ግብጺ፡ ትንቀሳቐስ ካብ ዝነበረት ባቡር ክወርድ 'ዝተገደደ' ግብጻዊ ሞይቱ

መሓመድ ዒድ Image copyright Unknown
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘዋወር ዘሎ ስእሊ መዋቲ

ኣብ ግብጺ ንኽልተ ትኬት ዘይሓዙ ሰባት፡ ትንቀሳቐስ ካብ ዝነበረት ባቡር ክወርዱ 'ኣገዲድኩም' ዝተብሃሉ ሰብ መዚ መገዲ ባቡር ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ትኬት ከይሓዙ ዝጸንሑ፡ መሓመድ ዒድን ኣሕመድ መሓመድን ዝተብሃሉ ገያሾ ከባቢ 4.3 ዶላር መቕጻዕቲ ክኸፍሉ ብዘይምኽኣሎም እዮም ካብታ ባቡር ክዘሉ ተገዲዶም።

ሰራሕተኛ እታ ባቡር ነቶም ሰባት ካብታ ባቡር ክወጹ "ከም ዘገደዶም" ካልኦት ተጓዓዝቲ፡ ኣብቲ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘዋወር ዘሎ ቪድዮ፡ ይገልጹ።

ዝኾነ በደል ከም ዘይፈጸመ ዝምጉት ሰራሕተኛ እታ ባቡር መርመራ ይኻየደሉ ኣሎ። ኣዛዚ እታ ባቡር እውን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ይርከብ።

እቲ ሰራሕተኛ እታ ባቡር "ኣነ ዝገበርክዎም የብለይን፡ ባእላቶም እዮም ዘሊሎም. . . ነቲ ትኬት ገንዘብ ስለዘይነበሮም፡ ማዕጾ ናይታ ባቡር ከፊቶምዎ" ክብል ንመርበብ ሓበሬታ ማስራዊ ተዛሪቡ።

እቲ ፍጻመ ኣተኩሮ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ክስሕብ ከሎ፤ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ሚኒስተር መጉዓዝያ ግብጺ፡ ካመል ኣልዋዚር ካብ መዝነቱ ክእለይ ጠለብ ይቐርብ ኣሎ።

ሚስተር ዋዚር ነቲ ፍጻመ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ሰብኣይ "ህጻን ኣይኮነን" ምባሉ ንብዙሓት ኣሰንቢዱ እዩ።

እቲ ሚኒስተር ሓዘኑ ንምግላጽ ንስድራ መዋቲ ከም ዝበጽሕ እኳ እንተተዛረበ "ገንዘብ እንተዘይብልካ፡ ስለምንታይ ቀዳማይ ደረጃ ባቡር ትስቀል? ናይ ዓቕምኻ ባቡር ዘይትስቀል" ኢሉ።

ብመሰረት ዮውም 7 ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ዝተዘርግሐ ዜና፡ ሚስተር ዋዚር ንስድራቤት መወትቲ ካሕሳ ከም ዝወሃብ ተመባጺኡ ኣሎ።

ክሳብ ሰሉስ ጥራይ ኣብ ትዊተር ብሃሽታግ "ስውእ ትኬት" ልዕሊ 24,000 ግዜ ከም ዝተጻሕፈ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ