"ብቕትለት ሓላፊ ኢትዮ ቴሌኮም ተጠርጢሩ ዝተትሓዘ ሰብ የለን" ኣዛዚ ፖሊስ ነቀምቴ

ገመቺስ ታደሰ Image copyright FB irraa

ሓላፊ ኢትዮ ቴሌኮም ዞባ ምዕራብ ዝነበረ ኣቶ ገመቺስ ታደሰ ሰንበት ምሸት ከባቢ ሰዓት 1፡ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ውልቀሰባት ከም ዝተቐትለ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ነቀምቴ፡ ኮማንደር ግርማ ኣብዲሳ፡ ዛጊት ብቕትለት ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ የለን ኢሉ።

ኣብ ከተማ ነቀምቴ ናይ ውሕስነት ጸገም ከም ዘየሎ ዝዛረብ ኮማንደር ግርማ፡ ንቀተልቲ ኣቶ ገመቺስ ኣብ ቀይዲ ንምእታው ናይ መርመራ ስራሓት ቀጺሉ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኣቶ ገመቺስ ህይወቱ ቅድሚ ምሕላፉ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰደ እንተኾነ ግና ብዙሕ ከይጸንሐ ህይወቱ ምሕላፉ ሜዲካል ዳይሬክተር ሪፈራል ሆስፒታል ነቀምቴ ዶክተር ዳምጠው ጋረደው ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣቶ ገመቺስ እንተወሓደ ኣርባዕተ ጊዜ ብጥይት ሓንሳብ ከኣ ብበሊሕ ነገር ምህራሙ ዶክተር ዳምጠው ኣረጋጊጹ።

"ጸጋማይ ኢዱ፡ ክልተሳዕ ብጥይት ተሃሪሙ፤ ኣብ መንኩቡ'ውን ብጥይት ተሃሪሙ ብትሽትሹ (መንኮራርዕቱ) ወጽዩ" ድሕሪ ምባል፤ ኣብ እግሩ'ውን ኣብ ክልተ ቦታታት ብጥይት ምህራሙን እቲ ጠያይቲ በየን ኣትዩ በየን ከም ዝወጸ ከም ዘይረኣይ ገሊጹ።

ዶክተር ዳምጠው ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ ናይ ኣቶ ገመቺስ ህይወት ብቕልጡፍ ክሓልፍ ዝገበረ፡ ኣብ ኣፍልቡ ብበሊሕ ነገር ምውግኡ እዩ።

Image copyright Facebook

"ኣፍልቡ ብበሊሕ ነገር ተወጊኡ'ዩ፤ ህይወቱ ክሓልፍ ዝገበረ'ውን እዚ እዩ። ኣነ ኣብ ሆስፒታል እየ ነይረ። ክመጽእ ከሎ ብህይወት እዩ ነይሩ፤ ግና ብዙሕ ደም ፈሲስዎ ብምንባሩ ክጸንሕ ኣይከኣለን" ብምባል ነቲ ኩነታት የብርህ።

አቶ ገመቺስ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወለጋ ብማኔጅመንት ናይ ዶክትሬት ተማሃራይ እዩ ነይሩ።

ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ብሞት አቶ ገመቺስ ዝተሰምዖ ዓሚቕ ሓዘን ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ንዓመታት ኣብ ሓደ ክፍሊ ይድቅሱ ምንባሮምን ቅድሚ ኣዋርሕ ብዛዕባ ዝተኻየደሉ፡ ፈተነ ቅትለት ኣዘራሪብዎ ምንባሩን ሄኖክ ዝተብሃለ መሓዛ ኣቶ ገመቺስ ብትዊተር ጽሒፉ።

ሄኖክ ከም ዝብሎ፡ ገመቺስ ሓደ ካብቶም ጽቡቕ ውጽኢት ዝነበሮም ተማሃሮ እዩ ነይሩ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ጅማ ትምህርቱ ክዛዝም ከሎ፡ ድልየት ገመቺስ ከም መብዛሕትኦም ካልኦት ናብ ወጻኢ ምኻድ ወይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ፍሉጣት ኩባንያታት ምስራሕ ኣይነበረን። ናብ ነቀምቴ እዩ ተመሊሱ።

ቅድሚ ኣዋርሕ ፈተነ ቅትለት ተኻይድሉ ዝብል ወረ ሰሚዑ፡ ንገመቺስ ተወኪስዎ ከም ዝነበረ ዝገለጸ ሄኖክ፡ ኣብቲ እዋን ምስ ገመቺስ ገይርናዮ ዝበሎ ናይ ጽሑፍ ምልልስ ብስእሊ ኣብ ትዊተር ዘርጊሕዎ ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት