ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ 'ብስሙ' ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ነጺጉ

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን እስጢፋኖስ ኣፈወርቂ Image copyright Ambassador Estifanos/twitter

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ፡ እቲ 'ህዝቢ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ትግራይ ክኽይድ ኣይደልይን' ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብስሙ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ናቱ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

"ኣነ ከምኡ ዝብል ነገር ኣይተዛረብኩን፤ ኣይሓሰብኩን፤ ኣይጸሓፍኩን። ሶሻል ሚድያ ብዙሕ ሰብ'ዩ ዝጥቀመሉ። ስለዚ ገሊኦም ዝገብርዎ ዘለዉ ጸዋታ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

ኣምባሳደር እስቲፋኖስ እቶም ነዚ ዝገብሩ ኣካላት ንምንቅስቓስ ሰላም ናይ ምትእጉጓል ድልየት ዘለዎም ክብል ገሊጽዎም።

"ኣብዚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብዚ 'ሪጅን' [ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ] ዝኸይድ ዘሎ ሰላም፤ ማለት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ኤርትራን ሱዳንን፣ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ንዝካየድ ናይ ሰላም ምንቅስቓስ ዝጻብኡ ባእታታት'ዮም" ክብል ኣረዲኡ።

ዕላምኦም ነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ከም ዝኾነ ዝዛረብ እቲ ኣምባሳደር "ኣብቲ ዞባና ዘሎ ህዝቢ ንምግጫው ዝፈጥርዎ ስልትታት'ዩ" ኢሉ።

ኣብዚ ቕነ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን፡ ኣብ መገሻ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ትግራይ ኣመልኪቶም ነናቶም ርእይቶ ምሃቦም ይዝከር።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ "ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ጎደናታት መቐለ ክዛወር ድልየት ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ'ዩ ዝገልጸለይ" ክብል ኣብ ሓደ መድረኽ ተዛሪቡ።

ዶክተር ደብረጽዮን ከኣ ነዚ ብዝምልከት ካብ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ክህብ ከሎ፡ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንሰላም ክልትኤን ሃገራት ዝለዓለ ድልየት ከም ዘለዎም ሓቢሩ ነይሩ።

መግለጺ ዕውት ስምምዕ ሰላም ክኸውን ዝኽእል ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብነፋሪት ዘይኮነስ ዶባት ተኸፊቶም ብእግሩ (ብመኪና) ናብ ትግራይ ክመጽእ እንተኺኢሉ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ።

እዚ ክኸውን ከኣ ዶባት ክኽፈቱን ምንቅስቓስ ህዝቢ ክጅመርን ጸዊዑ።

ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ነዚ ኣብ መገሻ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተወሃበ ሓሳባት 'ናይ ቃላት ጸዋታ' ክብል ይገልጾ። "እዚ ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ብቓላት ዝግበር ጸዋታ ናብ ዝኾነ ይኹን መዓላ ክውዕል ኣይክእልን'ዩ" ኢሉ።

"ብእግሪ ድዩ፤ በኣእዳው ወይ ከኣ ብነፋሪት እናበልካ ዝግበር ጫለዳ ዘረባታት ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ብዙሕ ግዜና ክነጥፍኣሉ ዘለና ጉዳይ'ውን ኣይኮነን። ናይ ሰላም መስርሕ ይኸይድ ስለዘሎ ንዕኡ ትድግፍ'ዶ ኣይትድግፍን'ዩ እቲ ኣርእስቲ" ክብል ገሊጹ።

እቲ መስርሕ ሰላም ክዕወት፡ ድልየት ህዝብታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ ከምኡ'ውን ህዝቢ ትግራይ ከም ዝኾነ'ውን ተዛሪቡ።