ኣሻሓት 'እንቋቖሖ' ዝጫጨሐ በረድ

በረድ Image copyright Risto Mattila

ኣብ ገማግም ባሕሪ ፊንላንድ ፍሉይ ኩነታት ኣየር እቲ ከባቢ፡ ቕርጺ-እንቋቖሖ ዘለዎ መልክዕ በረድ ፈጢሩ።

ርስቶ ማቲላ ዝተብሃለ ኣማተር ሰኣሊ፡ እዚ ቅርጽታት እንቋቖሖ ዝፈጠረ በረድ ኣብ መንጎ ሃገራት ፊንላንድን ስዊድንን ዝርከብ ወሽመጥቦትንያ ተረኺቡ ዘልዐሎ እዩ።

ሰብሞያ እዚ ዘስደምም ቅርጽታት በረድ፡ ብሓይሊ ንፋስን ማይን ዝተንከላለወ ቁርጽራጽ በረድ ዝፈጠሮ ከምዝኾነ ይግምቱ።

ነባሪ ከተማ ኦይሉ ዝኾነ ማቲላ፡ ቅድሚ ሕዚ ከምዚ ዓይነት ቅርጺ ርእዩ ከምዘይፈልጥ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ምስ ሰበይተይ እየ ነይረ። እቲ ኩነታት ኣየር ጸሓይ ዝበዝሖ እዩ ነይሩ። ዋዒ እቲ ከባቢ ዳርጋ ኣሉታ ሓደ ድግሪ ሴንቲግሬድ ነይሩ። ብርግጽ ሓያል ንፋስ'ውን ነይሩ" ኢሉ።

"ሽዑ ድማ እዚ ዝገርም ክስተት ርእይና። ኣብቲ ወሰና ወሰን፡ ብዙሕ በረድ ነይሩ፤ ቅርጺ እንቋቖሖ ዝሰርሐ"።

ማቲላ ከምዝበሎ፡ እቲ እዚ ቅርጺ ዝሓዘ በረድ ዳርጋ 30 ትርብዒት ሜትር ዝሸፈነ እዩ። እቲ ዝነኣሰ ዓቐኑ'ውን ክንዲ እንቋቖሖ እዩ ዝኣክል።

እቲ ዝዓበየ ድማ፡ ክንዲ ኩዕሶ እግሪ ይኸውን።

"ክትሪኦ ብጣዕሚ ሰሓባይ እዩ። ኣብዚ ከባቢ ን25 ዓመታት ነቢረ እየ። ከምዚ ዓይነት ነገር ርእየ ኣይፈልጥን"ኢሉ ብኣግራሞት።

"ኣብ ኢደይ ካሜራ ስለዝጸንሐኒ ድማ፡ እዚ ዘይተለመደ ክስተት ንመጻኢ ወለዶ ይጠቅም ይኾን ኢለ ስእሊ ናብ ምልዓል ኣትየ"።

በዓል ሞያ ትንበያ ኩነታት ኣየር ቢቢሲ፡ ጆርግጅ ጉድፊለው፡ ከምዚ ዓይነት ክስተት ዝፍጠር ሓያል ዛሕልን ንፋስን እንትህሉ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ኣብ ጸፍሒ ባሕሪ ዝፍጠር በረድ፡ ባዕሉ ንባዕሉ እናተላተመ፡ ከምዚ ዓይነት ክቢ ቅርጺ ድማ ይሰርሕ። ካብኡ ድማ ሓያል ማዕበል እንትመጽእ ናብቲ ገማግም ባሕሪ ይግልፎ- ኢሉ።

ቅድም ክብል ኣብ ወሰና ወሰን ባሕርታት ሩስያን ቺካጎን [ኣመሪካ] ተራእዩ ከምዝነበረ ይዝረብ።

ካብ ኩዕሶ ቴኒስ ክሳብ ሓደ ሜትር ቁመት ነይሩዎም።

Image copyright Ekaterina Chernykh
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ሳይበርያ
ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ኢንጅነራት ካብ ሂማልያ ዝወርድ ኩምራ-በረድ ሰብ ሰራሕ ማይ የመንጭው

ተወሳኺ ዛንታ