ኣጣል ፕረዚደንታዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ሮናልድ ሬገን ካብ ሓዊ ኣብ ምክልኻል ሓጊዘን

እትጠጥም ጤል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ከባቢ 500 ኣጣል፡ ንፕረዚደንታዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ዶናልድ ሬገን፡ ካብቲ ኣብ ካሊፎርኒያ ዝተልዓለ ባርዕ ሓዊ ክድሕን ሓጊዘን።

እተን ኣጣል፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝቦቅል ብቐሊሉ ብሓዊ ክነድድ ዝኽእል ቘጥቋጣት ንኽበልዓሉ እዩ እቲ ፕረዚደንታዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ተኻሪይወን።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እተን ኣጣል ነቲ ቘጥቋጣት ብምብላዕ፡ እቲ ሓዊ ከይቅጽል ከም ዝገበራ ተገሊጹ።

ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ፡ ግብረ መልሲ ንክህቡ እኹል ጊዜ ፈጢረናሎም ድማ ተባሂሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ተደኲኑ ዝርከብ ቤተ-መጻሕፍቲ፡ ሓደጋ ባርዕ ኣንጸላልይዎ ነይሩ።

"ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጠረ ክፍተት፡ ነቲ ስራሕ ከምዘቕለለሎም ነጊሩና'' ክትብል ወሃቢት ቃል ናይቲ ቤተ-መጻሕፍቲ መሊሳ ጊለር ንሮይተርስ ተዛሪባ።

ምንጪ ስእሊ, EPA

እተን ኣጣል፡ ነቲ ኣብ ኣስታት 5 ሄክታር መሬት ዝነበረ ቘጥቋጣት ከጽርያ፡ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ ትካል እየን ተቖጺረን።

ነቲ ትካል ዝመስረቶ ስኮት ሞሪስ ዝተብሃለ ኮይኑ፡ ንሓደ ኣክረ (ኣስታት 4050 ትርብዒት ሜትሮ) ብመጓሰ ኣጣሉ ንኸብልዖ ኣስታት 1 ሽሕ ዶላር እዩ ዘኽፍል።

ካሊፎርንያ ተደጋጋሚ ባርዕ ሓዊ ዘጋጥሞ ስለዝኾነ፡ ጠለብ ንምምላእ ቁጽሪ ኣጣሉ ብዕጽፊ ክውስኽ ከምዝደሊ'ውን ስኮት ሞሪስ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images