ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ጎንጽታት ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝኸውን ህጹጽ ረድኤት ክተኣኻኸብ ጀሚሩ

ህጹጽ ረድኤት ኣብ ምትእኽኻብ Image copyright YARED SHUMETE FACEBOOK

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰንኪ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተወልዑ ጎንጽታት፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውን ካብ ዝነብሩሎም ከባብታት ተመዛቢሎም'ዮም። ነቶም ዝተፈናቐሉ ዜጋታት ዝኸውን ህጹጽ ረድኤት ድማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤተ ትያትር ሃገር-ፍቅር ትማሊ ክተኣኻኸብ ጀሚሩ'ሎ።

ነዚ ረድኤት የተሓባብር ዘሎ፡ ጥምረት ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝተበሃለ ኮሚቴ ኮይኑ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ዝተኣኻኸቡ 25 ኣባላት ዝሓዘ'ዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ካብ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ጻውዒት ሓገዝ ምስቀረበ ዝቖመ እዚ ኮሚቴ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጎስጓስ ከካይድ ጀሚሩ።

ካብ ትማሊ ንጉሆ ብዝተጀመረ ወፍሪ ምትእኽኻብ ሓገዝ ከኣ ንተመዛበልቲ ዝኸውን ሓገዝ መግብን ናውትን ተኣኻኺቡ።

ነቲ ሓገዝ ካብ ዘተሓባብሩ ሓደ፡ ያሬድ ሹመቴ፡ ስርናይ፣ ፓስታ፣ ማኮሮኒ፣ ሕሩጭ፣ ሩዝ፣ ዘይትን ካልእን ይተኣኻኸብ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ድማ ተመዛበልቲ ካብ ገዝኦም ጥራሕ ኢዶም ስለዝወጽኡ፡ ዝኽደንዎ ክዳን ከይጽገሙ፡ ኮበርታን ክዳውንትን ካብ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ይልገስ ኣሎ።

ንህጻናት ዝኸውን ዓይነታት መግቢን ናውቲ መሕለዊ ጽርየትን እውን ካብ ሞንጎ ብግዱሳት ዝተለገሱ ሓገዝ እዮም። ብሓፈሻ ትማሊ ጥራይ ሰለስተ ጽዕነት መኪና ዝኸውን ረድኤት ክተኣኻኸብ ከም ዝኸኣለ ያሬድ ሓቢሩ።

እቲ ኮሚቴ ቅልጡፍ ሓገዝ የድልዮም ዝበሎም ሽድሽተ ቦታታት መሪጹ'ሎ። ብመሰረት ክሳብ ሕዚ ዝረኸብዎ መረዳእታ ልዕሊ 15 ሽሕ ተፈናቐልቲ ከም ዘለዉ ያሬድ ገሊጹ።

ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ንሰለስተ መዓልቲ ክጸንሕ ዝኽእል ህጹጽ ረድኤት ትማሊ ከም ዝለኣኸት ዝዛረብ ያሬድ፡ ብኮሚቴኦም ዝተኣኻኸበ ከኣ ካብ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ከም ዝለኣኽ ሓቢሩ።

ኣብ መገዲ ከጋጥሞም ንዝኽእል ሓደጋ ኣብ ምቁጽጻር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ይተሓባበሮም ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት