ብገምሹ በየነ ኮንስትራክሽን ዝውነና ማሽነሪታትት ኣብ ክልል ኣምሓራ ተቓጺለን

የመንገድ ሥራ ማሽነሪ Image copyright Eric Lafforgue/Art in All of Us
ናይ ምስሊ መግለጺ የመንገድ ሥራ ማሽነሪ

ብገምሹ በየነ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ዝውነና ማሽነሪታት ህንጸት መገዲ ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ፡ ወረዳ መርሃ ቤቴ ከተማ ኣለም ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝተቓጸላ ወናኒ ናይቲ ትካል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ገለ ካብ ነበርቲ'ቲ ከባቢ ተኣኻኺቦም ነተን ማሽነሪታት ከም ዘቃጸልወን ኣይተ ገምሹ በየነ ገሊጹ።

"ፖሊስ ነቲ ተግባር ደው ከብል'ኳ እንተፈተነ ልዕሊ ዓቕሙ ከም ዝኾነ'የ ሰሚዐ" ክብል ኣረዲኡ።

እተን ማሽነሪታት ንምንታይ ተቓጺለን? ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኣይተ ገምሹ፡ ''መንግስታት ክልልን ፌደራልን ምኽንያቱ እንታይ ከምዝኾነ እናጻረዩ እዮም'' ኢሉ። ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝበጽሐ ሓደጋ ብዛዕባ ምህላዉ ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ጉዳይ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣመሓዳሪ ወረዳ መርሃ ቤቴ ኣቶ ተሾመ ኣስፋው፡ እቲ ጸገም ንምፍታሕ ፍሉይ ሓይልን ሚልሻ እቲ ክልልን ብሓባር ይሰርሑ ከምዘለዉ ብምግላጽ ''ኣብ መንጎ ገለ ሰራሕተኛታትን እቲ ትካልን ዝተወሰነ ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ነይሩ። ሰራሕተኛታት ናይ ምቕናስ ኩነታት ነይሩ። በዚ ዝተልዓለ ዝተወሰነ ጉድኣት በጺሑ እዩ'' ኢሉ።

እቲ ትማሊ፡ ንምታይ ካብ ስራሕ ንቕነስ ብዝብሉ ሰባት ዝተፈጠረ ጸገም ኣብ ልዕሊ ዝተወሰነ ንብረት ናይ ምቅጻል ሓደጋ ከምዝወረደ ዝገለጸ ኣቶ ተሾመ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ጉድኣት ከምዘይበጸሐን ክሳብ ሐዚ ምስቲ ጉዳይ ብዝዛመድ ኣብ ቁጽጽር ዝወዓለ ሰብ ከምዘየለን ገሊጹ።

ብተወሳኺ እቶም ሰራሕተኛታት ብተደጋጋሚ ናብቲ ትካል ጥርዓን ከምዘቕረቡ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ ''ንሕና 'ውን ሕቶኦም ክምለሰሎም ጻዕሪ ጌርና ኢና። እንተኾነ ዝተውሃቦም መልሲ ዘዕግብ በዘይ ምዃኑ እቶም ሰራሕተኛታት ናብቲ ስጉምቲ ኣትዮም'' ክብል ተዛሪቡ።

ትካሉ ኣብቲ ከባቢ ክልተ ፕሮጀክት ስራሕቲ መገዲ ከምዘለዎ ዝዛረብ ኣይተ ገምሹ፡ ዋጋ ናይቶም ፕሮጀክትታት 2.2 ቢልዮን ብር ከም ዝግመት ሓቢሩ።

''ኣብቲ ከባቢ ኣብ ስራሕቲ ህንጸት መገዲ ዝተዋፈራ መሽነሪታት ብዝሐን ካብ 140 ክሳብ 150 እየን ዝኾና። ክንደይ ዝኣኽላ ከምዝተቓጸላን ክንደይ ከምዝተረፋን ሓበሬታ የብለይን'' ዝበለ ኣይተ ገምሹ፡ ሓፈሻዊ ዋጋ እተን መሽነሪታት 1.2 ቢልየን ከምዝግመት ገሊጹ።

እቲ ፕሮጀክት 1500 ንዝኾኑ ሰባት ዕድል ስራሕ ፈጢሩ ከምዝነበረ ዝገልጽ ኣይተ ገምሹ፡ ''ሰብ ሰሪሑ ዝበልዐሉ ንብረት ምቅጻል፡ ዘይምፍላጥ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ናይ ባዕሎም ንብረት እዮም ኣቃጺሎም። እዚ እዩ ዝብሎ ነገር የብለይን'' ኢሉ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ከይዶም ኣብቲ ፕሮጀክት ይሰርሑ ዝነበሩ ሰብ ሞያ ድማ፡ ነቲ ከባቢ ሃዲሞም ከምዝወጹ ገሊጹ።

ኣብቲ ከባቢ ዝሓዝዎ ስራሕ ናይ 132 ኪሜ ናይ ኮንክሪት ኣስፋልቲ ከምዝኾነ ዝገልጽ ኣይተ ገምሹ፡ ቀጻሊ ዕጫ እቲ ፕሮጀክት ምስ ዝምልከቶ ናይ መንግስቲ ኣካል ዝዛተይሉ ጉዳይ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ