ዓይኒ-ምድሪ ምጥቃም ዝኣበዩ ኡጋንዳውያን

Image copyright AFP

ነበርቲ ከተማ ቶሮሮ፡ ምብራቓዊ ኡጋንዳ፡ ነቲ ኣብ መዋፈሪ ኣውቶቡስ ዝተሃነጸ፡ ካሜራታት ዝተገጥመሉ ዓይኒ-ምድሪ ምጥቃም ከም ዝኣበዩ ጋዜጣ ደይሊ ሞኒተር ጸብጺቡ።

ንሳቶም ከም ዝብልዎ፡ ንዝጸራረዩ ሰባት ምቁጽጻር ብባህሎም ቅቡል ኣይኮነን።

ጸሓፊ እታ ከተማ፡ ፖል ኦሞኮ ግና፡ እተን ካሜራታት ኣብ መእተዊ እምበር ኣብ ውሽጢ እቲ ዓይኒ ምድሪ ከምዘይተገጥማ እዩ ዝገልጽ።

"ግብረሽበራውያን ኣብ ህዝባዊ ዓይኒ ምድሪ ተፈንጀርቲ ከየጻውዱ ንምክትታል" ብዝብል ዕላማ ከም ዝተገጥማ'ውን ሓቢሩ።

ኮምሽነር እቲ ከተማ ኒክሰን ኦዎሌ ብወገኑ፡ "እቶም ቴክኖሎጂ ዝቃወሙ ሕቡእ ኣጀንዳ ዘለዎም እዮም" ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ህዝባዊ ዓይኒ ምድሪ ብባንክ ዓለም ዝተመወለ እዩ።

እቲ ጋዜጣ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ እተን ካሜራታት ክሳብ ዝለዓላ ኣብቲ ዓይኒ ምድሪ ከምዘይጥቀሙ ተዛሪቦም።

"ነተን ካሜራታት ኣብ ካልእ በታታት እቲ መዋፈሪ ክተኽልወን ኣለዎም" ይብል መርሒ መኪና ዝኾነ መሓመድ ሚውማ።

"ንዓና ንኣፍሪቃውያን፡ ካልእ ሰብ ሕፍረትካ ክርእየካ ነውሪ እዩ። መራሕትና ነዚ ክፈልጡን፤ ነቶም መወልቲ ኣቐዲሞም ክነግርዎምን ነይርዎም" ኢሉ ካልእ መራሕ መኪና ዝኸነ ሳዲቕ ሂርያ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት