ኡጋንዳ 'ዋትስኣፕ ብምጥቃም ገበን ንምክልኻል' ትልሚ ኣውጺኣ

ምልክት ዋትስኣፕ Image copyright AFP

ፖሊስ ኡጋንዳ ዋትስኣፕ 'ግሩፕስ' ብምጥቃም ኣብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ንዝፍጸም ገበን ንምቁጽጻር ከም ዝተለመ ላዕለዋይ ኮሚሳር ኣሳን ካሲነጌ ገሊጹ።

እቲ ተበግሶ ግና፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዓመታት እናሓየለ ከም ዝመጸ ዝግለጽ ምቁጽጻር ከም ዘጋድድ እዩ ዝግለጽ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ መንግስቲ፡ ንዋትስኣፕ 'ግሩፕ' ናይ ቦቢ ዋይን ሰርሲሩ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ እዩ።

ፖሊስ በዚ ሓድሽ ወጢንዎ ዘሎ መገዲ፡ ነበርቲ ኣብ ዋትስኣፕ 'ግሩፕስ' ከም ዝኣትው ብምግባር፡ ዝኾነ ገበን ምስ ዝርእዩ በቲ ግሩፕ ኣቢሎም ንሰብ መዚ ከፍልጡ ክኽእሉ እዮም።

እዚ ድማ "ቅልጡፍ ምላሽ" ንምሃብ ከኽእል ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት፡ ኣብ ከባቢ ካምፓላ ዝርከቡ ብውሕዱ 30 ኣባይትን ፋብሪካታትን ብረት ብዝሓዙ ጉጀለታት ከም ዝተዘምተ ሞኒተር ዝተብሃለ ገዜጣ እታ ሃገር ጸብጺቡ።

ሆቴላትን መዕረፊ ኣጋይሽን ብዛዕባ ኣጋይሸን መዓልታዊ ሓበሬታ ከመሓላልፋ ተኣዚዘን ኣለዋ። "ሆቴላት መዓልታዊ ዝርዝር ናይ ኣጋይሸን ናብ ዝቐረበ መደበር ፖሊስ ከቕርባ እየን፡ ኣባላት ጸጥታ ድማ ነቲ ሓበሬታ ክጥቀምሉ እዮም" ኢሉ ሚስተር ካሲንጌ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት