ትራምፕ፡ ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ ኣመሪካ ኣብ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ስርሒት ነብሱ ቐቲሉ

መራሒ ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕሽ ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ 2014 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ መራሒ ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕሽ ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ

መራሒ ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕሽ ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ፡ ኣመሪካ ኣብ ዘካየደቶ ኣንጻሩ ዘቕነዐ ወተሃደራዊ ስሪሒት፡ ንነብሱ ከምዝቐተለ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ተዛሪቡ።

ኣብ እዋን እቲ ስርሒት፡ ሓይልታት ኣመሪካ ምስ ኣጻበብሉ፡ ኣል-ባቕዳዲ ናብ ሓደ ገለርያ ኣትዩ ንነብሱ ከምዘፈንጀረ ትራምፕ ገሊጹ።

ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ስርሒት ብዝርዝር ዝገለጾ ክኸውን ከሎ፡ ዝሰልጠኑ ኣኻልብ ሓይልታት ኣመሪካ ምስኣጓየይዎ፡ ኣል-ባቕዳዲ "ብፍርሒ እናእወየ" ናብቲ መውጽኢ ዘይብሉ ገለርያ ከምዝኣተወ ተዛሪቡ።

ድሕሪ'ዚ ድማ፡ ነቲ ከም ጃኬት ወድይዎ ዝነበረ ነብሰ-ቅትለታዊ ዕጥቂ ብምፍንጃር ንነብሱን ንሰለስተ ደቁን ከምዝቐተለ ትራምፕ ገሊጹ።

እቲ ገለርያ ኣብ ልዕሊኦም ምፍራሱን፡ ኣብቲ ስርሒት ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኣመሪካ ዝኾነ ጉድኣት ከምዘይበጽሖምን'ውን ትራምፕ ገሊጹ።

ኣብ ሬስኡ ምርመራ ዲኤንኤ ብምክያድ ንመንነቱ ከምዘረጋገጹ ድማ እቲ ፕረዚደንት ተዛሪቡ።

ኣቕድም ኣቢሉ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጠቀዖ ጽሑፍ "ሓደ ዓቢዪ ፍጻመ ከምዘጋጠመ" ኣመልኪቱ ነይሩ።

መራኸቢ ብዙሓን ኣሜሪካ ድማ፡ ስሞም ዘይተገለጹ ሰብመዚ ብምጥቃስ፡ ሓይልታት ኣሜሪካ፡ ኣንጻር መራሒ ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕሽ ዝዓለመ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ስርሒት ከም ዘካየዱ ኣቃሊሓን እየን።

ኣብ ዝሓለፈ ግዜ፡ ቅትለት መራሒ ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕሽ ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ ተቓሊሑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት "ብቕልጡፍ ስጉምቲ ምውሳድ ዘኽእል ሰለያዊ ሓበሬታ" ምስ ተረኽበ፡ ብፍሉይ ሓይልታት ኣሜሪካ ከም ዝተኻየደ ድማ ተገሊጹ።

መራሒ ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕሽ ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ መን እዩ?

ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ፡ መራሒ ናይ'ቲ ኣብ ሶርያ፡ ዒራቕን ሊብያን ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈለለዩ ከባቢታት ዓለም ዝንቀሳቐስ ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ዳዕሽ እዩ።

ንሱ ኣብ ዓለምና ቁጽሪ ሓደ ተሃዳኒ ሰብ ኮይኑ ጸኒሑ።

ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ 2011፡ ኣመሪካ፡ ነቲ ብትውልዱ ዒራቓዊ ምዃኑ ዝንገረሉ መራሒ ንምሓዝ ወይ ንምቕታል ናይ 10 ሚልዮን ዶላር ጉንዖ ኣዳልያ ከምዝጸንሐት ይፍለጥ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓዳስ እስላማዊት ሃገር ናይ ምምስራት ሕልሚ ከምዝነበሮ ዝንገረሉ ኣል-ባቕዳዲ፡ ኣብ ዓወደ ውግእ ከም ጨካንን ንሕስያ ከምዘይብሉን እዩ ዝግለጽ።

ንሱ፡ ብ1971 ኣብ ጥቓ ሳማራ እትበሃል ከተማ ዝተወልደ ኮይኑ፡ እቲ ቅኑዕ ሽሙ ኢብራሂም ኣውድ ኣል-ባድሪ እዩ።

ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ፡ ኣብ 2003 ብኣሜሪካ ዝምራሕ ልፍንቲ ንዒራቕ ክወራ እንከሎ፡ ኣብ መስግድ ከም ሸክ ኮይኑ የገልግል ከም ዝነበረ ይንገረሉ።

ኣል-ባቕዳዲ፡ ኣብ 2010 መራሒ ኣልቃዒዳ ከምዝዀነ ይሕበር።