ብቕትለት ጀነራል ሰዓረ ዝርከቦም ሓለፍቲ ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ተፈቲሖም

ዝተፍትሑ ኣባላት ባልደራስ Image copyright FACEBOOK

ኣባላት ቤት ምኽሪ ባልደራስን፡ ምንቅስቓስ ብሄረ ኣምሓራን [ኣብን] ከምኡ'ውን በዓልቲ ቤት ብርጋዴር ጄነራል አሳምነው ጽጌ ሎሚ ተፈቲሖም።

እቶም ሎሚ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ውልቀሰባት፡ ብሰነ 15 ዝተፈጸመ ቅትለት ክልተ ጀነራላትን [ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን] ከምኡ'ውን መራሕቲ ክልል ኣምሓራን ብዝተኣሳሰር፡ ብግብረ-ራዕዲ ተጠርጢሮም እዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ጸኒሖም።

ዓቃቢ ሕጊ፤ ክሲ ክምስርት ብቤት ፍርዲ ዝሓተቶ ግዜ እንተ ተውሃቦ'ኳ፡ ክሲ ከይተመስረቶም ከምዝተፈትሑ ሓደ ካብኦም፡ ኣይተ ስንታየሁ ቸኮል ንቢቢሲ ብስልኪ ገሊጹ።

ዓቃቢ ሕጊ ኣባላት ቤት ምኽሪ 'ባለኣደራ' ከተማ ኣዲስ አበባ፡ ዝኾነ ሄኖክ ኣኽሊሉ ብወገኑ ከምዝተዛረቦ፡ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ዝኾነ ክሲ ከይተመስረቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ እዞም ውልቀ ሰባት፡ ሕዚ ብዋሕስ መለለዪ መንነት ካርድን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ-ኩነትን እዮም ተፈቲሖም ኢሉ።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ስንታየሁ ቸኮል፡ ኣባላት'ቲ ቤት ምኽሪ ዝኾኑ ኣይተ መርከቡ ኃይሌ፣ ኤልያስ ገብሩን ከምኡ ድማ አዳም ጂራ ከምዝተፈትሑ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ኣዲስ አበባ ብልሙድ 'ሶስተኛ' እናተብሃለ ዝጽዋዕ ፖሊስ ጣብያ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኣይተ ስንታየሁ ንዓርሱ ሓዊሱ እቶም ጥርጡራት ከምዝፍትሑ ዝሰምዐ ሎሚ ድሕሪ ሰዓት ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

"ፖሊስ ነዊሕ ጊዜ ወሲዱ እንተመርመረና'ኳ ዝረኸበልና ገበን ስለዘየለ ብነጻ ተለቒቕና። ንሕና ዘይኮነስ ሓቂ እዩ ስዒሩ" ድማ ኢሉ።

"መጀመርትኡ'ውን ናይ ሕሊና እሱራት ኢና ነይርና" ዝበለ ኣይተ ስንታየሁ፤ "ሎሚ'ውን ተፈቲሕና ኢልና ቃልሲ ካብ ምክያድ ንድሕሪት ኣይንብልን' ኢሉ።

እቲ ኣብቲ ማእሰርቲ ዝነበሩሉ ግዜ ፈታኒ ከም ዝነበረን፡ ንክልተ ወርሒ ዝኣክል ኣብ ጸልማት ክፍሊ ተዳጒኖም ከምዝነበሩን'ውን ጠቒሱ።

"መንፈስ ቃልስና ንምስባር እንተ ተኣሰርና'ኳ፡ ሕቶ ህዝቢ ስለዝተሓንገጥና ጠጠው ኣይነብልን" እውን ኢሉ ኣይተ ስንታየሁ።

ብካሊእ ገጽ ድማ፡ ዓሰርተ ኣርባዕተ ኣባላትን ደገፍትን ምንቅስቓስ ብሄረ ኣምሓራ [ኣብን] ከም ዝተፈትሑ'ውን ኣቶ ኣበረ መንግስቴ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት እቲ ምንቅስቓስ፡ ኣይተ ክርስቲያን ታደለ ቅድም ክብል ክሲ ንክምስረቶ 15 መዓልታት ንዓቃቢ ሕጊ ዝተወሃበ እንትኾን፤ ክሲ እንድሕር ዘይተመስረቶ ኣብ ዝመጽእ ዓርቢ እቲ ናይ ግዜ ገደብ ከብቅዕ እዩ።

ንሱ ዝርከቦም፡ ብተመሳሰሊ ገበን ተጠርጢሮም ካብ መንጎ ዝተኸሰሱ ትሸዓተ ኣባላት ኣይተፈትሑን።

ብዘይካ'ዚ፡ በዓልቲ ቤት ብርጋዴር ጄኔራል አሳምነው ጽጌ ወ/ሮ ደስታ አሰፋ ሎም መዓልቲ ከምዝተፈትሐት ጠበቓኣ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ጀነራል ኣሳምነው፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰነ ብቐትለት ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ ጀነራል ሰዓረ መኮንን፡ ሜ/ጀነራል ገዛኢ ኣበራ፡ ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣምባቸው መኮነን ዝርከቦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልላዊ መንግስቲ ተኸሲሱ ክህደን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ምቕታሉ ይዝከር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት