ጎንጺ ኦሮሚያ፡ 359 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ኮሚሽነር ፓሊስ ተዛሪቡ

ኮሚሽነር ፖሊስ ኦሮሚያ፡ ጀነራል ከፍያለው ተፈራ
ናይ ምስሊ መግለጺ ከፍያለው ተፈራ

ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተወሊዑ ዝነበረን ሂወት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐዘፈን ናዕቢ ብዝተኣሳሰር 359 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ክልል ዝነበረ ኩነታት ናብ ንቡር እናተመለሰ ከምዝኾነን፡ ዝተዓጸው መንገድታት ከም ዝተኸፍቱን፤ ኮሚሽነር ፖሊስ ኦሮሚያ ከፍያለው ተፈራ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብቲ ዝነበረ ዕግርግር 67 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይፍለጥ። ካብ ሰንበት ጀሚሩ ግን ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ እቲ ኮሚሽነር ሓቢሩ።

እንተኾነ፤ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ መልዓከ-ህይወት አባ ወልደየሱስ ሰይፉ፡ ኣብቲ ህውከት ኣመንቲ'ታ ቤተክርስትያን ጥራሕ ኣስታት 60 ከም ዝሞቱ ገሊጾም። እዚ ምስቲ ብመንግስቲ እቲ ክልል ዝቐረበ ቁጽሪ ግዳያት ዝጋጮ'ዩ።

ሰብመዚ እቲ ክልል ከም ዝበልዎ፡ ክንድኡ ዝኣኽሉ ኣመንቲ ኦርዶክሳዊት ቤተክርስትያን ከም ዘይሞቱ ገሊጾም።

ይኹን እምበር፡ እቲ ጎንጺ ሃይማኖታውን ዓሌታውን መልክዕ ከምዝነበሮ ካብቶም ሓለፍቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ይገልጽ።

ምስቲ እታ ቤተ ክርስትያን ዘቕረበቶ ቁጽሪ ዝሞቱ ኣመንቲ ተኣሳሲሩ ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ ኮሚሽነር፤ "እቲ ሓበሬታ ዘለና ንሕና ኢና፤ ንሳቶም እቲ ሓበሬታ ካበይ ከምዝረኸቡዎ ኣይንፈልጥን" ብማለት ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ሓደ እምነት ፍሉይ መጥቃዕቲ ከምዘይተፈጸመ የረድእ።

ከምኡ ድማ፡ ካብ ሰንበት ንደሓር ኣብ ከተማ ሞጆ ሓደ ሰብ፡ ኣብ ባሌ ሮቤ ድማ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱ እቶም ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ተዛሪቦም። እቲ ድሒሩ ዝተፈጸመ ቕትለት፡ ብቐጥታ ምስቲ ዝጸንሐ ናዕቢ ዝዛመድ ይኹን ኣይኹን ንምፍላጥ ኣብ ምጽራይ ይርከብ ኢሎም።

እቲ ኮሚሽነር ከምዝበሎ፡ ምስቲ ናዕቢ ተኣሳሲሩ ህይወቶም ካብ ሞንጎ ዝሓለፈ ሰባት፡ እቶም 80 ሚኢታዊ ኣብ ሓድሕዳዊ ጎንጺ፡ እቶም ዝረፉ ድማ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዝተገብረ ጎንጺ ዝተቐትሉ'ዮም።

ድሕሪ'ቲ ጎንጺ፤ ኣብ ከተማ ኣዳማ፡ ብፍላይ ኣብ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ቤተ እምነተታት ጉድኣት ከምዝበጽሐ፤ ማለት ሓደ መስጊድ፤ ሓደ ጴንጠኮስታል ቤተ ክርስትያን፡ ሓደ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶን ከምዝተቓጸሉ እቲ ኮሚሽነር ተዛሪቡ።

እቲ ኩነታት ካብ ዓቕሚ ሓይልታት ጸጥታ ንላዕሊ ከምዝነበረን፤ ፖሊስ ነቶም ጎንጽታት ንምህዳእ ብሂወቶም ከይተረፈ መስዋእቲ ከምዝኸፈሉን'ውን ተዛሪቡ።

እንተኾነ፡ ገለ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ዘይተመጣጠነ ሓይሊ ተጠቒሞም ከይኾኑ፡ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ምጽራይ እናተገበረሎም ከምዝረከብ'ውን ሓቢሩ።

ፖሊስ ምስ ሓደ ወገን ወጊኑ ሰሪሑ'ዩ' ዝብል ወቐሳ እቲ ኮሚሽነር ይነጽጎ፤ ፖሊስ ስርሑ ብሓላፍነት ሰሪሑ ክብል ድማ ይምጉት።

ብዘይካ'ዚ ኣብቲ ዝነበረ ጎነጽ፡ መደብራት ንግድን መንበሪ ገዛውትን ከምዝተቓጸሉ'ውን ይዝከር። ብርክት ዝበሉ ጽርግያት ድማ ተዓጽዮም ቀንዮም ነይሮም።