ፓይለታት መገዲኣየር ሳውዝዌስት ኣብ ሽቓቕ ነፋሪት ካሜራ ገጢምኩም ብዝብል ተኸሲሶም

ነፋሪት መገዲ ኣየር ሳውዝዌስት Image copyright Getty Images

ሪኒ ስቲንከር ዝተበሃለት ኣሳሳይት ነፈርቲ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ሩስያ ናብ ፊኒክስ ኣብ ዝነበራ በረራ'ያ ክልቲኦም ፓይለታት ኣብ ውሽጢ ሽቓቕ ካሜራ ከምዝገጠሙ ምርኣያ ዝተዛረበት።

ሽዑ ዋና ኣብራሪ ቴሪ ግርሃም ናብ ሽቓቕ ክኸይድ ስለዝደለየ፡ ሪኒ ኣብ ውሽጢ ክፍሊ መቆጻጸሪ በረራ ምስ ሓጋዚ ኣብራሪ ክትጸንሕ ሓቲትዋ። ኣብቲ ክፍሊ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሽቓቕ ዝግበር ምንቅስቓስ ብቐጥታ እተርእይ ኣይፓድ ከምዝረኣየት መዝገብ ክሲ የመልክት።

እቶም ኣብረርትን መገዲ ኣየር ሳውዝዌስትን ግን፡ ንኣሳሰይትን ተጓዓዝትን ብሕቡእ ዝቐርጽ ካሜራ ኣብ ሽቓቕ ከምዘይተገጠመ ይዛረቡ።

ሪኒ ብዛዕባ'ቲ ካሜራ ንዝኾነይኹን ሰብ ከይትዛረብ፡ ካፒቴን ቴሪ ከምዘጠንቀቓ ገሊጻ።

ነቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዝሓበረትሉ እዋን፡ ኣተሓባባሪ መገዲ ኣየር ሳውዝዌስት ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ምስ ማንም ክትዘራረብ ከምዘይትኽእል ከምዝተዛረባ ኣብቲ መዝገብ ክሲ ሰፊሩ'ሎ።

ክሲ ዝተመስረቶም ክልቲኦም ኣብረርቲ፡ ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ከይተወሰዶም ስርሖም ከም ዝቐጸሉ ይግለጽ።

እቲ መገዲኣየር፡ ኣብ ሽቓቕ ተገጢሙ ዝተበሃለ ሕቡእ ካሜራ ንምርካብ ኣብ ዝገበሮ ተፍትሽ ዝረኸቦ ካሜራ ከምዘየለ ኣፍሊጡ።

"ብዘካየድናዮ ተፍትሽ ኣብ ውሽጢ ሽቓቕ ዝተገጠመ ካሜራ ዘይምህላዉ ኣረጋጊጽና" ዝብል መልሲ ሂቡ።

ቤት ፍርዲ ኣብቲ ክሲ ውሳነ ዝህበሉ ግዜ ብዝምልከት ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ተወሳኺ ዛንታ