ሩሲያ፡ ፖሊስ ብድሙ ዘጥቅዐ ሩሲያዊ ሰብኣይ ሓሙሽተ ዓመት ተፈሪዱ

ዝተቖጥዐ ድሙ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እዛ ድሙ ናብ ገጹ ዝተደርበየቶ ፖሊስ፡ ከቢድ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖ ይግለጽ

ኣብ ሞስኮ፡ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ መጥቃዕቲ ንምፍጻም፡ ድሙ ከም መማረጺ ኣጽዋር ዝተጠቐመ ውልቀሰብ ማእሰርቲ ሓሙሽተ ዓመት ክፍረዶ ከም ዝኽእል ማዕኸን ዜና ሩሲያ ሓቢሩ።

እዚ ጌነዲ ሼርባኮቭ ዝተብሃለ ጥርጡር፡ ኣብቲ ዝነብረሉ ከተማ ፖሊስ ንዘቕርበሉ ዝነበረ ሕቶታት ኣብ ክንዲ ምምላስ፡ ዝሰንበደ ድሙ ናብ ርእሲ እቲ ፖሊስ ከም ዝደርበየሉ ይግለጽ።

እቲ ክሲ ነበርቲ ሰሚዑ ክሕግዝ ዝመጽአ ፖሊስ፡ ገጹ "ከቢድ ሕንጣጠ" ከም ዝወረዶ ድማ እቲ ማዕኸን ዜና ጸብጺቡ።

እዚ ወዲ 59 ጥርጡር፡ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ መጥቃዕቲ ብምብጻሕ ክሲ ተመስሪሩዎ።

እዚ ሓደጋ ካብ ዝፍጸም ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ጉዳይ እቲ ተኸሳሲ ትማሊ ዳግም ከም ዝተልዓለ'ዩ ሓበሬታ ቴሌግራም ቻነል ቤዛ ዝገልጽ።

ከም ጸብጻብ ቴሌቪዥን ሩሲያ ሬን፡ ብ4 ጥቅምቲ 2018 ተኸሳሲ ሼርባኮቭ፡ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ሓደ መንበሪ ህንጻ ኮይኑ ልዕሊ ዓቐን ይሰቲ ነይሩ።

ነበርቲ እቲ ኸባቢ ተረቢሽና ዝብል ሓበሬታ ንፖሊስ ምስ ሃቡ ዝመጽአ ፖሊስ፡ ሼርባኮቭ ዝቐርበሉ ንዝነበረ ሕቶታት ክምልስ ፍቓደኛ ከይኮነ ተሪፉ።

በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ጥቕኡ ዝነበረ ድሙ ኣምጺኡ ናብ ገጽ እቲ ፖሊስ ምስ ደርበየሉ፤ እቲ ድሙ ገጽ እቲ ፖሊስ ብምጽሕታር ከቢድ ማህሰይቲ ከም ዘብጽሐሉ፡ እቲ ዝቐረበሉ ኽሲ የረድእ።

እንተኾነ እቲ ተኸሳሲ፡ እዚ ጉዳይ ኣይወዓልኩዎን ብምባል፡ እቲ ድሙ ብፍቓዱ ናብ ገጽ እቲ ፖሊስ ዘሊሉ ከም ዝተወጥሐ ብምግላጽ ተኻቲዑ።

ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛ መንግስቲ ጉድኣት ብምብጻሕ ገበነኛ ኾይኑ ዝተረኽበ ውልቀሰብ ግን ማእሰርቲ ሓሙሽተ ዓመት ተፈሪዱዎ ኣሎ።

እዚ ጉዳይ፡ ስለ ምንታይ ሓደ ዓመት ወሲዱ፣ እቲ ሓደጋ ዘብጽሐ ድሙኸ ኣበይ ይርከብ ዝብል ግን ክሳብ ሕጂ ግልጺ ኣይኮነን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ