ሰራሕተኛታት ድሕነት ኣብ ዒላ ዝተሸኽለ ህጻን ንምድሓን ይጓየዩ

ሱጂት ምስ ኣዲኡ፡ ኣብኡን ምዕባዩ ሓውን
ናይ ምስሊ መግለጺ ሱጂት ምስ ኣዲኡ፡ ኣብኡን ምዕባዩ ሓውን

ኣብ ህንዲ፡ ዞባ ታሚል ናዱ፡ ናብ ጸቢብ ዒላ ዝኣተወ ህጻን ንምድሓን ዝካየድ ስርሒት ንሳልሳይ መዓልቲ ቀጺሉ።

ወዲ ክልተ ዓመት ሱጂት ዊልሰን፡ ፈለማ 10 ሜትሮ ዕምቆት እዩ ተሸኺሉ ነይሩ፤ ጸኒሑ ግን ናብ 180 ሜትሮ ዕምቆት ጸዲፉ።

ሰራሕተኛታት ድሕነት፡ እቲ ህጻን ብሕጽረት ኣየር ምእንቲ ከይሳቐይ፡ ኦክሲጂን ናብቲ ዒላ ይነፍሑ'ኳ እንተለው ዛጊት ብሰንኪ ጭቃ ንኩነታቱ ከረጋግጹ ኣይከኣሉን።

ኣብዚ እዋን ከበድቲ ማሽነሪ ብምጥቃም፡ ኣብ ጎድኒ እቲ ህጻን ዝወደቐሉ ዒላ ካልእ ዒላ የፍሕሩ ኣለው።

ሱጂት ምስ የዕሩኽቱ እናተጻወተ እዩ ብዓርቢ ናብቲ ዝተራሕረሐ ዒላ ዝወደቐ።

ኣደ እቲ ህጻን ኣብቲ ዒላ ኮይና ንወዳ ከይበክይ ትዛረቦን ኣብ ፈለማ መዓልትታት ስርሒት ምድሓን፡ ንወዳ መድሓኒ ዝኸውን ቦርሳ ትሰፍይ ምንባራን ጋዜጠኛታት ካብቲ ከባቢ ጸብጺቦም።

ኣብታ ግዝኣት ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ መቅደስ፡ መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያንን ስለ ድሕነት እቲ ህጻን ጸሎት ይግበር ኣሎ።

ኣብ ፈለማ ዝተገብረ ነቲ ህጻን ብገመድ ናይ ምውጻእ ፈተነታት ኣይተዓወተን።

ናብ ውሽቲ እቲ ዒላ ካብ ዝኣተወ ካሜራ፡ ኣብ ሓደ መድረኽ እቲ ህጻን ከስተንፍስ ከም ዝተሰምዐ ሰብ መዚ ተዛሪቦም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት