ኣትሌት ሃይለ ገብረሰላሰ ንትካል ፌስቡክ ክኸስስ'የ ኢሉ

ኣትሌት ሃይለገብረስላሴ Image copyright Getty Images

ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሰ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ህውከት ብምልዕዓል ንፌስቡክ ክኸሶ ይሓስብ ከም ዘሎ፡ ፋና ብሮድካስቲን ኮርፖሬት ገሊጹ።

ንሱ፡ ማሕበራዊ ሚድያታት ብፍላይ ፌስቡክ፡ ኣብታ ሃገር ህውከት ክጋደድ ይገብር ከምዘሎ ተዛሪቡ።

"መንግስቲ ንፌስቡክ ክኸሶ እንተዘይክኢሉ፡ ኣነ ክኸሶ ይኽእል እየ" ኢሉ።

ብተወሳኺ "ኣብ ውሑድ መዓልቲታት ብዙሓት ሰባት ምሟቶም፡ ንፌስቡክ ንምኽሳስ እኹል ምኽንያት እዩ'' ክብል ተዛሪቡ።

ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሰ ቅድሚ ሐዚ ''ዲሞክራሲ ንኣፍሪቃውያን ሕንቃቐ እዩ'' ብምባሉ፡ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ እዩ።

ተወሳኺ ዛንታ