ኣብ ኦሮሚያ፡ ድሬዳዋን ሓረርን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ዘጋጠመ ጎንጽን መጥቃዕትታትን ዛጊት ዝፈለጥናዮ

ከተማ አዳማ

ምንጪ ስእሊ, Adama City BDK

መግለጺ ስእሊ,

ከተማ ኣዳማ

ሰሉስ ምሸት፡ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ፡ ዋና ዳይሬክተር ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎር፡ ጃዋር መሓመድ፡ ብመንግስቲ ተመዲቦምሉ ዝነበሩ ኣባላት ሓለዋ 'በዚ ለይቲ ክሓድጉኒ ተኣዚዞም' ዝብል መልእኽቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘርጊሑ።

ጃዋር፡ ናብ ረቡዕ ዘውግሕ ሰሉስ ምሸት ከባቢ ፍርቂ ለይቲ፡ ክልተ መካይን ናብቲ መንበሪ ገዝኡ ብምምጻእ፡ እቶም ኣባላት ሓለዋ፡ ንዕኡ ከይተሓበሮ፡ "ንብረቶም ሒዞም ነቲ ገዛ ሓዲጎም ክኸዱ" ከም ዝተሓበሮም ኣብ ፌስ ቡክ ጽሒፉ።

ወሲኹ'ውን እቶም ኣባላት ሓለዋ ንምንታይ ክኸዱ ከም ዝተደለየ ከም ዝሓተቱን፡ ንስልጠና ምዃኑ ከም ዝተሓበሮምን፡ ንሳቶም ግና ከም ዘይተቐበልዎ፤ ብድሕሪ'ዚ ብቴለፎን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ከም ዝተወሃቦም፡ ነዚ ምስ ዘይገብሩ፡ መቕጻዕቲ ከም ዝጽበዮም ሓቢሩ።

ነዚ ስዒቡ ደግፍቱን ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝከታተሉ ካልኦት ሰባትን ጃዋር ዝጽሕፎም ሓጸርቲ መልእኽትታት ብምክትታል፡ እንታይ ክኽሰት ከምዝኽእል ክሳብ ወጋሕታ ግምቶምን ርእይቶታቶምን ይህቡ ነይሮም።

ካልኦት ደገፍቲ ጃዋር ድማ ኣብ ልዕሊኡ ጉድኣት ክበጽሕ ይኽእል'ዩ ብዝብል ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣዲስ ኣበባ ብምትእኽኻብ፡ ቦሌ ኣብ ዝርከብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ክተኣኻኸቡ ጀሚሮም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኦሮሚያ ድማ ኣብ ልዕሊ ጃዋር ኣጋጢሙ ንዝተበሃለ ነገር ብምቅዋም ሰልፍታት ተኻይዶም። ኣብ ገለ ከባብታት ከኣ መገዲታት ስለዝተዓጸዉ መኻይን ክንቀሳቐሳ ኣይከኣላን።

ረቡዕ

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል እንደሻው ጣሰው ብማዕኸናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጃዋር መሓመድ 'ኣብ ልዕለይ መጥቃዕቲ ክፍጸም ተሓሲቡ ነይሩ' ብዝብል ናብ ደገፍቱን ሰዓብቱን ዘሕለፎ መልእኽቲ ጌጋ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።

"መንግስቲ ብፖሊስ ኣቢሉ ዝወሰዶ ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ የለን" ክብል'ውን ገሊጹ።

እቲ ኮሚሽነር ዝተዓጸዉ መገዲታት ተኸፊቶም ስሩዕ ምንቅስቓስ ክቕጽል ዝጸውዐ ኮይኑ፡ ፖሊስ ድማ ልሙድ ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሑ ክቕጽል ኣተሓሳሲቡ።

ጃዋር ረቡዕ መዓልቲ ንቢቢሲ "ለይቲ ምድሪ እሞ ድማ ብዘጠራጥር ኩነታት ዝተፈተነ ነገር እንታይ ከም ዝኾነ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ማእሰርቲ'ውን ኣይመስለንን። ብ 'ዒዋሉ' ኣቢልካ ኣብ ገዛይ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ንዕኡ ምኽንያት ንምግባር ከምዝተሓሰበ ዘገንዝቡ መረዳእታታት ኣለዉኒ" ኢሉ።

እቲ ኣብ ገዝኡ ዝተፈጸመ ተግባር ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ 'ፈተነ ቅትለት' ከም ዝነበረ ድማ ተዛሪቡ።

ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ኦሮሚያ ብዝኻየዱ ስልፍታት፡ ንጎንጽታትን መጥቃዕትታትን ምኽንያት ብምዃኖም፡ ኣብ ህይወትን ኣካልን ሰባት ከምኡ ድማ ኣብ ንብረት ጉድኣት ይበጽሕ ምህላዉ ዝሕብሩ መረዳእታታት ክወጽኡ ጀሚሮም።

ምኽትል ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ጣብያ ተሌቪዥን'ቲ ክልል ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ኣብ ጃዋር ዝተፈጸመ "ክኸውን ዘይነበሮ ዓብዪ ጌጋ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።

መንግስታት ክልል ኦሮሚያን ፌደራልን ድሕነት ጃዋር ከም ዝሕልዉ'ውን ተዛሪቡ።

ምኽትል ፕረዚደንት ኣይተ ሽመልስ፡ እቲ ተግባር ብመን ከም ዝተፈጸመን ብለይቲ እንታይ ንምግባር ተሓሲቡ ከም ዝነበረን ከምዝጻረይ ገሊጹ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Ashabbiir

መግለጺ ስእሊ,

ከተማ ኣምቦ

ሙስ

እቲ ጎንጽን መጥቃዕትታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኦሮሚያ ዝቐጸለ ኮይኑ፡ እቶም ክስተታት ከኣ ናይ ብሄርን ሃይማኖትን መልክዕ ከም ዝሓዙን ቁጽሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ልዕሊ 10 ከም ዝበጽሐን ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ። ጸኒሑ ድማ እናወሰኸ ስለዝኸደ ልዕሊ 20 ኮይኑ።

ብዘይካ'ቶም ዝሞቱ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሰባት ከቢድ ኣካላዊ መጉዳእትን ዕንወት ንብረትን ኣጋጢሙ'ዩ።

ኣብ ልዕሊ ትካላት ሃይማኖት፣ ትካላት ንግዲን መንበረ ኣባይትን ጉድኣት በጺሑ።

ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ፡ ዓበይቲ ዓዲ ኦሮሞን ፖለቲከኛታትን ኣብ መንበሪ ገዛ ጃዋር መሓመድ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መናእሰይ ካብቲ ዘጋጠመ ጎንጺ ንነብሶም ከርሕቑ ጸዊዖም።

ሽዑ ጃዋር "ጉልበተኛታት ብጉልበቶም እንተደኣ ቀጺሎም ግን ልክዕ ከምቲ ናይ ትማሊ 'ፍታሕ ኣልሽ' ክብንለካ ኢና። ሕዚ ተረጋግኡ። ከምቲ ኩል ግዜ ንብለኩም ንቑሓት ኩኑ። ሓደ ዓይንኹም ጥራይ ዓሚትኩም ደቅሱ" ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ።

ሓሙስ መዓልቲ ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼብኡ ንምክያድ ተኣኪቡ ዝነበረ ሲኖዶስ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ፡ ኣኼብኡ ክቋረጽ ወሲኑ።

እታ ሃገር "ይትረፍ ክፍጸም ክሕሰብ'ኳ ብዘይብሉ ኩነታት" ክብል ዝገለጾም ንሃይማኖትን ዓሌትን መሰረት ዝገበሩ ጎንጽታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ከም ዝተወልዑ ብምሕባር፡ ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሕ ጸሎትን ምህለላን ኣዊጁ።

ዓርቢ

እቲ ጎንጽን መጥቃዕትን ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ኣብ ዝርከቡ ቢሾፍቱ፡ ኣዳማን ኣምቦን ንኽልተ መዓልትታት ብምጽንሑ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ወሪዱ እዩ።

ብዘይካ'ዚ ኣብ ከባቢ ኮፈሌ፡ ዶዶላ፡ ምብራቕ ሃረርጌ፡ ሃረር፡ ድሬዳዋ ባሌ ሮቤ ከምኡውን ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ዘለው ሓደ ሓደ ከባቢታት ጎንጽን መጥቃዕትን ብምንባሩ፡ ቁጽሪ ምውታትን ቁሱላትን ክብ ኣቢልዎ ኣሎ።

ቢቢሲ ብመሰረት እቲ ካብ ምንጭታት ሆስፒታል፡ ኣካላት መንግስትን ስድራ መወትትን ብዘረኸቦ ሓበሬታ በቲ ናይ ክልተ መዓልትታት ጎንጺ ቁጽሪ ምውታት 44 ምብጽሑ ከረጋግጽ ከሎ፡ እቲ ቁጽሪ ካብዚ ክውስኽ ከም ዝኽእል ኣመላኺቱ ነይሩ።

ዓርቢ ረፋድ፡ ረቡዕን ሓሙስን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝተኻየደለን ናይ ኦሮሚያ፡ ሃረርን ድሬዳዋን ከተማታት፡ ብመሰረት ካብ ክልልን ምምሕዳራትን ዝቐረበ ሕቶ ሰራዊት ምክልኻል ምውፋሩ ዳይሬክተር ኢንዶክትሪኔሽንን ርክብ ህዝብን ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ንመራኸቢ ብዙሓን ውሽጢ ሃገር ሓቢሩ።

ንሱ ወሲኹ፡ ሰራዊት ምክልኻል ብቕልጡፍ ኣብ ዘይበጽሖም ከባቢታት ጉድኣት ምውራዱ'ውን ተዛሪቡ።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሰዓት 10፡00 ድ.ቀ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን፡ ሚኒስተር ምክልኻል ለማ መገርሳ፡ ሚኒስተር ሰላም ሙፈሪያት ካሚልን ምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ ፌደራልን ተራኺቦም ተመያዪጦም።

ኣብቲ ምይይጥ ልዑኻት እታ ቤተከርስትያን፡ ኣብ ልዕሊ ቤተክርስትያን ዘንጸላሉ ዘሎ መጥቃዕቲ ደው ክብልን መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሑ ክፍጽም ሓቲቶም።

ዓርቢ ምሸት ሮይተርስ ንኮምሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ጎንጽን መጥቃዕትታን ዝሞቱ ሰባት 67 ምብጽሖም ጸብጺቡ። ካብቶም መወትቲ እቶም 13 ብጥይት እቶም ዝተረፉ 54 ከኣ ብደናጉላን ብኣባትርን ተቐጥቂጦም ከም ዝሞቱ'ውን ገሊጹ። ቁጽሪ እቶም መቑሰልቲ ዝበጽሖም ሰባት ልዕሊ 200 ምዃኑ ተገሊጹ።

ቀዳም

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክ ራይነር ብዛዕባ'ቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ጎንጺ ኣመልኪቱ ኣብ ገጽ ፌስቡክ እቲ ኤምባሲ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ "ሎም ቅነ ዝተርኣዩ ጽልእን ጎንጽን ዘጓሓህሩ ዘረባታትን መጥቃዕትታትን" ኣዝዩ ከም ዝተረበሸ ብምግላጽ "ኣብቲ መጥቃዕቲ ንዝተሳተፉን ነቲ መጥቃዕቲ ዘበጋገሱን ሰባት ኣጥቢቕና ኢና ንኹንን። ከምዚ ዓይነት ተግባር ዝኾነ ምኽንያት ክወሃቦ ኣይኽእልን" ኢሉ።

ሃገሩ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም፡ ብልጽግናን ኣሳታፊ ፖለቲካዊ ኩነታት ክፍጠር ከም እትሰርሕን ወሰን ዘይብሉ ድጋፍ ከም እትገብር ብብጥቃስ፡ ነዚ ዕላማ ምስ ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን ሓቢራ ምስራሕ ከም እትቕጽል ገሊጹ።

እቲ ኣምባሳደር ወሲኹ፡ "ኹሉ ንዝገብሮ ተግባራትን ውሳነታትን ሓላፍነት ኣለዎ። ስለዚ መጥቃዕቲ ምልዕዓልን ነቲ ተግባር ዘይምኹናን ተቐባልነት የብሉን። ኩላትና ንሰላም፡ ንሓድነትን ንምክእኣልን ናይ ምምራጽ ነጻነትን ሓላፍነትን ኣሎና" ኢሉ።

መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር

ኣብ መንጎ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩስያን ኣብ ሶቺ ሩስያ፡ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ንኽልተ መዓልታት ኣብ ኣኼባ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመለሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ቀዳም ምሸት እዩ መግለጺ ዝሃበ።

መግለጺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተባሂሉ ካብ ቤትጽሕፈቱ ዝተውሃበ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ በቲ ዘጋጠመ ኣዝዩ ዘሕዝን ጎንጺ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ንብረትን ብዝወረደ ጉድኣት፡ ከም ዝሓዘነ ብምግላጽ "ልዕልና ሕጊ ንምርግጋጽን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ዝግብኦም ኩሉ ክረኽቡ ብዘይ ምውልዋል ክንሰርሕ ኢና" ምባሉ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ ኣሎ።

መግሊጺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ፡ "እዚ ኹሉ ንምንታይ ከም ዝመጸና ንፈልጥ ኢና። ልዕሊ እዚ'ውን ፈተና እንተኣጋጠመና ነቲ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ኣይነቋርጽን። ነቲ ክርዳድ እናኣለና፡ ነቲ ስርናይ እናተኸናኸንና ክንከይድ ኢና እምበር ነቲ ክርዳድ ክንብል ነቲ ስርናይ ኣይንሓድጎን ኢና" ኢሉ።

ረቡዕን ሓሙስን ብዝነበረ ጎንጺ ምስታፎም ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ድሬዳዋ 110፡ ኣብ ኣዳማ ድማ ልዕሊ 60 ሰባት ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ።