ኢትዮጵያ፡ ደረጃ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ኣጽዋር ኣብ ምንታይ ይርከብ?

ዕጥቅታት Image copyright Addis Ababa Police

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣጽዋር ኲናት ኒዩክሌር ምውጋድ፣ ቦንባታት ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝለዓሉ ጎንጺታት ምክልኻልን ንኣሽቱ ዝበሃሉ ኣጽዋር ኲናት ኣብ ቁጽጻር ምውዓልን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ትኹረት ይገብር።

እዚ ትካል፡ ኒዩክለርን ካልኦት ጃምላዊ ህልቂት ዘስዕቡ ኣጽዋርን፡ ካብ ምድረ ገጽ ክጠፍኡ ትልሚ ሒዙ እንተተንቀሳቐሰ'ውን፡ ክሳብ ሕጂ እቲ ዝሓዞ ትልሚ ክዕወት ኣይክኣለን።

ኣባል ሃገራት እዚ ትካል'ውን፡ ኣጽዋር ንምንካይ ኮነ ንምጥፋእ ኣብ ስምምዕ'ኳ እንተበጽሓ፡ ንጹር ሸቶ ስለ ዘይተቐመጠ ግን እዚ ስምምዕ ሽትኡ ከይሃረመ ከም ዝተረፈ ይንገር።

ኣብ በዓል መዚ መጽናዕትን ሓለዋ ሓድግን በዓል ሞያ ባህላዊ ሓድጊ ኣቶ ደሳለኝ ቢራራ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ጉለሌ ዘሎ ዝውውር ዘይሕጋዊ ኣጽዋር እንታይ ከም ዝመስል መጽናዕቲ ኣካይዱ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ዝግበር ዝነበረ ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣጽዋር ብለይቲ ይፍጸም ምንባሩ ኣብ መጽናዕቱ ኣስፊሩ ይርከብ።

ኣብ ከባቢ ናይ መቓብር ቦታታት ቀጨኔ መድሃኒኣለም፡ ናይ ተኩሲ ድምጺ ይስማዕ ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ኣጽዋር ከም ዘሎ ምፍላጥ ተኻኢሉ ነይሩ።

ኣብ ጫካ እንጠጦን ናይ መቓብር ቦታታትን ይስማዕ ብዝነበረ ተኩሲ ድማ፡ ተፍትሽ መሸጣ ኣጽዋር ይግበር ከም ዝነበረ ኣቶ ደሳለኝ ይዛረብ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብታ ሃገር ስጡም ዘይኮነ ኣወሃህባ ፍቓድ ኣጽዋር ከም ዘሎ፡ ኣብ መጽናዕቱ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ፍቓድ ዝህብ ኣካል፡ ምንጭን ዓይነትን እቲ ኣጽዋር ከየጻረየ፣ ንምንታይ መዓላ ከም ዝተደለየ ከየረጋገጸ፡ ፍቓድ ክወሃቦ ዝደሊ ሰብ፡ ምስሊ ናይቲ ዝሓዞ ኣጽዋር ጥራሕ ሒዙ ብምኻድ ፍቓድ ይወሃቦ ከም ዝነበረ የዘኻኽር።

እዚ ሰሙን፡ ዓለማዊ ሳምንቲ ምፍታሕ ዕጥቂ ኮይይኑ እናተኸበረ ቐንዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ክልላት ኮነ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ክዘዋወሩ ተታሒዞም ዝብል ሓበሬታ፡ ብተደጋጋሚ ይስማዕ።

ብፍላይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ቑጽሪ ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣጽዋር ብሰፊሑ ክርአ ከም ዝጀመረ ዝዛረቡ ተዓዘብቲ፡ እዚ ናብ ዝኸፍአ ህልቂት ከም ዘምርሕ ስግኣቶም የቐምጡ።

ኣብ ሓደ እዋን ቢቢሲ ዘዘራረቦ ተንታኒ ፖለቲካ ኣቶ ዳደ ደስታ፡ ውልቀሰብ ወይ ጉጅለታት ክሕዙዎም ዝኽእሉ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ብሰፊሑ ክዘዋወሩ ምርኣይ፡ ሓይሊ ምጥቃም ናይ መንግስቲ ስልጣን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ኢድ ካልኦት ውልቀሰባት፣ ጉጅለታትን ትካላትን ይኣቱ ከም ዘሎ ዘርኢ'ዩ ክብል ገሊጹዎ ነይሩ።

ኣቶ ዳደ፡ 'ሓደገኛ'ዩ' ዝበሎ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ኣጽዋር፡ ኣብ ክልላት ዝለዓሉ ግጭታት፣ ፕሮፖጋንዳን ብሰላማዊ መንገዲ ክቃለሱ ናብ ሃገር ምስ ዝኣተው ጉጅለታትን የተኣሳስሮ።

እዚ፡ ስግኣት ወጺእኻ ምእታው ክውስኽ፡ ሕብረሰብ'ውን ኣብ መንግስቲ ዝነበሮ እምነት ክስእን ከም ዝገብር'ዩ ዝገልጽ።

Image copyright Getty Images

ብዝሒ ዝተትሓዙ ኣጽዋር

ጉምሩክ፡ ኣብ መላእ ሃገር 12 ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈት ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ 2011ን 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ]፡ ብትሽዓቲኤን ጨንፈር ኣቢሉ፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋርን ጥይትን ከም ዝሓዘ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ፡ ጉምሩክን ሓይሊ ምክልኻልን ዝሓዝዎም በዝሒ ኣጽዋር 2020 ሽጉጥ፣ 62 ክላሽንኮቭን 4 መትረየስን ከም ዝኾኑ፡ ካብ በዓል መዚ እቶትን ጉምሩክን ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመልክት።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ 917 ጥይት መትረየስ ፣ 2ሽሕን 983 ጥይት ብሬን፣ 15ሽሕን 717 ጥይት ብሬን፣ 80, 764 ድማ ናይ ሽጉጥ ጥይት ከም ዝተትሓዘ ይገልጽ።

ኣብዚ ዓመት ድማ፡ ሓደ መትረየስ፣ 113 ክላሽንኮቭን 382 ሽጉጥን ኣብ ቁጽጽር ክውዕል ከሎ፤ 111 ጥይት መትረየስ፣ 3ሽሕን 581 ጥይት ብሬን፣ 5ሽሕን 231 ጥይት ክላሽንኮቭ፣ 4ሽሕን 910 ጥይት ሽጉጥን 122 ካዝና ክላሽንን ከም ዝተትሓዘ መረዳእታ በዓል መዚ ገምሩክ ይሕብር።

ኣብ ቃሊቲን ባህርዳርን ዘለው ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈት እዚ በዓል መዚ፡ ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ኣውዒሎም። ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ጨንፈር ድማ እቲ ዝተሓተ ቁጽሪ ኣጽዋር ዝሓዘ ቤት ጽሕፈት ምዃኑ'ውን ይገልጽ።

ወናኒ ከይዲ ስራሕ ክትትል ኮንትሮባንድን ኢንተለጀንስን እቲ በዓል መዚ ኣቶ ዘላለም ከም ዝብሎ፡ ኣብ 2011 ዓ.ም፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ፡ ኣብ መኽዝን ሴኩሪቲ ኣብ ዝተገብረ ተፍትሽ፡ 3 ስናይፐር፣ 3 ጠመንጃ ሃደን፣ 20 ኪሎ ግራም ዝምዘን መለዋወጢ ኣጽዋር ከም ዝተረኸበ ተዛሪቡ።

እዞም ኣጽዋር፡ መን መዓዝ ኣእቲዩዎም ዝብል ዝፍለጥ ነገር የለን ዝበለ ኣቶ ዘላለም፡ ኣብቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዝርከቡ መኽዝናት ተፍትሽ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ከም ዝተረኸቡ የረድእ።

ዩኔስኮ ፍቓድ ከይረኸበ፡ ንሰራሕተኛታት ሓለዋ እቲ ትካል ከእትዎም ዝበለ 59 ሽጉጥን 122 ሽሕ ጠያይትን፡ ኣብቲ በዓል መዚ ከም ዝርከቡ ዝገልጽ እቲ ሓላፊ፡ እዞም ኣጽዋር ውሳነ ስለ ዘይረኸቡ ሕጂ'ውን ኣብ ትሕዝትኡ ከም ዝርከቡ ኣረዲኡ።

ኣብ ክልላት ዘሎ ኩነታት

ዳይሬክተር ርክባት ህዝቢ ቢሮ ጸጥታን ድሕንትን ትግራይ ኣቶ ሃፍታይ መለስ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ምዝውዋር ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ከም ዘሎ ይገልጽ።

እቲ ቢሮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት [2011 ዓ.ም] 155 ሽጉጥ፣ 16 ከላሽን፣ 22 ቦንባ፣ 10922 ጥይት ከላሽን ከም ዝሓዘ ሓቢሩ።

እዞም ዘይሕጋዊ ኣጽዋር፡ ትግራይ ምስ ኣምሓራን ሱዳንን ብዘዋስኑዋ ከባቢታት ክኣትው ዝተትሓዙ ምዃኖም ድማ ይገልጽ።

ካልኦት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካልእ ከባቢ ክዘዋወሩ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝወዓሉ ምዃኖም ዝገለጸ ኣቶ ሃፍታይ፡ እዚኦም ብዘይሕጋዊ መገዲ ረብሓ ንምርካብን ሃብቲ ንምኽዕባትን ዝግበር ፈተነ ከም ዘሎ ዘመላኽቱ'ዮም ኢሉ።

ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ከዘዋውሩ ዝተትሓዙ ኣካላት ጉዳዮም ብሕጊ ይርአይ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ፍርዲ ዝተውሃቦም ከም ዘለው'ውን ኣረዲኡ።

ካብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ከምኡ'ውን ፖሊስ ፌደራል፡ ኣብዚ ጉዳይ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ፈተነ፡ ፍቓደኛታት ከይኾኑ ስለ ዝተረፉ ኣይሰመረን።

ተወስዱ ስጉምታት?

ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣቶ ዝናቡ ቱኒ፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ካብን ናብን ዝዘዋወርሉ ምኽንያት እንተረድእ፡ እቲ ሕጂ ዝተጀመረ ሃገራዊ ለውጢ ንምትእጉጓል ከም ዝኾነ'ዩ ዝገልጽ።

እዚ፡ ሰላምን ሓድነት ህዝብን ብዘይደልዩ ኣካላት ዝፍጸም'ዩ ብምባል፡ ናይ ገንዘብ ዓቕሞም ንምጥንኻር ዝሰርሑ ዝተወደቡ ጉጅለታት ኣብዚ ጉዳይ ኢድ ከም ዘለዎም ይዛረብ።

ብኻልእ ወገን፡ ካብ ስግኣት ብዝምንጩ፡ ኣጽዋር ናይ ምዕዳግ ኩነታት ከም ዝርአይ ሓቢሩ።

ብተደጋጋሚ፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታው ዝፍትኑ ኣካላት፤ እቲ መሓውር ጸጥታ እናተኸታተለ ኣብ ቀይዲ የእቱ ከም ዘሎ ዝዛረብ ኣቶ ዝናቡ፡ ዝውውር ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ይውስኽ ከም ዘሎ ዘርእዩ ነገራት ከም ዘለው ይዛረብ።

ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ዝተሳተፉ ውልቀሰባት ክሲ ከም ዝተመስረተ ብምግላጽ፡ ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ይርአ ምህላው ሓቢሩ።

እተን ነቲ ኣጽዋር ጽዒነን ዝተረኸባ መኻይን'ውን፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘለዋ ዝገልጽ ኣቶ ዝናቡ፡ ብውሳነ መንግስቲ ዝተወረሳ ምህላወን'ውን ኣረዲኡ።

እዞም ዘይሕጋዊ ኣጽዋር፡ ዶብ ሰጊሮም ዝኣትዉ'ዮም" ዝብል ኣቶ ዝናቡ፡ ካብ ዶብ ከባቢታት ሓሊፎም ንግዳዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዝዝውተረሎም ከባቢታት፣ ኢትዮጵያ ብወገን ሰሜን ምስ ሱዳን ኣብ እትዋሰነሉ፣ ብምብራቕ ብወገን ዶብ ሶናሌ፣ ብደቡብ ድማ ብሞያሌ ኬኒያ ከም ዝኣትውን ንግዲ ከም ዝግበርን የረድእ።

እዞም ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ንምቁጽጻር ዝወጽአ ሕጊ

ኣቶ ዝናቡ ከም ዝበሎ እዚ ኹሉ ሓሊፎም'ዮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣትው።

"ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ንምቁጽጻር ዝግበር ክትትል ከም ዘሎን፡ ኣብዚ ተግባር ዝተሳተፉ ኣካላት ግቡእ ሕጋዊ መቕጻዕቲ ንክረኽቡ ዘኽእል፡ ጥንኩር ሕጋዊ ማዕቀፍ ይዳሎ ኣሎ" ኢሉ።

"ኣብ ግብሪ ዘለው ሕግታት ዘይሸፈኑዎም ጉዳያት ብምህላዎም፡ ነዚ ተበጻሒ ዝገብር ሕጊ ምርቃቕ ኣድላዪ ኮይኑ ተረኺቡ'ዩ" ዝብል ኣቶ ዝናቡ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝርከቡ ሓረስቶት፡ ብምኽንያት ባህላዊ እምነት ዕጡቓት ከም ዝኾኑ የረድእ። "ከመይ ጌርካ'ዩ ክመሓደር ዝብል ውሳነ ክወሃቦ ይግባእ" ኢሉ።

ሕጂ ዘሎ ሕጊ፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ዝወርስ እንተኾነ'ውን፡ እቲ ዘዘዋውር ኣካል ግቡእ ቕጽዓት ከም ዘይወሃቦን ዝምህር ዘይምኻኑን እዩ ዝዛረብ።

እቲ ዝዳሎ ዘሎ ረቒቕ ሕጊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጡ ኣጠቓቕማ ኣጽዋር፣ ዝተኸልከሉ ተግባራት፣ ኣጽዋር ሒዝካ ምርካብ ዝተኸልከለሉ ቦታታት፣ ኣጽዋር ፍቓድ ዘይወሃቦም ኣብያተ ጽሕፈት፣ ፍቓድ ኣጽዋር ከመይ ይመሓደር ዝብሉ ጉዳያት ከም ዝሓዘ ገሊጹ።

መን ይዕጠቕ? ብደረጃ ትካላት ከመይ ዓይነት ኣጽዋር ክዕጠቑ ይኽእሉ? ዝብሉ ጉዳያት'ውን፤ ኣብቲ ረቒቕ ሕጊ ክካተቱ ተገይሩ ኣሎ።

"ኣብዚ፡ ዝምህር መቕጻዕቲ ተኻቲቱ ኣሎ" ዝበለ ኣቶ ዝናቡ ቱኒ፡ ኣጽዋር ዝሓዘ፣ ዝኣከበ፣ ዘሐደሰ፣ እናተዘዋወረ ርእዩ ስቕ ኣብ ዝበለ፡ መቕጻዕቲ ክመሓላለፍ'ዩ።

ኣብዚ ረቒቕ ሕጊ ዝተቐመጡ መቕጻዕቲ፡ ካብ 10 ዓመት ጀሚሩ ዝብል ኮይኑ፡ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ከም ዝህልዎ'ውን እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ።

እቶም ኣጽዋር ብከባቢታት ዶብ ዝኣትው ስለ ዝኾኑ፡ እዚ ንምዕጋት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ሓበራዊ ስምምዕ ንምግባር ይስራሕ ከም ዘሎ የረድእ።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል፡ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2012 ዓ.ም፡ ምስ ገበን ርክብ ዘለዎም ብርክት ዝበሉ ንብረታት ኣብ ቤት ፍርድን ካብ ቤት ፍርዲ ወጻእን [ኣብ ቤት ጽሕፈት በዓል መዚ ጉምሩክ] ናብ መንግስቲ ኣታዊ ከም ዝተገበሩ ገሊጹ።

ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ዝናቡ ቱኒ፡ 4 ከቢድ መትረየስ፣ 42 ክላሽ፣ 1 ማካሮቭ፣ 20‚996 ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጠያይቲ፣ 27 ካዝና፣ ከምኡ'ውን፡ 10‚676 ጥይት ክላሽንን ሽጉጥን፣ ሓደ ክላሽን ከምኡ'ውን 6 ሽጉጥ፡ ብውሳነ ዓቃቢ ሕግን ኣዋጅ ጉምሩክን ክውረሱ፡ ትእዛዝ ከም ዝተመሓላለፈ ኣረዲኡ።

ምስኢ ብዝተትሓሓዘ ዝቐረቡ 8 ክስታት፡ መሰል ዋሕስ ኩሎም ተኸሰስቲ ተኸልኪሉ ጉዳዮም ብሕጊ ይርአ ከም ዘሎ ኣብሪሁ።

ብተወሳኺ ሰለስተ ኣይሱዚ መኪናን ራቫ ፍር መኪናን፡ መሸፈኒ ተሰሪሑለን ኣጽዋር ከጓዓዕዛ ስለ ዝተትሓዛ፡ ክውረሳ ከም ዝተወሰነ ብምዝኽኻር፡ እታ ናይ ጽዕነት ኣይሱዙ መኪና፡ ብናይ ሓሶት መረዳእታ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣትያ ከም ዝተትሓዘት ገሊጹ።

እዚ እንታይ የመልክት?

ተንታኒ ጉዳያት ፖለቲካ ኣቶ ዳደ ደስታ፡ እቶም ኣጽዋር ብጉሓሉ ወይ ዘይሕጋዊ ፖለቲካዊ ዕላማ ብዘለዎም ሰባት ክኣትው ዝኽእልሉ ዕድል ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ሓይሉ ክደክም ብምግባር ድሕነት ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ከም ዘጥሕል ይኣምን።

ሕግን ስርዓትን ምኽባር ሓላፍነት መንግስቲ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "መንግስቲ ግዘ ከይወሰደ ክትትል ክገብር ኣለዎ፤ ኣድላዪ ምልዕዓል'ውን ክገብር ኣለዎ" ይብል።

"እቲ ተራ ዜጋ፤ ብሕቡእ ኣጽዋር እንተተዓጢቑ፡ ብሕታዊ ናይዚ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል ፖለቲካ'ዩ" ዝብል ኣቶ ዳደ፡ እዚ ንሃገር ኣብ ሓደጋ ከም ዘውድቕ የረድእ።

"ብፍላይ፡ እቲ ዝውውር ኣጸዕዋር፡ ኣብ ኢድ ዝተወደበ ሓይሊ ዝኣቱ እንተኾይኑ፡ ናብ ህልቂት ከየምርሐ ኣይተርፍን" ክብል ስግኣቱ ይገልጽ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ