ምስ ግብጺ ኣብ ዝካየድ ልዝብ ኣመሪካ ኢዳ-ክተእቱ ኢትዮጵያ ተስማሚዓ

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ Image copyright Grand Ethiopian Renaissance Dam

ኣብ ጉዳይ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ 'ኣሜሪካ ክተደራድረና ይግባእ' ክትብል ግብጺ ዘቕረበቶ ሓሳብ፡ ብኢትዮጵያ ተቐባልነት ኣይረኸበን ጸኒሑ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ኣብዱል ፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሩስያ ምስተራኸቡ፡ ኣብ ጉዳይ ህንጸት'ቲ ግድብ ዝግበሩ ዘተታት፡ ሳልሳይ ወገን እንተተሓወሶም ጸገም ከምዘይህልዎ ተዛሪቡ ነይሩ።

ክልትኤን ሃገራት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር፡ ኣብ ኣሜሪካ-ዋሺንግተን ተራኺበን፡ ሓውሲ ድርድር ዝኾነ ዘተ ከካይዳ ምዃነን ንሚንስትር ጉዳይ ወጻኢ ግብጺ ዝጠቕሱ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣለዉ።

ብዚ መሰረት፡ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ካብ ሚንስቴር ንግዲ ኣሜሪካ ብዝቐረበለን ዕድመ፡ ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ እተን ሃገራት ኣብ ኣሜሪካ ክራኸቡ ኣብ ስምምዕ በጺሐን'የን።

ኣብታ ሃገር ዝራኸቡሉ ቀንዲ ምኽንያት ግን፡ ንልዝብ ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ነብያት ጌታቸው ገሊጹ።

ብርግጽ፡ እቶም ሚኒስትራት ዝራኸቡ ንድርድር ዘይኮነስ ንልዝብ ከምዝኾነ እዩ ኣቶ ነብያት ኣብቲ ሎሚ ዝሃቦ መግለጺ ዘረደአ።

ናብ ድርድር ንምእታው፡ ፈለማ እተን ሃገራት፡ እቲ ድርድር ኣብ ምንታይ ጉዳይ'ዩ ከትኩር? ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ኣለወን።

ብመንጽር ዲፕሎማሲ፡ ኣሜሪካ ንዘቕረበቶ ሕቶ ዘይምቕባል ከም ዝኸብድ ዝሓበሩ ምንጪታት፡ ኢትዮጵያ በዚ መገዲ ትኸይድ ምህላዋ ገሊጾም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት