ኢንሳይክሎፐድያ ኤትዮፒካ፡ ምንጪ ሓፈሻዊ ፍልጠት-ሃገር

ኢንሳይክሎፐድያ ኤትዮፒካ Image copyright Encyclopedia Aethiopica

እቲ በብእዋኑ ዝልዓል፣ ዝዝረበሉን ዝጸሓፍን ዝነበረ ሓፈሻዊ መጽናዕትታት ኢትዮጵያ፡ ብ 1994 ኣብ ሚሺጋን (ሕ.መ.ኣ.) ብዝተጋብአ ኣኼባ-ምሁራን ኣቢሉ'ዩ ብጥርኑፍ ኣገባብ ወይ ከኣ ብመልክዕ ኢንሳይክሎፒዲያ ንኽቐርብ ዝተወሰነ።

ኣብ ሃምቡርግ (ጀርመን) ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ክፍሊ መጽናዕትታት ኢትዮጵያ ከኣ ነቲ ዝጸደቐ ሓሳብ ናብ ግብሪ ንኽትርጕሞን ክመርሖን ሓላፍነት ወሰደ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ሒደት ዓመታት እኹል ፊናንስያዊ ሓገዝ ምስ ረኸበ እቲ ስራሕ ብ 1998 ተጀመረ። እዚ ፕሮጀክት ብዝተፈላለዩ ናይ ጀርመን ትካላት ዝተመወለ ዀይኑ፡ ቀንዲ ብ'ትካል ምርምር ጀርመን' (German Research Foundation) እዩ ዝእለ። ዩኒቨርስቲ ሃምቡርግ ከኣ የካይዶ።

ክሳብ ሕጂ ሓሙሽተ ቅጽታት ዘሎዎ፡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ገጻት ዝሓዘለ፤ ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ ዝተፈላለዩን ዝተኣሳሰሩን ዛንታታት ብምጥርናፍ ኤንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ ብዚብል ስም ተሓቲሙ ንተገልገልቲ ቐሪቡ ኣሎ።

"እቲ ብዙሕ ጻዕሪ፣ ጊዜን ገንዘብን ዝሓተተ ፕሮጀክት ኣብ መፈጸምታኡ ክበጽሕ ብምኽኣሉ ሓበን'ዩ" ይብል ተጠቃሚ እቲ ኢንሳይክሎፐድያ ኤርትራዊ ተመራማሪ ዳዊት መስፍን።

እቶም ሓሙሽተ ቅጽታት ብ 2003፣ 2005፣ 2007 ከምኡ'ውን ብ 2014 በቲ ኣብ ከተማ ቪስባደን ዚርከብ ፍሉይ ናይ ምርምር መጻሕፍቲ ቤት-ማሕተም ሃራሶቪትዝ (Wiesbaden: Harrassowitz Verlag) ኢዮም ተሓቲሞም።

"ብ 1999 ዝተሓትመ፡ ንብዙሕ ሸነኻት ኣፍሪቃ ዝሽፍን ኢንሳክሎፒድያ ኣፍሪካና ዝበሃል ይሃሉ'ምበር ብዕብየት፣ ዓይነትን ዕምቈትን ምስ ኤንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ ዝመጣጠን ኣይኰነን" ይብል ንኽልቲኡ መወከሲ ሰነዳት ዝጥቀመሉ ዳዊት።

እቶም ሓሙሽቲኦም ቅጽታት ኢንሳይክሎፐድያ ኤትዮፒካ ካብ ሰላሳ ሃገራት ብዝተዋጽኡ፡ ኤውሮጳውያን፣ ኣሜሪካውያን፣ ኢትዮጵያውያን ከምኡ'ውን ሓደ-ሓደ ኤርትራውያን ጸሓፍቲ ብዘተኣማምን ብቕዓት ከምዝተጻሕፉ ዳዊት ይገልጽ።

እዞም ዓበይቲ መጻሕፍቲ ብዛዕባ ስነ-ሰብ (ኣንትሮፖሎጂ)፣ ስነ-ጥንቲ (ኣርክዮሎጂ)፣ ስነ-ዓሌት (ኤትኖሎጂ)፣ ታሪኽ፣ ጂኦግራፊ፣ ቋንቋታት፣ ስነ-ጽሑፍ፣ ስነ-ጥበብ፣ ሃይማኖት፣ ባህልን ካልእ መባእታዊ ፍልጠት ሒዞም ይርከቡ።

ካብ'ቶም ዝቐረቡ ዛንታታት መብዛሕትኦም ኣብ ዓንኬል ባህላውን ጂኦግራፍያውን ኢትዮጵያ ዝዓሰሉ ኰይኖም ንቀርኒ ኣፍሪቃ እውን ብሓፈሽኡ የጠቓልሉ።

እቶም ተሰኒዶም ዘለዉ ዛንታታት ካብ ቅድመ-ታሪኻዊ (pre-historic) እዋን ጀሚሮም ክሳብ መፋርቕ 20 ዘመን ኣጋ ምውዳቕ ደርግ ዝሽፍኑ ኢዮም ።

እቶም እታዋት (ዝኣተዉ ዛንታታት) ግቡእ መጽናዕቲ ዝተኻየደሎም፣ ብፈላጣትን ምሁራትን ዝተዳለዉ፣ ብምኩራት ኣሰናዳእቲ ዝተሓለዉ፣ ምስ መወከስትኦም (reference) ዝቐረቡ ዛንታትት ምዃኖም ኣብ ብሪቲሽ ላይብሬሪ ብዙሕ ግዜ ዘጥፍእ ዳዊት የረድእ።

ንኣብነት ...

ኣብ ኤንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ ናይ ብዙሓት ሰባት ታሪኽ ኣትዩ ንረኽቦም። ንኣብነት: ኣብ ገጽ 598 (3ይ ቅጺ) ብፕሮፈሰር ዳኒኤል ክንድየ ብዛዕባ ሎረንዞ ታእዛዝ ዝበሃሉ ኤርትራዊ ዝትውልዶም፡ ኢትዮጵያዊ ዝዜግነቶም ዲፕሎማት ዝተጻሕፈ ዛንታ ኣሎ።

ፕሮፈሶር ዳኒኤል ከንድየ ኣብ ኣርካንሳ (ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ) ዝርከብ - ሄንደርሶን ስተይት - ብዛዕባ ግጭት ኢትዮጵያን ኤርትራን (The Five Dimensions of the Eritrean Conflict 1941-2004) ዝተባህለ መጽሓፍ ዝጸሓፉ ተመራማሪ'ዮም።

እቲ ኣብ ኤንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ ዝሰፈረ ጽሑፎም ከም ዘብርሆ ከኣ፡ ሎረንዞ ታእዛዝ ናይ ንጉስ ሃይለስላሴ ቀንዲ ዲፕሎማት ነበሩ።

ጣልያን ንኢትዮጵያ ምስ ወረረ፡ ሎረንዞ ታእዛዝ ንጃንሆይ ኣሰንዮም ሓቢሮሞም ተሰዲዶም፤ ብእምነት እውን ኣገልጊሎምዎም።

ሎረንዞ ታእዛዝ፡ ጃንሆይ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዑቕባ ሓቲቶም ክነብሩ እንከለው፡ መደበር ማሕበር-ሃገራት (League of Nations) ኣብ ጂኒቫ ስለዝነበረ፡ ብጃንሆይ ተወኪሎም ኣብ ጄኒቫ ይነብሩ ነበሩ።

እቲ ጃንሆይ ኣብ ማሕበረ-ሃገራት ዘስምዕዎ ዉሩይ ዲስኩር ከኣ ብሎረንዞ ታእዛዝ ዝተጻሕፈ ምንባሩ፡ ነቲ ኢንሳይክሎፔድያ ዝተወከሰ ዳዊት መስፍን ይሕብር።

ኣብ መወዳእታ ሰላሳታት፡ ጃንሆይ ኣብ ስደት ዝነበርሉ እዋን፡ ሎረንዞ ታእዛዝ ንኢትዮጵያ ሶሊኾም ብምእታው ንጃንሆይ ናይ ስለያ ጸብጻባት የቕርበሎም ምንባሮም፡ ከምኡ እውን ኣብ ዉሽጢ ሃገር ናይ ተቓውሞ ስራሓት ንኽካየድ ሓርበኛታት ብምስጢር ከምዝወዳደቡ፡ ናብ ጎንደርን ጎጃምን ሶሊኾም ብምእታው ኣጽዋር የረክቡ ምንባሮም፡ ካብ ዉሽጢ ሃገር ንጃንሆይ ከም ንጉሶም ዝቕበሉ፡ ናይ 10,000 ሰባት ፊርማታት ብምእካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንጃንሆይ ሓንጎፋይ ኢሎም ክቕበልዎም ድልዊ ምንባሮም ከም መርትዖ ከምዘቕረቡሎም ሰነዳት ይነግር።

ብእኡ መሰረት ከኣ እዮም እንግሊዝ ንጃንሆይ ኣሰንዮም ንኢትዮጵያ ዝተመልሱ።

ሎረንዞ ኣብ ዝተፈላለዩ ሚኒስትሪታት ብልዑል ሓላፍነት ሰሪሖም'ዮም። ክሳብ ጊዜ ሞቶም (1946) ከኣ ከም ኣምባሳደር ከይኖም ሰረሖም። ኣብ መወዳእታ ሎረንዞ ታእዛዝ ብሕማም ምኽንያት ኣብ ሽወደን ዓሪፎም። ሬሳኦም ከኣ ኣብ ቅድስቲ ስላሴ ካቴድራል ብክብሪ ተቐብሩ።

ኣትሌት ማሞ ወልዴ

ማሞ ወልዴ እውን ኣብ ኢንሳይክሎፐድያ አትዮፒካ ብኽብሪ ካብ ዝተሰነዱ ስሙያት ኣትሌታት እዩ።

ኣብ ኣርባዕተ ኦሊምፒክስ፡ ብ1956 (መልበርን/ኣውስትራልያ)፡ ብ1964 (ቶክዮ/ጃፓን)፡ ብ1968 (መክሲኮ-ሲቲ/መክሲኮ)፡ ብ1972 (ምዪኒክ/ጀርመን)ንኢትዮጵያ ወኪሉ ብጕያ-ማራቶን ዝተወዳደረ ኣትሌት ነበረ። ብማራቶን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ናይ 5,000ን ብ 10,000 ሜትር-ጕያ'ውን ይወዳደር ነይሩ'ዩ።

ማሞ ካብ ኣዲስ ኣበባ 60 ኪ.ሜ. ዝርሕቀታ ድርጄል ዝተባህለት ቁሸት ብ 1932 ኢዩ ተወሊዱ። ብ 2002 ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓሪፉ።

ኣብ ሜክሲኮ ኦሊምፒክስ ወርቂ ሜዳልያ ዝተሸለመ ኣትሌት ነበረ። በቲ ዘምጽኦ ሽልማት ከኣ ጃንሆይ ኣብ ክብር-ዘበኛ ሻምበል ገበርዎ። መንግስቲ ጃንሆይ ምስ ተገልበጠ ሻምበል ናይ ስፖርት መምህር ኰይኑ ብእዋን ደርጊ ስርሑ ቀጸለ።

Image copyright Keystone-France

"እቲ ፍሉይነት ዛንታ ሻምበል ማሞ ወልዴ ንምንባብ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ኮንቱነት ፖለቲካ ስለ ዘርኢ'ዩ" ይብል ዳዊት።

ማሞ ወልዴ ብመጀመርታ ኣትሌት፡ ድሓር ከኣ ሻምበል ክብር-ዘበኛ ንክኸውን ተሾመ። ብእኡ ኣቢሉ ድማ ምስ መንግስቲ ደርጊ ስርሑ ቀጸለ። ስርሑ ድማ መእሰሪኡ ኰነ።

እቲ ኣብ ዓውዲ ጕያ ብቕዓቱ ዘመስከረ ሰብ፡ ኢሂወደግ ስልጣን ምስ ሓዘ ብ 1993 ተኣስረ። ብዙሓት ሰባት፡ ምናዳ ከምኡ ኣብ ኣህጕራውያን ውድድራት ዓወታት ዘመዝገቡ ኣትሌታት ንክፍታሕ ዓለም-ለኻዊ ጐስጓሳት ኣካየዱ፣ ከፍትሕዎ ግን ኣይከኣሉን።

ብ2003 ከኣ ፍርዱ ጨሪሱ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ወጽአ። ኣይጸንሐን፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ካብ ማእሰርቲ ምፍታሑ ዓረፈ።

ታሪኽ ...

"ታሪኽ፡ ንፍተዎ ኣይንፍተዎ ታሪኽ ምዃኑ ኣይተርፎን'ዩ። ኣብ ታሪኽ ኣትኲርና ሓተታ እነቕርበሉ ምኽንያት ኣሎ፣ ታሪኽ ተደጋማይ ስለ ዝዀነ" ይብል ዳዊት።

"ኣብ ከባቢና ታሪኽ ብ 'ምሳና ወይ ከኣ ኣንጻርና ነይሩ' ብዚብል ሓጹር'ዩ ዝጋረድ። ነቲ ዘገድሰና ወይ ከኣ ናትና'ዩ እንብሎ ከኣ ዀሊዓናን ኣጋኒንናን ከነቕርብ ነቲ ኻልእ ከኣ ኣነኢስና ናብ ጽውጽዋይ ለዊጥና ንጕሕፎ። እዚ ቅኑዕ ኣይኰነን" ክብል ርእይትኡ ይውስኽ።

ፍሉያት ትዕዝብትታት

እቲ ዝዓበየ ስራሕ እቶም ዋና-ኣሰናዳእቲ፣ ጸሓፍቲ፣ ሓተምትን ተሓባበርትን ድሮ ሰሪሖምዎ'ዮም። ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም። እቲ ዝተረፈ ስራሕ ዳርጋ መካኒካዊ'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ዝርጋሐ ኢንሳይክሎፐድያ ኤትዮፒካ ምጡን'ዩ፣ ኣብ ቤተ-ንባባት ዓበይቲ ኣብያተ ዩኒቨርሲቲ ዓለም ተሓጺሩ ይርከብ። እቶም መጻሕፍቲ ብዉሑዱ ኣብ ፈቐዶ ዩኒቨርሲቲታት ክዝርግሑ እንተዝኽእሉ ጥቕሞም ክፈሪ ምኸኣለ።

ብዝሓሸ ኣገባብ ጽልዋ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮን ካልኦት ተገልገልትን ምእንቲ ከሕድሩ መንግስቲ ዀነ ግዱሳት ናይ ረዲኤት ትካላት ካብ እንግሊዘኛ ናብ ናይ ዘቤታውያን ቋንቋታት ከተርጕምዎም እንተዝጽዕሩ ቍጽሪ ተጠቐምቲ ብዝተዓጻጸፈ ኣሃዝ ክብ ምበለ፤ ፍልጠተ ሃገር'ውን ምስኡ ምዓበየ ክበሃል ይከኣል።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ኢንሳይክሎፒድያታት በቲ ዘሎ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ተሓጊዞም ኣብ መስመር-ኮምፕዩተር ብምእታው ቅጽበታዊ ኣፍደገ ብምኽፋት (online access) ንዓሰርተታት ኣሽሓት ተገልገልቲ ተምሃሮ ኣገልግሎት ይህቡ'ዮም።

ኢንሳይክሎፐድያ ኤትዮፒካ'ውን ብኸምኡ ኣገባብ እንተዝቐርብ ጽቡቕ ነይሩ።

Image copyright Encyclopedia Aethiopica

እቶም ብዛዕባ ኤርትራ ዘውስኡ እታዋት ምስእተንብብ፡ እቶም ኣዳለውቲ ሰብ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘይኰኑ፡ ሰብ ዓቢ ቍምነገር ምዃኖም፤ እቶም ዛንታታት ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብብዙሕ ሸነኻቶም ከም ዝተኣሳሰሩ ከምዘርእይ፤ እቲ ኢንሳይክሎፐድያ ብሕጂ እውን ብናይ ሓባር መጽናዕትታት ዝህነጹ ከሳልዩና ዝኽእሉ ድልድላት ከምዘለው ዘመስክር ጕዳይ ከምዘሎ የረድእ ዳዊት።

ኢንሳይክሎፐድያ ኢትዮፒካ፡ ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገበሩ ስሙያትን ኣብ ምዕባለን ዕቤትን እታ ሃገር ኣበርክቶ ናይ ዝገበሩ ሰባትን ናይ ፍጻሜታት ዛንታ ዝሓቖፈ ሰነድ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት