላማዊ ሕጊ ገበን ኢራን፤ ሓደ ሰብ ንፈለማ እዋን እንተሰሪቑ፤ ናይ የማናይ ኢዱ ኣርባዕተ ኣጻብዕቲ ብምቑራጽ ክቕጻዕ ይድንግግ።

ተጠበቕቲ ሰባዊ መሰላት ዋላ'ኳ ነቲ ተግባር እንተኾነንዎ፡ ሰበስልጣን ኢራን ግና ከምዚ ዓይነት መቕጻዕቲ ስርቂ ንምግታእ እቲ ዝበለጸ ሜላ እዩ ብምባል ነቲ መቕጻዕቲ ይድግፍዎ።

እንተኾነ ግና፡ ከምዚ ዓይነት መቕጻዕቲ ሳሕቲ እዩ ዝስማዕ።

ምክትል ዳይረክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ማእካለይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን፡ ሳልሕ ሒጋዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ኣካላት ሰባት ምቑራጽን ኣካለ-ስንኩላን ምግባርን ፍትሒ ከም ዘይኮነ" ገሊጹ።

ኢራን ኣብ ገበናዊ ሕጊ ምምሕያሽ ክትገበር ድማ ጸዊዑ።

ኣብ ጥሪ 2018 ሰበስልጣን ኢራን፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኢራን ንሓደ ወዲ 34 ዓመት ሰብኣይ በግዕ ብምስራቑ ኢዱ ቆሪጾሞ እዮም።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፤ ናይጀርያን ሶማልያን እውን ተመሳሳሊ መቕጻዕቲ ይረኣይ እዩ።

ዝሓለፈ ዓመት ሰበስልጣን ኢራን፡ ንሓደ መንእሰይ ቅድሚ 10 ዓመት መስተ ሰቲኻ ብዝብል ብመግረፍቲ ምቕጸዖም ካብ ተጣበቕቲ መሰላት ብዙሕ ነቀፈታታት በጺሕዎም እዩ።

ኣብዚ ዓመት'ውን ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ክልተ መንእሰያት ጾታዊ ዓመጽ ፈጺምኩም ብዝብል ብማሕነቕቲ ብምቕታላ፡ ካብ ኣሜሪካን ተጣበቕቲ መሰላትን ሓያል ነቐፈታ በጺሕዋ እዩ።

ኢራን፡ ካብ 1990 ጀሚራ 'ገበን ፈጺሞም ንዝበለቶም'' ኣስታት 100 ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ከም ዝቐተለት ኣምነስቲ እንተርናሽናል ይገልጽ።