ኣብ ኤርትራ ስለምንታይ ምምያ ስነ ጽሑፍ ኣድለየ?

ኣብ ዓመታዊ ምርኢት መጽሓፍቲ ኤርትራ ዝቐረቡ ውጽኢታት ሕትመት

መርሃዊት የማነ፡ ኣብ 20ታት ዕድመ እትርከብ፡ ማእከላይ እቶት ካብ ዘለዎም ስድራ ዝፈረየት መንእሰይ እያ።

ኣብዚ ዕድሚኣ፡ ንህይወት ከርብሑዋ ዝኽእሉ ግጥምታት፣ ኣበሃህላታትን ካልኦት ሓጸርቲ ጽሑፋትን፡ ዝሓዘ ብኽልተ ኽፋል ዝተዳለወ 11 ምዕራፋት ዘለዎ መጽሓፍ ኣዳሊያ ኣላ።

ኣብ ዝዓበየትሉ ማሕበረሰብ ኤርትራ፡ 'ብዙሕ ኣፍቃሪ መጽሓፍ እኳ እንተሎ፡ "መጽሓፍ ምሕታም ግን ቁሩብ ክብድ ዝበለ'ዩ" ትብል። ስለ ምንታይን ብኸመይን'ዩ ከቢዱዋ?

ንሓደ መጽሓፍ ጽሒፍካ፡ ኣሪምካ፡ ዝኽፈል ከፊልካ አሕቲምካ፡ ናብ ህዝቢ ክትዝርግሖ ዘሎ መስርሕ ቀሊል ከም ዘይኮነ እትዛረብ መርሃዊት፡ "ኣብ ሃገርና ሓደ መጽሓፍ ከማልኦ ዘለዎ ረቛሒ ኣዝዩ ብዙሕ ብምዃኑ፡ መጽሓፍ ምሕታም በዳሂ'ዩ" ክትብል ትገልጽ።

ከም ሓንቲ ጀማሪት ጸሓፊት ዘተባብዓን 'ብርዕኺ ይሰስን' ኢሉ መሪቑ ቅኑዕ መገዲ ስነ ጽሑፍ ዘርእያን እትደሊ መርሃዊት፡ ካብ ቀዳሞት ወለዲ ስነ ጽሑፍ ኤርትራ ዝሓሸ ዕድሎት ብቋንቋኻ ምጽሓፍ እንተረኸበት'ውን፡ ኩሉ ግዜ ዘሕስባ ነገር እንተሎ፡ ጉዳይ 'ምምያ' እዩ።

"ጽሑፍካ ሳንሱር [ንምምያ] ክገብሩዎ ንእንዳ ዜና ኢኻ ተረክቦም፤ ንሳቶም ድማ ዘየድሊ ዝብሉዎ ከተውጽእ፡ እቲ ዘድሊ ክትምልእ ይነግሩኻ። ዝተብሃልካዮ ምስ እትገብር፡ እታ መጽሓፍ ንክትወጽእ ፍቓድ ይህቡኻ" ክትብል ትዛረብ።

እዚ፡ መብዛሕትኦም ናይ ግጥሚ፣ ልብወለድን ካልኦት ጽሑፋትን ኤርትራ ዝሓልፉዎ መስርሕ ሕትመት'ዩ።

"ካልኦት ርዝን ዝበሉ ኣርእስታት ኣልዒልካ እንተጽሒፍካ፡ እቲ ናይ ምምያ ስራሕቲ ካብ ሕትመት ከጎናድበኒ'ዩ ኢልካ ስለ እትሰግእ፡ ኣብ ካልኦት ፍኹስ ዝበሉ ጽሑፋት ከምእተተኩር ይገብረካ፤ በዚ ምኽንያት ድማ ንግዚኡ ናብ ካልእ መዳያት ዘንቢለ ኣለኹ" ትብል መርሃዊት።

ኣብዛ ዓለም፡ ስነ ጽሑፍ ኣብ ዝኾነ እዋን ግዳይ ዝተፈላለዩ ጸቕጢታት ክኸውን ምርኣይ ሓድሽ ኣይኮነን። ሰብ ሞያ ስነ ጥበብን ስራሕቶምን ድማ፡ እቶም ቀዲሞም በቶም ዝውሰዱ ስጉምታት ዝጥቀኑ ወይ ዝህሰዩ ምዃኖም ርዱእ'ዩ።

ጥበብ ኣብ ውሽጢ ዝተመልኦ ጽሑፍ ዘይተኣደነ ሓይሊ ምህላው ስለ ዝእመን፡ መንግስታት ይኹኑ ውልቀ ሰባት ክፈርሑዎን ንዕኡ ቀይዲ ዘትሕዝ ስርዓት ምምያ ግብራዊ ክኸውን ክጠልቡን ምርኣይ ልሙድ'ዩ።

ኤርትራ ካብዚ ናጻ ኣይኮነትን። እኳ ድኣስ፡ ብዓፈና ናጽነት ፕሬስ ካብ ዓለም ለኻዊ ተሓለቕቲ መሰላትን ሚዲያን ተደጋጋሚ ነቐፌታ ክበጽሓ ንዕዘብ።

ንጉዳይ ምምያ ኤርትራ ዘይክሕድ ደራስን ጋዜጠኛን ሰለሞን ድራር፡ "እቲ ባይታ ንጹር'ዩ። እቲ ናጽነት ከምቲ ናይ ምዕራባውያን ኣይኮነን። መቓንካ ሓሊኻ ትጽሕፍ፣ ሓሳብካ ትገልጽ" ክብል ንምኽንያታውነት ምምያ ጽሑፋት ኤርትራ የረድእ።

ደራሲ ሰለሞን ድራር፡ ዝኾነ ገደብ ዘይብሉ ዓውዲ የለን ኢሉ'ዩ ዝኣምን። ደራሲ ድማ እንትርፎ ከጓንፎ ዝኽእል ሕጽረት ገንዘብ፡ ብኸምቲ ንምምያ ዝድረኹ ነጥቢታት ተዓንቂፈ ኢሉ ክሓስብ ከም ዘይብሉ ይዛረብ።

"እዛ ግጥምሲ ከምዚ ተስምዕ'ያ ዝብሃል ክህሉ ይኽእል ይኸውን። እተን ናይ ምምያ ነጥቢታት ግን፡ እቲ እትጽሕፎ ሕብረተሰብ ምስ ሕብረተሰብ ዘጋጩ፣ ኣብ ሞንጎ ሃይማኖታት ዝኣቱ፣ ንብሄራት ዘነኣእስ፡ ብሄር ንብሄር ዘባእስ ክኸውን የብሉን ዝብላ እየን፤ ካብዚ ወጻእ ኣብ ናትካ ናይ ፈጠራ ዓቕምን ናይ ምግላጽ ክእለት'ዩ ዝሙርኮስ" ክብል የረድእ።

ህል ኩነታት ስነ ጽሑፍ ኤርትራ

ኣብ መበል 15 ክፍለዘመን ናብ ኤውሮጳ ዝተጋፍሐ ቴክኖሎጂ ሕትመት፡ ብ1863 [አቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣቢሉ ብሚስዮናት ካቶሊክ ናብ ባጽዕ ከም ዝኣተወ ይዝንቶ።

ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ከኣ፡ ጽሑፍ ግእዝ ኣብ ዘመናዊ ስነ ጽሑፍ ክሕተም ጀሚሩ። ሕትመት ኣብ ዘይነበረሉ ግን ብኢድ ዝተጽሓፈት ጋዜጣ ከም ዝነበረትን፡ ካብ 1888 ክሳብ 1889 ገብረእግዚኣብሄር ጊላማርያም፡ ብትግርኛ ጋዜጣ ካብ ሞንጎ ዝጀመሩ ሙሁራት ተባሂሉ ይጥቀስ።

መጽሓፍ ካብ ምንባብ፡ ምስማዕን ምርኣይን ዝፈትው ሰባት ውሑዳት ኣይኮኑን።

ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብሕትመት ዝወጽኡ ወይ ዝቐርቡ ጽሑፋትን መጽሓፍትን፡ ብዲጂታላዊ ኣሰራርሓ እናተተክኡ ይመጽኡ ብምህላዎም፡ ዘተባብዕ ባህሊ ምንባብ ኣይትዕዘብን።

እዚ ማለት፡ ሰባት ሬድዮ ክሰምዑ ወይ ቴሌቪዥን ክርእዩ ይመርጹ። ሓደ ናይዚ ዓብዪ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል፡ ኣብዝሓ ሕብረተሰብና ኣብ ገጠር ዝነብርን ምጽሓፍን ምንባብን ዘይተምሃረ ስለ ዝኾነን'ዩ።

እቶም ከንብቡ ዝኽእሉ እንተኾኑ'ውን፡ ምስቲ ሕጂ ዘሎ ዝርግሐ ኢንተርነትን ምግፋሕ ማሕበራዊ መራኸቢታትን፡ መጽሓፍ ወይ ጋዜጣ ንምንባብ ዘጥፍኦ ግዘ ይሻመዮም'ዩ።

ብኣንጻሩ፡ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቓልሲ፡ ምንባብ ብጸላእን ኲናትን ተኸቢብኻ'ውን ከም ባህሊ ዝቑጸር ነይሩ። ብቋንቋኻ ምንባብን ምጽሓፍን ዘህድን እንተነበረ'ውን፡ ምንባብን ምጽሓፍን ኣካል እቲ ቃልሲ ኮይኑ ከም ዝኸደ ይዝንቶ።

ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብ ታሪኽ ስነ ጽሑፍ ኤርትራ፡ ባህልን ታሪኽን እታ ሃገር ዘማዕብሉ መጽሓፍትን ድራማታትን ብምድራስን ብምጽሓፍን ይፍለጥ።

"ልቢ ተጋዳላይ"፣ "ካብ ባድመ ክሳብ ሳሕል"፣ "እቲ ኻልእ ኲናት" ዝብላን ካልኦትን መጽሓፍቲ ዝጽሓፈ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ኣብ እዋን ኲናት ባህሊ ንባብ ንክዓቢ ዓብዪ እጃም ከም ዝነበሮ ይጥቀስ።

እዚ፡ ንዓመታት መደላድል ክሕዝ ዝጽዕረሉ ዝነበረ፡ ምጽሓፍን ምሕታምን ድኣ፡ ሕጂ ኣበይ ገጹ ይርከብ? ኢልካ ምሕታት ግድን ክኸውን'ዩ።

ደራሲ፣ ዳይሬክተር ፊልምን ጸሓፊ ግጥምታት ደርፍን ሰለሞን ድራር፡ ከም ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ምዕባይ ገለ ጸገማት እንተሃለው'ውን፡ ብዓይኒ ፍርያት ስነ ጽሑፋዊ ስርሓት ግን ብብዝሕን ዓይነትን እናዓበየ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ ይብል።

"ስነ ጽሑፍ ኤርትራ፡ ኣብ እዋን ሰውራ ዝሓሸ ዕድላት ረኺቡ ካብ ጸቕጢታት ምምያ፣ ሓሳብካ ክትገልጽ ዘይምኽኣል ተናጊፉ'ዩ።

. . . ሰውራ እናተኻየደሉ ከሎ፡ ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ዝነበሩ ዜጋታት ከም ልቦም ከይጽሑፉ ዕንቅፋታት ስለ ዝነበረ፤ እቲ ሰውራ ከም ሓደ ድልድል ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ድማ እቲ ዕድል ስለ ዝተረኽበ ጽቡቕ ይግስግስ ኣሎ" ኢሉ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ደራስን ዳይሬክተርን ሰለሞን ድራር፡ ልዕሊ 180 ደርፍታት ግጥሚ ዝጸሓፈን ብርክት ዝበሉ ድራማታት መድረኽ ዝደረሰን ዝኣለየለን ገዲም ተጋዳላይ'ዩ።

ህዝባዊ ግንባር፡ ካብ 1979 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ንደሓር፡ ስነ ጽሑፍ ትግርኛ ብሰፊሑ ዝነጠፈሉ ምዃኑ ይዝረብ።

ከም በዓል ሰለሞን ዝኣመሰሉ ስነጥበባውያን ኤርትራ ነቲ እዋን "ባህላዊ ሰውራ" ዝተርኣዮ ግዜ ኢሎም ይገልጹዎ።

"ሕጂ እቲ ግዜ ዘምጽኦ እንድዩ፡ ሓይሊ እቲ ስነጥበብ ናብ 'ቪዥዋል' ይቕየር ኣሎ። እቲ ዝንባለ፡ ናብ ድራማታትን ምስሊ ደርፊታትን እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። ባህሊ ንባብ እቲ መንእሰይ ትሕት ዝበለ'ዩ፤ ናብቲ ድጅታል ዘዘንበለ መንእሰይ ኣሎና" ክብል ይዛረብ ሰለሞን።

ንሱ ነዚ ከም ሓደ ምኽንያት እንተልዓለ'ውን፡ ቅድሚ ዓመታት ታሪኽ እቲ ሕብረተሰብ ንምዕቃብ፣ ናይ ሰውራ ቅያታት ብግቡእ ንምስናድ፣ መጽናዕታዊ ስርሓት ንምሕታም ዝቖመት 'ኣሕተምቲ ሕድሪ' ዝበላ ከም ኣሕተምቲ ክዓብያ ናይ ዘይምኽኣል ጸገም ምህላው ይጠቅስ።

"ብሓፈሻ ግን፡ ዓመታዊ ምርኢት መጽሓፍቲ ስለ ዝካየድ፡ ብዙሓት ጽሓፍቲ ይፈርዩ ከም ዘለው ትዕዘብ። ዳርጋ ዓመታዊ 100 ሓደሽቲ መጽሓፍቲ ትርኢ። እቲ ዲጅታላዊ ዕብየታት ግን የዳኽሞ ኣሎ" ይብል ደራሲ ሰለሞን ድራር።

መስርሕ ምምያ ግን፡ ንምድኻም ስራሕቲ ስነ ጽሑፍ ምኽንያት ክኸውን ከም ዘይኽእል ዝገልጽ ደራሲ ሰለሞን፡ እኳ ድኣስ እቶም ስርሓት ደረጅኦም ክሕልው፣ ህዝብታት ክቀራረቡን ሓድነታዊ ኣተሓሳስባ ከዕብዩን መገዲ ከም ዘደላደለ ይኣምን።

"እቲ ቐንዲ ኣገዳስነት ምምያ፡ ነጻነት ወይ መሰል ደራሲ ክዕንቅጽ ዘይኮነ፡ ሓገዝ'ዩ። እቲ እትጽሕፎ ጽሑፍ፡ ንክብርታትካ፣ ሰብኣውነትካ፣ ምስ ሓድሕድካ ዘለካ ምትእስሳር ምድልዳል፣ ምስ ከባቢኻ ዘለው ህዝብታት ሓድነት ናብ ምፍጣር ዝጸቅጥ ስለ ዝኾነ እቲ መንግስትን ህዝብን ዝጽዕርሉ፡ ብሓቂ ክብርታትና ተዓቂቡ'ዩ ክንብል ንኽእል። . . .

. . . ምስቲ ዘሎ ዓውለማ ኩነታት ነዚ ዝሸራርፉ የለውን ክንብል ኣይንኽእልን፤ ግን እዚ ተጻዊሩ ዝኸይድ ኩነታት እዩ ዘሎ" ክብል የረድእ።

ኣድሃ ንበር፡ ካብ ስራሕቲ ሰለሞን ድራር

ኩሉ ሞያ ነንዋንኡ ኽቡር'ዩ፤ ስነ ጥበብ ግን ልዕሊ ካልኦት ዝሰርዖ ሓደ ነገር'ሎ፤ እቲ ሰርሓይ በቶም ስርሓት ዘልኣለማዊ ኮይኑ ይነብር።

ከምቲ ድምጻዊ የማነ ባርያ ባዕሉ 'ሃገረይ ዝበለ ተዘኪሩ 'ይነብር፡ ሓወልቲ ገዲፉ ኣብ ገነት ይሰፍር ' ኢሉ ዘዜሞ፡ ንሱ ካብ ዝስዋእ ዓሰርታት ዓመታት እንተተቖጽሩ'ውን፡ በቶም ህያው ዝገበሩዎ ስራሕቱ ግን ምስቲ ብህይወት ዝተረፈ ሰብ ይነብር ኣሎ።

ድሕሪ 1979 ናብ ሞያ ስነ ጽሑፍ ካብ ዝኣቱ፡ ሰለስተ መጽሓፍቲ ዘሕተመ፡ 19 ድራማታት መድረኽ፣ ከባቢ 180 ግጥሚታት ሙዚቃን ካልኦት ግጥምታትን፡ 150 ዝኾኑ ድማ ንጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ትርግታን ዝጽሓፈ ሰለሞን ድራር፡ ንስነ ጥበብ ፍሉይ ቦታ ኣለዎ።

ብ1996 ብኣሕተምቲ ሕድሪ ዝተሓትመት ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ዝተሞርኮሰት ቅያ 18 ደቓይቕ ኤርትራውያን ኮማንዶ፡ ንደራሲ ሰለሞን ድራር ዘጉልሐት ስራሕ ኮይና፡ ፕሬዝደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መእተዊ እቲ መጽሓፍ ጽሒፉላ'ዩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሬዝደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝፈረመሉ መቅድም መጽሓፍ ኤርትራውያን ኮማንዶ ቅያ 18 ደቓይቕ

"ስነ ጥበብ ካብ ቤላ-ቤለው የድሕነካ፡ እቲ ዘረባኻ ኩል ግዘ ምስ እትፈጥሮም ጠባያት ስለ ዝኸውን፤ ናይ ደገ ሽግራት ክፈጥር ዝኽእል ቤላ-ቤለው ኣይጸልወካን'ዩ፤ ፈቲኻዮ እትሰርሖ ስለ ዝኾነ ድማ ጭንቀት የብሉን" ይብል።

ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝነበሩ ስነጥበባዊ ስርሓት ኤርትራ፡ መንፈስ እቲ ህዝቢ ኣብ ምጥንኻር ኾነ ኣብ ምልዕዓል ኣዝዩ ልዑል ኣበርክቶ ከም ዝነበሮም ይዛረብ።

"ብፍላይ ድሕሪ ናይ 1998 ኲናት ምስ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ህዝቢ ናይ ተስዓርነት መንፈስ ከይፍጠር ስነ ጥበብ ዝነበሮ ግደ ልዑል'ዩ። ድሕሪ ኲናት፡ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ዝበሃል'ዩ እቲ ዝኸፍአ። . . .

. . . በዚ ምኽንያት፡ መንእሰይ ተመሊሱ ስርሑ ከይሰርሕ ስግኣት ኣሎ፣ እቲ ናይ ዳግመ ህንጻ ስራሕ ድማ ከምቲ ዝግባእ ክኸይድ ስለ ዘይክኣለ፡ ኣብ ሞንጎ ተቐርቂርካ፤ ደቕካን ስድራኻን ንድሕሪት ተደርብዮም፣ ደሞዝ የብልካን፡ ዝፍጠር ተጻዋርነት፡ ደገፍ ናይ ስነ ጥበብ ስለ ዝነበሮ ክምከት ተኻኢሉ'ዩ" ይብል።

ሰለሞን ድራር፡ ንጓል ኣንከረ፣ ወዲ ትኹል፣ ኢሳይያስ ኣፍስሃ፣ ኣኽሊሉ ተፈኖ፣ ብርኽቲ ወልደስላሰ፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ ንኣበባ ሃይለ፣ ኣሮን ኣብርሃም፣ ሄለን መለስ፣ ፍሒራ፣ ደሃብ ፋይቲንጋ ናይ ደርፊ ግጥሚ ዝጸሓፈሎም ዘየምቲ'ዮም።

ዝኾነ ስነጥበባዊ ስራሕ፡ ንትርጉም ሰማዒኡ ወይ ኣንባቢኡ ክፉት ብምዃኑ፡ ንድምጻዊት ሄለን መለስ ዝሃባ ግጥሚ 'ኣድሃ ንበር' እትብል ደርፊ፡ ንፕሬዝደንት እታ ሃገር እያ ተደሪፋ ዝብል ትሒምሒም ነይሩ እዩ። "ኣድሃ ንበር" ግን ንመን'ያ ተደሪፋ ክንብል ሓቲትናዮ ኣብ ዕላልና።

'ሓቅኹም ኢኹም፤ ኣድሃ ንበር ንብዙሓት ክተካትዕ ይሰምዓ'የ' ብምባል፡ እቲ ዛንታ ግን ካልእ'ዩ" ይብል ደራሲ ሰለሞን ድራር።

ንዝኽሪ ስርሒት ፈንቅልን ምሕራር ከተማ ባጽዕን ዝምልከት ኣብታ ከተማ ዓመታዊ ዝኽሪ ይግበር'ዩ። ሓደ እዋን እምበኣር ኣካየድቲ፡ እቲ በዓል እተንጸባርቕ ሓንቲ ደርፊ ከዳለወሎም ይሓቱ። እንተኾነ ግን እቲ ግዜ ሓጺር እዩ ነይሩ።

እቲ በዓል ክልተ መዓልቲ እዩ ተሪፉዎ ነይሩ። እሞ ኣብዚ ሓጺር ግዜ እዚ ግጥሚ ተገጢሙ ዜማ ወጺኡዎ፡ ሙዚቀኛታት ተለማሚዶም፡ ኣጽኒዖም፡ ኣብ እስትድዮ መሊኦም ንባጽዕ ክወስዱዋ ጸቢብ ግዜ ስለዝነበረ፡ ተጨኒቐ ይሓስብ እሞ ኣብ ሓደ ነገር ይዓልብ።

ንዓይ ኣብነታዊ ዝኾነ ኣብ ባጽዕ ዝተሰውአ ብጻይ ነይሩ። ኣብ ኩናት ባጽዕ 1977 ኣብ ሕቑፎይ ዝተሰወአ ኣብነታዊ ብጻይ ነይሩ።

ንዕኡ ወትሩ ካብ ዝዝክሮም ብጾት እዩ። ብቐጥታ ኣብ ሓንጎለይ መጺኡኒ። ስለዚ ንዕኡ ብውክልና ክገጥመሉ መሪጸ። ወኪል ኩሎም ጀጋኑ ስውኣት ሰብ ቅያ ሓርነታዊ ቃልስና እዩ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ባጽዕ ርእስኻ ከተቕንዓሉ ዘይከኣል ከቢድ ውግእ እዩ ነይሩ። ሓደ ንጉሆ፡ ርእስና ክነቕንዐሉ ኣብ ዘይንኽእል ቦታ በጥ ኢልና ንሕሉ ነበርና።

ቅንዕ እንተይልካ ኩልኻ ስለ እትድብደብ ምንቅስቓስካ ከይረአ ፍሕትሕት ከይበልካ ምስ መሬት ተላሒግካ በጥ ኢልካ ኢኻ ትሕሉ።

ጸጋይ ተኽለ ኮሚሳር ሓይሊ እዩ ነይሩ። እታ ሓይሊ ቦትኣ ሒዛ'ዶ ኣይሓዘትን ክከታተል ብበጠበጥ እናተንቀሳቐሰ ኣባይ ክበጽሕ እንከሎ፡ ካብ መርከብ ዝተተኮሰ መድፍዕ ኣባና ይዓልብሞ ንሱ ከየምለሰ ኣብ ሕቑፈይ ተሰዊኡ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ደራስን ዳይሬክተርን ሰለሞን ድራር፡ ካብ ዝጸሓፎም ግጥምታት ደርፊ 'ኣድሃ ንበር' እታ ንብዙሓት እተካትዕ ስርሑ'ያ

ወጋሕታ ሰዓት ሓሙሽተ'ዩ ነይሩ። ኣብዚ ህሞት፡ ንዕኡ ከውጽእ ክብል ሓይሊ ምልእቲ ክልክም ስለ ዝኽእል፡ ን13 ሰዓት ሓቚፈዮ ውዒለ።

ጽሓይ ባጽዕ ተወሲኹዎ ደም ነቒጹ ክልቲኤና ተላጊብና፤ ምድረ ሰማይ ምስ መሰየን ጸሓይ ዓሪባ ባህሪይ ካብ ከውሊ ጸላኢ ምስገላገለና ኣብ ነብሰይ ዝነቐጸ ደሙ ዓጨጭ እናበለ ፈላልዮሙና።

ኣነ፡ እዚ ዝኽሪ ኣለኒ፤ እታ "ኣድሃ" እትብል ደርፊ እምበኣር እዚ ክውንነት እዩ ወሊዱዋ።

ኣድሃ ማለት፡ ኣዝዩ ብሉጽ ሰብ፣ ኣብነታዊ፣ ዘይቑጣዕ፣ ንነገራት ኣቕሊሉ ኣቢሉ ክሕዞም ዝፍትን ዓይነት ሰብ'ዩ።

ብህላወ ክንሪኦ እንከለና ከኣ፡ እቲ ናይ ብሓቂ ህልው ኣብ መትከሎ ዘሎ፡ እቲ ስውእ'ዩ ፡ መልእኽቲ እታ ደርፊ ንሱ እዩ" ይብል ስሙይ ኤርትራዊ ጸሓፍን ገጣምን ሰለሙን ድራር ብዝኽሪ ብጻዩ ብትዝታ ንድሕሪት ተመሊሱ።

ተወሳኺ ዛንታ