ኢትዮጵያ፡ ናይ ጽላኣት ዘረባን ምልባዕ ስኑዕ ሓበሬታን ዝኽልክል ሕጊ ክተጽድቕ እያ

ኣብዪ ኣሕመድ Image copyright PMOFFICE

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ጥቅምቲ 29/2012 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣኼብኡ፡ ናይ ጽልኣት ዘረባን ምልባዕ ሓሶት ሓበሬታን ንምቁጽጻር ዝተዳለወ ኣዋጅ ተመያይጡ ንክጸድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መሪሑ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ከምዝገለጾ፡ ናይ ጽልኣት ዘረባን ምልባዕ ሓሶት ሓበሬታን ዘስዕብዎም ጸገማት በቶም ሐዚ ዘለዉ ሕግታት ክፍታሕ ስለዘይክል 'ዩ እዚ ኣዋጅ ወጺኡ ዘሎ።

እቲ ረቒቕ ኣዋጅ ብላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ተዳልዩ እዩ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ቀሪቡ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ድማ ተመያይጡን ምትዕርራይ ገይሩን ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ መሪሕዎ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይቲ ሕብረተሰብ ጸጋታት ብምኽንያት ናይ ጽልኣት ዘረባታትን ናይ ሕሶት ሓበሬታታትን እናተጓሕጉሑን ነታ ሃገር ድማ ኣብ ስግኣት እናውደቑዋን ከምዘለዉ መግለጺ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ይሕብር።

እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተመርሐ መበል 75 መደበኛ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት፡ ካብዚ ብተወሳኺ መተሓዳደሪ ደንቢ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፋውንዴሽን ምክልኻል ሰራዊት ንምምስራት ዝወጸ ረቒቕ፣ ደንቢ መተሓዳደሪ ፌደራልን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዝዝርጋሕ መስመር መተሓላለፊ ተፈጥሮ ጋዝ ዝተገብረ ስምምዕን ኣመልኪቱ ውሳነ ኣተሓላሊፉ እዩ።

ተወሳኺ ዛንታ