ዚምባብወ ልዕሊ 200 ዶኳትር ካብ ስራሕ ሰጒጓ

ተቓውሞ ዶካትር Image copyright Getty Images

ዚምባብዌ ብምኽንያት እቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኣድማ 211 ዶካትር ካብ ስራሕ ከምዘባረረት ተገሊጹ። እቶም ዶኳትር ዝሓሸ መሃያ ብምጥላብ እዮም ኣድማ ዘካይዱ ዘለዉ።

ቦርድ ጥዕና እታ ሃገር ፡ እቶም ዶካትር ንሓሙሽተ መዓልትን ልዕሊኡን ''ብዘይ ፍቓድን እኹል ምኽንያትን'' ኣብ ስራሕ ቦተኦም ብዘይ ምርካቦም ጥፍኣተኛታት ከምዝኾኑ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝተጀመረ ኣድማ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ትካላት መንግስቲ ካብ ዘገልግሉ 1601 ዶኳተር እቶም ሲሶ ዝኾኑ ብስነ ምግባር ከምዝተኸሰሱ ወይ ክሲ ከምዝጽበዮም ቦርድ ጥዕና ዚምባብወ ይገልጽ።

በቲ ተቓውሞ ሓያሎ ሆስፒታላት እታ ሃገር ዝተሃሰያ ኮይነን ናይ ህጹጽ እዋን ግልጋሎታት ጥራሕ ይህባ ከምዘለዋ እዩ ዝንገር።

እታ ብቑጠባዊ ቅልውላውን ዝቕባበን እትህሰ ዘላ ሃገር፡ ነቶም ተቓወምቲ መሃያ ንምውሳኽ ዓቕሚ ከምዘይብላ እዩ መንግስቲ እታ ሃገር ዝገልጽ።

እቲ ሐዚ ዘሎ መሃያ ዶካትር እታ ሃገር ናይ ምግዛእ ዓቕሙ ናብ ትሕቲ 100 ዶላር ኣመሪካ ወሪዱ እዩ።

ሊንድሰይ ሮበርትሰን ዝተብህለ ዚምባብያዊ ዶክተር፡ ''እቲ ዝኽፈለና መሃያ ንመግቢ ይኹን ገዛ ክራይ እኳ ኣይኣክልን'' ክብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ