ኣብ ትግራይ ዝኣተወ ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ህዝቢ ልዑል ምርብራብ የካይድ ኣሎ

ዝተዓጸደ እክሊ እትእክብ ኣደ

ብክልል ዓፋር ኣቢሉ ኣብ መዋስንቲ እቲ ክልል ናብ ዝነበረ ደቡብ ትግራይ ራያ ዓዘቦ ዝኣተወ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ፡ ሎምዓልቲ ኣብ እንደርታን ክልተኣውላዕሎን በፂሑ።

ከባቢ መቐለን እንደርታን

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርክቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ተምሃሮን ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ትግራይን ነቲ ኣብ መቐለ ከባቢ መሰቦ ዝዓረፈ ኣንበጣ ይከላኸሉ ኣለዉ።

ኣብ መሰቦ ዝባን ሓሪና ዘሎ ዝነቐፀ ኣእኻል ከይጥቃዕ ጥንቃቐ ይግበር'ሎ።

መድሓኒት ትነፅግ ኣውሮፕላን ኣብ መቐለ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ከምእትርከብ ዝገለፁ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ኣይተ ሚክኤለ ምሩፅ: መድሓኒት ኣብ ዘራእቲ ንምንፃግ ኣብ ልዕሊ ሰብን ጥሪትን ሓደጋ ከየብፅሕ ተሰጊኡ'ሎ ኢሎም።

ሓረስቶት ጣብያ መሰቦ ቁሸት ሓረና: ኣይተ ንጉስ ኣድሃና:ኣይተ ገብረኪሮስ ሓጎስን ኣይተ ገብረኪዳኑን ኣእኻል ኣብ እዋን ስለዝነቐፀን ብቕልጡፍ ስለዝዓፀዱን ካብቲ ሓደጋ ኣምሊጡ እዩ ይብሉ።

ኮይኑ ግና ኣብቲ ከባቢ ገና ዘይነቐፀ ግራት ጣፍ:ሰበረን ዓተርን ስለዘሎ ከይጥቅዓ ግቡእ ምክልኻል ክግበር ኣለዎ።

መንኣሰይ ገብረኣነንያ ገብረኪሮስን ግርማይ ካሕሳይን ኣእኻሎም ካብ ኣንበጣ ንምድሓን ዝሓለፈ ሰኑይ ዝዓፀድዎ ስገም ሎምዓልቲ የኽይድዎ ኣለዉ። ገብረኪሮስ "ካብ ኣንበጣስ ኣምሊጥና ኢና" ይብል።

ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ትግራይ'ውን ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምክልኻል ኣብ ጎኒ ህዝቢ ደው ኢሎም ይሰርሑ ኣለዉ። ሎምዓልቲ ንጉሆ ኣብ መሰቦ ቁሸት ሓረና ጠያይቲ ከይተረፈ እናተኮሱ ክከላኸሉ ኣርፊዶም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ'ውን ኣብቲ ወፍሪ መኸተ ወራር ኣንበጣ ከቲቶም ኣለዉ።

ኣይተ ሚክኤል ምሩፅ ሎሚ ወጋሕታ መድሓኒት ነፂግና ኢና ይብሉ፤ ሓረስቶት ቁሸት ሓረና ግና መድሓኒት እንትነፅጉ ኣይረኣናን ኢሎም።

ነቲ ካብ ህዝቢ ዝቐርብ ዘሎ ነቐፌታ እንትምልሱ: "መድሓኒት ቀትሪ እንትንፀግ ስለዘይረኣዩ እዮም መድሓኒት ኣይንፀግን ዘሎ ዝብሉ ዘለዉ: እምበር መድሓኒት ወጋሕታ ሰዓት 10 ኣትሒዙ ይንፀግ ኣሎ" ኢሎም።ንህዝቢ ዘተሓባብርን ዝመርሕን ዘሎ በብደረጅኡ ዘሎ ኣመራሓ መንግስቲ ከምዝኾነ ክፍለጥ ከምዘለዎ'ውን ሓቢሮም።

እቲ ዕስለ ኣብ ዝባን መሰቦ ብሓይሊ ንፋስ እናተደፈአ ናብ ኣንፈት ክልተኣውላዕሎ የምርሕ'ሎ።

ብርክት ዝበሉ ሰባት፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ዝርከቡ ሓረስቶት፡ ዝነቐፀ ኣእኻሎም ብእዋኑ ክዓፅዱን ክኹልስሱን ይምዕዱ።

ኩነታት ወረዳ ራያ ዓዘቦ

ኣብ ብርክት ዝበላ ጣብያታት ገጠር ኣትዩ ዝነበረ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ: ሎምዓልቲ ብዘይካ ኣብ ክልተ ጣብያታት ራያ ዓዘቦ ካብ ካልኦት ከምዝወፀአ ተገሊፁ'ሎ።

ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እቲ ወረዳ ኣይተ ማናዬ ጌታሁን ንቢቢሲ ከምዝገለፅዎ: ሎምዓልቲ ንጉሆ ኣብ ጣብያ ማሩ ብኣውሮፕላን መድሓኒት ተነፂጉ'ዩ።

ኮይኑ ግና እኹል ምድላው ከይተገበረ ስለዝተጀመረ ዘንጊዑ ከምዝተነፀገ ተዛሪቦም።

"ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ጣብያ ማሩ ዓሊቡ ዝሓደረ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ጣብያ ኢርባ ኣትዩ'ሎ" ኢሎም።

መናእሰይ መቐለን ዓዲግራትን ብፍላይ ደገፍቲ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ መቐለ ሰብዓ እንደርታን ወልዋሎን ቀዳመሰንበት ናብ ራያዓዘቦን ሕንጣሎ ወጀራትን ወፊሮም፡ ንሓረስቶት ከምዝሓገዙ ይዝከር።

ክልተኣውላዕሎ

ኣብ ክልተኣውላዕሎ ዝበፀሐ ዕስለ ኣንበጣ ድማ ብሓይሊ ህዝቢ ከምዝተመከተ ተገሊጹ። ብርክት ዝበለ ህዝቢ ከተማ ውቕሮ ወፂኡ ልዑል ተሳትፎ ኣርእዩ።

እቲ ዕስለ ንኣንፈት ሓውዜን ስለዘምረሐ ህዝቢን ኣመራርሓን ዞባ ምብራቕ ኣብ ልዑል ክትትልን ምርብራብን ይርከቡ።

ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እውን ኣብ ወረዳ ክልተኣውላዕሎ ጣብያ ኣይናለም ምስ ህዝቢ ኮይኖም ኣብ ምክልኻል ኣንበጣ ኣርፊዶም።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ንዓፂድ ዝበፅሐ እኽሊ ብእዋኑ ክዕጸድ፣ ዝተዓፀደ ድማ ዓውዲ ክኣትው ዝመዓደ ክኸውን ከሎ፤ "እኽሊ ሓረስታይና ናብ ቆፎ ክሳብ ዝኣቱ" ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ንሓረስታይ ኣብ ምሕጋዝ ክወፍር ጸዊዑ።

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ውድባት ዓረና ትግራይ፣ ሳልሳይ ወያነን ባይቶና ዓባይ ትግራይን ኣባላቶም ናብ ወረዳታት ራያ ዓዘቦ፣ ሕንጣሎ ወጀራት፣ እንደርታን ክልተኣውላዕሎ ኣውፊሮም: ኣብ ምምካት ዕስለ ኣንበጣ ግደኦም የበርክቱ ኣለዉ።

ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብወገኖም ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝኸፈትዎ ውልቀ 'ፔጅ' ትማሊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ: ንቶም ናብ ራያን እንደርታን ዝወፈሩ መናእሰይ ዘልዎም ልዑል ክብርን ናእዳን ምግላፆም ይዝከር።

ካብ ከተማታት ዓድዋን ኣኽሱምን ብኣውቶቡስ ተሳፊሮም ዝተበገሱ መናእሰይ: ኣብ ራያ ዓዘቦን ኣለማጣን ንዝዓሰለ ኣንበጣ ብምምካት እጃሞም ከወፍዩ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተንቤን ዓብዪ ዓዲ ከምዝበፅሑ ሓደ ካብቶም መናእሰይ ተኣምራት ጥበቡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ'ሎ።