ኣብ ኡጋንዳ ዝተሰወሩ ኤረትራውያን ተጻወትቲ ኣብ "ከቢድ ስግኣት" ምህላዎም ገሊጾም

ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ Image copyright Twitter/onedayseyoumo

ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኡጋንዳ ዝተሰወሩ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ "ከቢድ ስግኣት" ምህላዎም ገሊጾም።

ንሳቶም፡ ነታ ኣብ ግጥማት ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ትሳተፍ ዝነበረት ጋንታ ብምርሕርሖም፡ ናይ ምፍርራሕ መልእኽትታት ይበጽሖም ከም ዘሎ ይዛረቡ።

በቶም ዝተረፉ ተጻወትቲ ግጥማታ ዝቐጸለት፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ብኬንያ ስለዝተሰዓረት፡ ሳልሰይቲ ኮይና'ያ ውድድራ ዛዚማ።

ገለ ሰባት፡ ጨውዮም ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ክመልስዎም ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ሓበሬታ ከም ዘለዎም ዝዛረቡ እቶም ተጻወትቲ ካብ ኡጋንዳ ክወጹ ሓገዝ ይምሕጸኑ ኣለው።

"ናይ ህይወት ውሕስነት ኢና ደሊና ዘሎና፤ ስለዚ ዝኾነ ዝምልከቶን ብሰብኣውነት ዝግደስን ኣካል፡ ዘድልይ ምትሕብባር ክገብረለናን፡ ካብዛ ሃገር [ኡጋንዳ] ከውጽኣናን ሓገዝ ንሓትት" ክብል ሓደ ካብኣቶም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ንሱ ወሲኹ "ሰሙን ሰሙን ገዛ እናቀየርና ኢና ተሓቢእና ዘሎና፤ ገጽና ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ስለዝተዘርግሐ ዝኾነ ሰብ ከለልየና ይኽእል እዩ" ይብል።

እቶም ተጻወትቲ ናብ ኤርትራ እንተተመሊሶም "ከቢድ መቕጻዕቲ" ከም ዘጋጥሞም ይዛረቡ።

ኣሜሪካዊት ጠበቓ እቶም ተጻወትቲ ኪምበርሊ ሞትለይ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣበ ኡጋንዳ ዝተዋፈሩ ዘናድይዎም ሰባት ከም ዘለው [እቶም ተጻወትቲ] ምስምዖም ሓቢራ።

ንሳ ወሲኻ፡ እቶም ተጻወትቲ ናብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዑቕባ ምሕታቶምን ዛጊት መልሲ ከም ዘይረኸቡን ገሊጻ።

ንመዓልቲ ሓንሳብ ጥራይ ይበልዑ ከም ዘለው ዝዛረቡ እቶም ተጻወትቲ፡ ገበርቲ ሰናይ ኣስቤዛ ከምዝዕድጉሎም ሓቢሮም።

ኣብ መስከረም ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንመጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2022 ናብ ናሚብያ ኣብ ዝተጓዓዘትሉ፡ እቶም ተጻወትትቲ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ትሕጃ ከም ዘትሕዙ ተገይሩ ዝብል ወረ ተዘርጊሑ እኳ እንተነበረ፡ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ግና ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ጸለመ ምዃኑ ገሊጹ'ዩ።

Image copyright FUFA
ናይ ምስሊ መግለጺ ገለ ክፋል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ምስ ሱዳን ኣብ ዝነበራ ጸወታ

ኤርትራውያን ተጻወትቲ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ክጠፍኡን፡ ብኡ ኣቢሎም ዑቕባ ክሓቱን ጸኒሖም እዮም።

ኤርትራውያን ተጻወትቲ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክገሹ ከለው ገንዘብ ከትሕዙ ይግደዱ እዮም ንዝብል ብመራኸቢ ብዙሓን ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ብምውካስ፡ ሕቶ ዘቕረብናሎም እዞም ተጻወትቲ፡ ዘትሓዝዎ ገንዘብ ከም ዘየሎ ተዛሪቦም።

ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት 2019፡ ኤርትራ ብኬንያ ምስ ተስዓረት፡ ነቶም ዝተረፉ ተጻወትቲ ንምትብባዕ ብዝብል ኣብ ኢንተርነት ብመንገዲ ጎፈንድም ብዝተኻየደ ወፍሪ ከባቢ 44,000 ዶላር ከም ዝተዋጽአ ዝዝከር እዩ።

ብዙሓት ሰባት ካብ ትማሊ ጀሚሮም ብሃሽታግ ፕሮቴክት ፍሊይን ፉትቦለርስ ማለት ንዝሃደሙ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ንከላኸል ብዝብል ይጽሕፉ ኣለው።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ