መራሒ ኣይኤስ ኣል-ባቕዳዲ ብኸመይ ተቐቲሉ?

ኣልባቕዳዲ Image copyright AFP

መራሒ ዕጡቕ እስላማዊ ጉጅለ [ዳዕሽ] ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ፡ ኣመሪካ ኣብ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ስሪሒት፡ ንነብሱ ቐቲሉ።

እቲ ኩነታት ከመይ ነይሩ?

ኣል-ባቕዳዲ ዝነበረሉ ቦታ

መራኸቢ ማዕኸናት ከምዝገለጸኦ፡ ኣል-ባቕዳዲ ተሓቢኡሉ ዝነበረ ገዛ ኣብ ሶርያ ግዝኣት ኢድሊብ ኣብ እትርከብ ቁሸት ባሪሻ እዩ።

እታ ቑሰት ካብ ደቡባዊ ቱርኪ 5 ኪ.ሜ ርሒቓ'ያ እትርከብ።

ብዛዕባ'ዚ ቦታ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ካብ ምንጭታት ተኸታተሊ ሓበሬታታት ከምዝተረኸበ እዩ ዝንገር።

መጽሄት ኒውስዊክ ንሓደ ሓላፊ ገሊጹ ከምዝጸብጸቦ፡ ሓንቲ ካብ ኣንስቲ ኣልባቕዳዲን ሰራሕተኛ ገዛን ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ወዒለን ነይረን።

ዋሽንግተን ፖስት ድማ ካብ ኣይኤስ ዝተባረረን ዋና ኣቐባሊ ሓበሬታ ኩርዳውያን ዝነበረን ውልቀ ሰብ ሓበሬታ ከምዝሃበ ነጊሩ።

ኣዛዚ ናይቲ ተሓባባሪ ኣመሪካ ዝኾነ ብኩርዳውያን ዝምራሕ ዲሞክራስያዊ ሓይሊታት ሶርያ፡ ማዝሎም ኣብዲ፡ ንብዙሕ ኣዋርሕ ሓበሬታታት ክእክብ ከምዝጸነሐን 'ኣብዚ ዓብዪ ወፍሪ' ንዝተሳተፉ ድማ ኣብ ትዊተር ምስጋና ከምዘቕረበን ገሊጾም።

ኣል-ባቕዳዲ ኣብቲ ተቓወምቲ ኣይኤስ ዝቆጻጸርዎ ከባቢ ምሕብኡ ንብዙሓት ገሪሙዎም እዩ።

ኣብ ልዕሊ ኣል-ባቕዳዲ ንዝውሰድ ስጉምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ፍቓድ ዝሃቡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ዝርከቡ ሓለፍቲ 'ሲቹዌሽን ሩም' ኣብ ዝበሃል ኣዳራሽ ዘትዮም እዮም።

ኣል-ባቕዳዲ ከመይ ተቐቲሉ?

ቱርኪ፣ ዒራቕ፣ ሓይሊታት ኩርዲ፣ ክልል ኣየር ኢድሊብ እትቆጻጸር ሩስያን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ፈተውቲ ኣመሪካን ብዛዕባ እቲ ወፍሪ ቀዲሞም ክፈልጡ ተገይሩ።

ክሳብ ሕዚ ነቲ ስርሒት ዝፈጸመ ጉጅለ ብንጹር ዘይተፈለጠ ኮይኑ፡ ገለ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ንሚድያታት ከምዘመላኸትዎ ግን እቲ ወፍሪ 'ጉጅለ ደልታ' ብዝተብሃለ ፍሉይ ሓይሊ ከምዝተኻየደ'ዩ።

'ጉጅለ ደልታ' ቅድሚ ሕዚ'ውን ኣብ ተመሳሰልቲ ወፍሪታት ከምዝተሳተፈን ናይ ነዊሕ እዋን ልምዲ ከምዘለዎን ተገሊጹ።

እቲ ወፍሪ ቁጽሮም ካብ 100 ዘይበልጽ ወታሃደራት ዝተሳተፉሉ እዩ። ብዙሓት ኣውሮፕላናትን ሄሊኮፕተራትን 'ውን ተሳቲፈናሉ።

እቶም ወታሃደራት ካብ ዒራቕ ተበጊሶም ኣብቲ ከባቢ ክበጽሑ ሓደ ሰዓትን 10 ደቒቕን ወሲዱሎም።

እቶም ወታሃደራት ኣብቲ ከባቢ እንትበጽሑ ናይ ኣልባቕዳዲ ወታሃደራት ከምዝኾኑ ዝእመነሎም ዕጡቓት ተኹሲ ተኸፊቱሎም።

ንሳቶም እውን ዓጸፋዊ ግብሪ-መልሲ ዝሃቡ ኾይኖም፡ ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢ ከምዝገለጾ ድማ እተን ሄሊኮፕተራት ኣብቲ ከባቢ ንዝነበሩ ክልተ ገዛውቲ ሚሳኤል ብምትኳስ ኣዕኒየን እየን።

እቶም ወታሃደራት ናብ መሬት ምስ ወረዱ፡ ኣል-ባቕዳዲ ኢዱ ክህብ ሓቲቶምዎ ነይሮም። ኮይኑ ግና ካብቲ ገዛ ክልተ ዓበይቲ ሰባትን 11 ህጻናትን ጥራሕ እዮም ወጺኦም።

ኣል-ባቕዳዲ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ገዛ ተዃዒቱ ብዝጸንሐ ጉድጓድ ገይሩ ከምልጥ ፈቲኑ።

ብምቕጻል እቶም ወታሃደራት ኣብቲ ከባቢ ዝተጻወደ ነታጒ ከይህሉ ነቶም ጎዳጉድን በዓትን ብነታጒ ኣፈንጂሮምዎ።

ሽዑ፡ ኣልባቕዳዲ ኣብ ሰብነቱ ኣሲርዎ ዝነበረ ነታጒ ኣፈንጂሩ ንባዕሉን ምስኡ ዝነበሩ ሰለስተ ህጻውንትን ቀቲሉ።

እቶም ወታሃደራት ብዘካየድዎ ዳህሳስ ካብቲ ከባቢ ካልኦት ተወሰኽቲ 10 ህጻውንቲ ዘውጽኡ ኮይኖም፤ እቶም ህጻውንቲ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ መሐብሐቢ ከምዝተወሰዱ ፕረዚደንት ትራምፕ ገሊጹ።

ካልኦት ግዳያት

ኣንስቲ ኣል-ባቕዳዲ እየን ዝተብሃላ ክልተ ኣንስቲ 'ውን ኣብቲ ከባቢ ተቐቲለን እየን። እቶም ወታሃደራት ኣብ ሰብነተን ነታጒ ኣሲረን ክኾና ይኽእላ እየን ኢሎም ስለዝሓሰቡ ሬሰአን ገዲፎምዎ ከይዶም።

ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጹ ሓበሬታታት ከምዘገለጽዎ ኣብ ውሽጢ እቲ መረባ ሓሙሽተ ዕጡቓት ኣይኤስ ዝተቐተሉ እንትኾን፤ ካልኦት ሓያሎ ድማ ካብቲ መረባ ወጻኢ ተቐቲሎም እዮም።

ክልተ ወታሃደራት ኣመሪካ ድማ ቀሊል ጉድኣት ዝበጸሖም ኣለዉ። ድሕሪ ዝተገበረሎም ሕክምና ድማ ናብ ልኡኽቶኦም ተመሊሶም።

ብተወሳኺ ኣል-ባቕዳዲ ንምህዳም ዝፈተነሉ ባዓቲ ኣጫንዩ ብምርካብ ይከታተሎ ዝነበረ ከልቢ ድማ ከቢድ መጉዳእቲ ዝበጸሖ ኮይኑ ምስቶም ወታሃደራት ተመሊሱ እዩ።

Image copyright AFP

ኣመሪካ እቲ ሬሳ ናይ ኣል-ባቕዳዲ ምዃኑ ከመይ ርግጸኛ ኮይና?

ቀዳም ኣል-ባቕዳዲ ክሃድም እቶም ወታሃደራት ብዓይኖም ከምዝረኣዩዎን ከምዝሞተን ካብ ኣመሪካ ዝወጹ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣዛዚ እቲ ወፍሪ ድማ እቲ ተልእኾ ከምዝተዓወተ ዝገልጽ 'ጃክፖት' ዝብል ኮድ ከምዘስመዐ ይንገር።

ፕረዚደንት ትራምፕ ከምዝገለጾ፡ ካብቲ ሬሳ ብዝተወሰደ ምርመራ ናሙና፡ እቲ ሬሳ ናቱ ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ።

እቲ ምርመራ ምስቲ ወፍሪ ዘካየደ ጉጅለ ብዝተጉዓዙ ሰብ ሞያ እዩ ተኻይዱ።

ካብቲ ነታጒ ዝተረፈ ኣካል ኣልባቕዳዲ ብሂልኮፕተር ዝተወሰደ ኮይኑ፤ ናብ ባሕሪ ከምዝድርበ ኣማኻሪ ድሕነት ኣመሪካ ሮበርት ኦብራን ገሊጹ።

ነበር መራሒ ኣልቃኢዳ ኦሳማ ቢንላደን፤ ኣብ 2011 ምስተቐተለ ሬስኡ ናብ ባሕሪ ከምዝተደርበየ ወሲኹ ገሊጹ።

ተወሳኺ ዛንታ