ኣብ ቦርሳ ሓደ ናይ ታሪኽ ፕሮፈሰር፡ ኢድ ጓል-ኣንስተይቲ ተረኺቡ

ኦለግ ሶኮሎቨ Image copyright EPA

ሩስያዊ ፍሉጥ ናይ ታሪኽ ፕሮፈሰር፡ ተምሃሪቱ ንዝነበረት ኣፍቃሪቱ ከም ዝቐተለ ተኣሚኑ። ንሱ፤ ኢድ ናይታ ኣፍቃሪቱ ኣብ ቦርሳ ሒዝዎ እንከሎ እዩ ኣብ ሩባ ተታሒዙ።

እዚ ኦለግ ሶኮሎቨ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወዲ 63 ዓመት ፕሮፈሰር፡ ነቲ ክፍሊ ኣካላታ ክጉሕፎ ናብ ሩባ'ኳ እንተኸደ፡ ሰኺሩ ስለዝነበረ ኣብቲ ሩባ ወዲቑ።

ድሕሪኡ፡ ፖሊስ፡ ዝተጐዘየ ኣካል ኣናስታስያ የሸንኮ ዝተባለት ፍቃሪቱ (ጓል 24 ዓመት) ኣብ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ረኺቡ።

ፕሮፈሰር ሶኮሎቨ፡ ኣብ ናፖልዮንያን ዝተባሃለ ዓውደ-ትምህርቲ ምኩር ብምዃኑ፡ ካብ ሃገረ ፈረንሳ ዝዓበየ ክብሪ ዝተቐበለ እዩ።

ጠበቕኡ ንኤ.ፈ.ፒ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ፕሮፈሰር ገበነኛ ምዃኑ ተኣሚኑ ክብል ተዛሪቡ።

ፕሮፈሰር ሶኮሎቨ ንፖሊስ ከም ዝሓበሮ፡ ንኣፍቃሪቱ ኣብ ክትዕ እንከው ከም ዝቀተላን፡ ኣካለታ ከም ዝጐዛዘዮን ሓቢሩ።

ንሱ፡ ንሬሳ እታ ኣፍቃሪቱ ጉሒፉ፡ ከም ናፖልዮን ተኸዲኑ፤ ኣብ ኣደባባይ ነፍሰ-ቅትልት ክፍጽም መደብ ከምዝነበሮ ገሊጹ።

እዚ ናይ ታሪኽ ምሁር ብዛዕባ ናፖልዮን ብዙሓት መጸሓፈቲ ከምዝጸሓፈ፡ ከምኡ'ውን ናይ ታሪኽ ኣማኻሪ ከም ዝሰርሐን ተፈሊጡ።

ንሱን ኣፍቃሪቱን፡ ብሓሳብ ኮይኖም ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ኣፍርዮም እዮም።

ናቱ ተምሃሮ፡ ተውህቦ ዘለዎ ክብሉ ይግልጽዎ። እቲ ፕሮፈሰር፡ ቋንቋ ፈረንሳ ዝዛረብን፡ ኣባል ዝተፈላለዩ ትካላት መጽናዕቲን እዩ ነይሩ።