ግሬታ ተንበርግ፡ ባይቶ ኣከባቢ ኖርዲክ ዘቕረበላ ሽልማት ነጺጋቶ

ግሬታ ተንበርግ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ክሌማ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ግሬታ ተንበርግ፡ ዓለማዊ ሰልፊን ተቓውሞን ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣበጊሳ

ግሬታ ተንበርግ፡ "ምንቅስቓስ ክሌማ፡ ሽልማት ኣየድለዮን" ብምባል፡ ዝቐረበላ ሽልማትን ገንዘብን ኣይቕበልን ኢላ።

"ፖለቲከኛታትን ኣብ ስልጣን ዘለው ሰባትን፡ ንሳይንስ" ቆላሕታ ክገብሩ ይግባእ ዝበለት፡ እታ ጓል 16 ዓመት ስዊድናዊት፡ እቲ ሽልማት "ዓብዪ ክብሪ'ዩ" ክትብል ድሕሪ ምግላጻ፡ ንባይቶ ኖርዲክ ዘለዋ ምስጋና ገሊጻ።

ተንበርግ፡ ኣብዚ ዓመት ሽልማት ኖቤል ሰላም ክትዕወት'ያ ዝብል ትጽቢት'ኳ እንተነበረ፡ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ'ዩ ተዋሂቡ።

ንሳ፡ ነቲ ሽልማት ክትነጽጎ ዝደረኻ ምኽንያት ንምግላጽ ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ሃገራት ኖርዲክ፡ ብዛዕባ ክሌማን ከባብያዊ ኩነታትን ዝምልከት ዓብዪ ስም እዩ ዘለወን። ናይ ዘረባን ጥዑማት ቃላትን ጸገም የለን'' ኢላ። እንተኾነ ኣጠቓቕማ ጸዓት ኖርወይ ግን ''ነቲ ካሊእ ታሪኽ'' ይዛረብ እዩ ኢላ።

ተንበርግ ኣብ ምክልኻል ለውጢ ክሌማ ንዝነበራ ኣበርክቶ፡ ስዊድንን ኖርወይን ንሽልማት ስለዝሓጸያኣ እያ ዓመታዊ ሽልማት ባይቶ ሓለዋ ከባቢ ኖርዲክ ክትረክብ ኪኢላ።

እቲ ናይ ገንዘብ ሽልማት 500 ሽሕ ክሮነር ስዊድን ወይ 40 ሽሕ ፓውንድ ዓዲ እንግሊዝ እዩ።

ሽልማት ኣይቕበልን ዝበለ ኣሎ'ዶ?

  • ጂን ፓውል ብ1964 ሽልማት ኖቤል ስነ ጽሑፍ ኣይቕበልን ኢሉ። "ትካል ክኸውን ስለ ዘይደሊ" ኩሉ ግዘ "ወግዓዊ ክብርታት ይነጽጎም'የ" ኢሉ ነይሩ።
  • ሙዚቀኛ ዴቪድ ቦዊ፡ ኣብ 2000 ሽልማት ሲቢኢ ኣብ 2003 ድማ ሽልማት 'ናይትሁድ' ንግስነት ብሪጣንያ ኣይቕበልን ኢሉ።
  • ቬትናማዊ ፖለቲከኛ ሊ ዱክ ቶ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሄንሪ ኪሲንጀር ብሓባር ብ1973 ዝቐረበሎም ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣይተቐበሎን።
Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ዴቪድ ቦዊ ኣብ 1976

ተወሳኺ ዛንታ