ኤርትራ፡ ሲ-ኣይ-ኤ ንመንግስቲ ኤርትራ ንምዕላው 'ውጥን ሽርሒ' ነይርዎ ኢላ

ኢኒስትሪ ዜና ኤርትራ Image copyright Ministry of Information

ትካል ስለያ ኣመሪካ፡ ሲ-ኣይ-ኤ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ናይ ምእላይ "ውጥን ሽርሒ" ኣውጺኡ ነይሩ ክብል፤ ሚኒስትሪ ዜና ከሲሱ።

ኣብቲ ሎሚ ባሕቲ ሕዳር፡ ኣብ ትሕቲ 'ካብ ምስጢራዊ ሰነዳት ትማሊ' ዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ መግለጺ፡ ኣብቲ "ሽርሒ" ተሳቲፎም ናይ ዝበሎም ዝርዝር ኣስማት'ውን ኣውጺኡ'ሎ።

እቲ ዝተባህለ "ውጥን" ኣብ 2011 ኣብ ናይሮቢ፡ ኬንያ፡ ዝተገብረ ከም ዝነበረ ዝጠቅስ እቲ መግለጺ፡ እቲ መደብ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተወልዐ ብ"ቐውዒ ዓረብ" ዝፍለጥ ሰውራ ምዃኑ'ውን ይእምት።

ኣፈኛ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ኣሮን ቴስታ፡ ንክሲ መንግስቲ ኤርትራ "ርእይቶ ክንህበሉ ኣይንደልን" ክብል መሊሱ።

ብዘይካ'ዚ፡ እቲ መግለጺ፡ ትካል ስለያ እስራኤል፡ ሞሳድ'ውን "ምስሊ መንግስቲ ኤርትራ ንምስይጣን" ምስቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝንቀሳቐሱ "ሓይልታት ሽበራ" ምትእስሳር ኣለዎ ዝብል "ጸለመ" ይዝርግሕ ነይሩ ክብል ጠቒሱ።

ርእይቶ መንግስቲ እስራኤል ንምርካብ፡ ናብ ኤምባሲታታን፡ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ዝገበርናዮ ናይ ስልኪ ፈተነታት ኣይሰመረን።

እቲ መግለጺ፡ "ቀንዲ ትሕዝቶ" ዝበሎም ዕላማታት ናይቲ "ውጥን" እውን ኣስፊሩ'ሎ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ ናይ ኣጽዋር እገዳን ምድስካል ሃብቲ ገለ ሰበስልጣንን ኣካል ናይቲ "ናይ ስርዓት ለውጢ" መደብ ምንባሩ እቲ ዝወጸ ጽሑፍ ይጠቅስ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘቕረቦ ጸብጻብ ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን፡ ዋሕዚ ስደት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን መንሰያትን'ውን ኣካል ናይቲ መደብ ምንባሩ እቲ መግለጺ ይዛረብ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ጠንቂ ፍልሰት ናይቶም መንእሰያት፡ ምዕራባውያን ናይ ስለያ ትካላት'የን ክብል ከም ዝጸንሐ ይዝከር።

ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃራትን፡ ሓያሎ ዓለምለኻውያን ተሓለቕቲ መሰላትን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ መሰረታዊ መሰላት ይግህስ ኣሎ ብምባል ክኸሳ ምንጽንሐን ይፍለጥ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ