ብሰንኪ ዕዳ ተኣጊዱ ዝጸንሐ መገዲ ኣየር ዚምባብወ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ በረራ ጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, Air Zimbabwe
እንኮ ነፋሪት መገዲኣየር ዚምባብወ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ጆሃንስበርግ ጥራይ ትበርር ነይራ
እንኮ ነፋሪት መገዲ ኣየር ዚምባብወ ናብ ጆሃንስበርግ በረራ ምስገበረት'ዩ ንመንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኽፈል ዕዳ ክሳብ ዝዕደ ተዓጊታ ዝጸንሐት።
ኤይር ዚምባብወ፡ ንመዕርፎ ነፈርቲ ጆሃንስበርግ ዘይከፈሎ ውንዙፍ ዕዳ ከምዘሎ ይግለጽ።
እቲ መገዲ ኣየር ክኸፍሎ ዝግባእ መጠን ዕዳን ክንደይ ከፊሉ ነፋሪቱ ክወስድ ከም ዝኸኣለን ግን ዝሓበረ ነገር የለን።
ብመንግስቲ ዝውነን መገዲኣየር ዚምባብወ፡ ብሓንቲ ነፋሪት ኣገልግሎት ዝህብ ኮይኑ፡ ናብ ከተማ ጆንስበርግ ጥራሕ በረራ የካይድ።
"በረራና ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ'ሎ። ንጉሆ ናብ ጆሃንስበርግ በረራ ገይሩ" ክብል ናይቲ መገዲ ኣየር ሓላፊ ኣገልግሎት ታፋደዘዋ ማንዶዜ ንሄራልድ ኒውስ ተዛሪቡ።
"በረራ ንምግባር ዘኽእለና ፍቓድ ረኺብና'ለና። ዝነበረና ዕዳ'ውን ከፊልና ኢና" ኢሉ።
ኤይር ዚምባብወ ብምኽንያት ዝተዋህለለ ዕዳ፡ ኣብ 2017 ልዕሊ ፍርቂ ሰራሕተኛታቱ ኣሰናቢቱ ነይሩ።
እቲ መገዲ ኣየር ብምኽንያት ስግኣት፡ ናብ ክሊ ኣየር ሃገራት ኣውሮጳ ክበርር ዘኽእል ፍቓድ የብሉን።