ኣብ ቤልጂዩም፡ ፍርጅ ኣብ ዝተገጥመላ መኪና ስደተኛታት ተረኺቦም

መኻይን ኣብ ጽርግያ Image copyright Getty Images

ኣብ ቤልጂየም 12 ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ መዝሓሊ ማሽን [ፍሪጅ] ዝተገጠመላ ናይ ጽዕነት መኪና ተሓቢኦም ከም ዝተረኸቡ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣንትወርፕ ኣብ ዝተበሃለ ግዝኣት ዝተረኸቡ ስደተኛታት፡ ኩሎም ደቂተባዕትዮ ክኾኑ እንከለዉ፡ 11 ሶርያውያን፤ ሓደ ድማ ሱዳናዊ ከም ዝኾኑ ተገሊጹ'ሎ።

እታ መኪና ናበይ ትጓዓዝ ከም ዝነበርት ግን ዛጊት ዝተፈለጠ ነገር የለን።

መራሒ ናይታ ኣትክልትን ፍረታትን እተጎዓዕዝ መኪና፡ እቶም ስደተኛታት ናብ መኪንኡ ምእታዎም ከም ጠርጠረ ንፖሊስ ሓበሬታ ስለዝሃበ'ዮም ክርከቡ ክኢሎም።

ፖሊስ፡ ነቶም ስደተኛታት ንዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት ኣሕሊፉ ሂቡ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ እንግሊዝ፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ 39 ሰባት ኣብ ውሽጢ መኪና ሞይቶም ከምዝተረኸቡ ይፍለጥ።

ዘዋሪ ናይታ ብቤልጂየም ኣቢላ ናብ እንግሊዝ ዝኣተወት ናይ ጽዕነት መኪና፡ ብገበን ምጥፋእ ህይወት ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከብ።

ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ እንግሊዝ ንምእታው ህይወቶም ዝሰኣኑ 39 ስደተኛታት፡ ዜጋታት ቬትናምን ቻይናን ምዃኖም'ውን ተፈሊጡ'ዩ።

ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ናይ ጽዕነት መኻይን ተሓቢኦም ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ንምእታው ከም ዝፍትኑ ይግለጽ።