መራሕትን ተኸተልቲን ዝተፈላለያ እምነታት ኤርትራ ዝተረኸቡሉ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ለንደን ተኻዪዱ

ሰልፈኛታት

ኣዋሃሃዲ ናይቲ መደብ ዶክተር ፍስሃየ ወልደሱስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝጻሓፍዎ ደብዳበ ደገፎም ንምግላጽ ነቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዝወደብዎ ተዛሪቡ።

"እቲ ህዝቢ ኣብ ዓዲ ዘሎ ክዛረብ ስለዘይክል፡ ዘገልግለኦ ዘለዋ ትካላት ክዕጸዋ ከለዋ፡ እንተተዛሪቡ'ውን ዝመጾ ሳዕቤን ስለዝፈልጥ፡ እቶም ነዚ ጸጋ'ዚ ረኺብና ድምጽና ከነስምዕ እንኽእል፡ ኣብ ክንድኦም ድምጽና ምእንቲ ከነስምዕ'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ወርሒ ሰነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንኹለን ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝመሓደራ ክሊኒካትን ሆስፒታላትን ከም ዝሃገረ ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ'ውን፡ እታ ቤተ ክርስትያን እተመሓድረን ዝነበረት ኣብያተ ትምህርቲ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ሃጊሩወን።

"እቲ ዝውጻዕ ዘሎ እቲ ድኻ ተራ ህዝቢ'ዩ፡ እዘን ክሊኒካት እዚኣተን፡ ኣብ ከተማ ጥራይ ኣይኮናን ዘለዋ፡ ዝበዝሓ ኣብ ገጠራት'የን ዘለዋ። ዘገልግልኦ ህዝቢ፡ ህጻን፣ ኣረጊት፣ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ኣንቡላስ ክትበጽሖ ዘይትክእል ቦታታት እዩ" ዝበለ ዶክተር ፍስሃየ፡ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ሃሳዪ ምዃኑ ይዛረብ።

ብኦርቶዶክሳዊ ቤተክርስትያን፡ ምስልምናን፡ እምነት ሚስዮንን (ፌዝ ሚሽን) ዝመሓደራ ኣብያተ ትምህርትን ብተመሳሳሊ ተሃጊረን'የን።

ካቶሊካውያን ጳጳሳት፡ ንምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ብምንቃፍ ለውጥታት ክገብር ዝጽውዕ "ሓዋርያዊ መልእኽቲ" ድሕሪ ምጽሓፎም'ዩ መንግስቲ ነቲ ስጉምቲ ክወስድ ተራእዩ።

እቶም ጳጳሳት ንምዕጻው ናይተን ትካላት'ውን ኣትሪሮም ነቒፎሞ'ዮም።

ኣብቲ ብመዝሙርን ዜማን ዝተሰነየ ሰልፊ፡ መራሕቲ ዝተፈላለዩ እምነታት ናይ ደገፍ መልእኽቲ ኣስሚዖም።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ ሰልፊ ተራኺቦም ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሼኽ፡ ኣብ ካምቦኒ ይመሃር ከምዝነበረ ብምምስካር፡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኮኒኑ።

እቲ ኣብ ፊት ዌስቲ ሚኒስተር ካቴድራል ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ካብታ ቤተክርስትያን ኣብ ብሪጣንያ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ከም ዝረኸበት'ውን ዶክተር ፍስሃየ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቦም ዝነበሩ ዲያቆን፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን፡ ሰባኺ ወንጌል ዮሃንስ ገብረሂወት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ድማ፡ እቲ መንግስቲ ነተን ሃይማኖታት በብሓደ ከም ዘረኻኸበለን ተዛሪቡ።

"ቤተ ክርስትያን ናይ ገዛእ ርእሳ ምሕደራ ኣለዋ፡ እቶም መራሕቲ ፖለቲካ ከኣ ናይ ሃገር ምሕደራ ኣለኩም፡ ኢድኩም ኣይተእትዉ፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ቤተክርስትያንን ህዝቢ ኤርትራን ደው ይበል ክብል'የ ሎሚ ዝመጻእኩሉ ዕለማ" ኢሎም።

ንሶም፡ እዚ ሎሚ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝፍጸም ዘሎ "ዓመጽ" ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ከም ዝገበሮ ተዛሪቦም።

ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ንልዕሊ 13 ዓመት ድሕሪ ምጽንሖም፡ ሲኖዶስ ኣብዚ ዓመት'ዚ ከም ዝወገዞም ይፍለጥ።

ዲያቆን ዮሃንስ፡ ግን እቲ ውሳነ ናይ መንግስቲ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቶም ፓትሪያርክ ንመንግስቲ ብምግሳጾምን ዝተቐየዱ ኣቕሽሸቲ ክፍትሑ ብምጽውዖምን፡ እቲ ኣደራዕ ከም ዝወረዶም ኣረዲኡ።

ንእምነት ጴንጠኮስታል ወኪሉ ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኽበ ዶክተር ብርሃነ ኣስመላሽ ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ "ኣብ ኤርትራ እናገደደ ዝኸይድ እምበር እናሓሸ ዝኸይድ ነገር የለን" ኢሉ።

"ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ምስ ተገብረ፡ ተስፋ ጌርና ኔርና፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ምፍታሕ እሱራት፡ ኣብ ኤርትራ'ውን ክፍትሑ ኢልና ኔርና" ክብል ገሊጹ።

ግን ብዘይካ ውሑዳት ዝተፈትሑ ከም ዘየለዉን፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ካብ ዝተፈትሑ ዝተኣስሩ ከም ዝበዝሑን ሓቢሩ።

ብዛዕባ'ቶም፡ ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ መራሕቲ እተን ዝተዓጽዋ ኣብያተ ክርስትያናት'ውን ከም ዘሻቕሎም ዶክተር ብርሃነ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቶም ተሳተፍቲ፡ ኣብታ ሃገር ይካየድ ኣሎ ንዝበልዎ ሓፈሻዊ ምግሃስ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብል'ውን ጸዊዖም።

ውድብ ሕቡራት ዝርከቦም፡ ሓያሎ ዓለምለኻውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ መንግስቲ ኤርትራ ንመሰላት እምነት ብምግሃስ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተኸተልቲ ዝተፈላለያ እምነታት ኣብ ቀይዲ ብምእታዉ ብዘይፍርዲ ከም ዝሕዝ ይኸሳ።

ተወሳኺ ዛንታ