ፈረንሳ፡ ፋይናንሳዊ ጸገም ኣጋጢሙኒ ዝበለ ተምሃራይ ንነብሱ ብሓዊ ኣቃጺሉ

ኣምቡካንስ ፈረንሳ Image copyright Getty Images

ወዲ 21 ዓመት ፈረንሳዊ ተመሃራይ ንነብሱ ሓዊ ምስ ኣቃጸለ፡ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እቲ ተመሃራይ ኣብ ቅድሚ ቤት-ብልዒ ዩኒቨርሰቲ ንነብሱ ብሓዊ ቅድሚ ምቅጻሉ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝጠቅዖ መልእኽቲ፡ ከቢድ ፋይናንሳዊ ጸገም ከምዘጋጠሞ ገሊጹ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፣ ሕብረት ኣውሮጳን ጸጋማውያን ክንፊ ፖሎቲከኛታት "ከም ዝቐተልዎ" ብምግላጽ ንሞቱ ተሓተትቲ ይገብር።

ሰራሕተኛታት ሓደጋ ባርዕ ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ መንእሰይ ብኸቢድ ኩነታት ኣካሉ ተቓጺሉ ይርከብ።

ንሱ ኣብቲ ናይ ፌስቡክ ጽሑፉ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ንወርሒ 388 ዶላር እናረኸበ ናብርኡ ምምራሕ ክጻወሮ ከምዘይክእል'ዩ ገሊጹ።

"ኣንጻር'ቲ ዝኸፋፍለና ዘሎ ፋሽስትነትን. . . ማዕርነት ዘይብሉ ሊበራሊዝምን ንቃለስ" ክብል'ውን ጽሒፉ።

ነቲ ተግባር ዝፈጸመሉ ቦታ ድማ ቀልቢ ብዙሓት ክስሕብን ፖለቲካዊ ዛዕባ ንምፍጣርን ብምዕላም ከም ዝኾነ ገሊጹ'ዩ።

ንሱ ብዛዕባ'ቲ ክፍጽሞ ዝሓሰበ ኣቐዲሙ ንኣፍቃሪቱ ብጽሑፍ ሓቢርዋ ስለዝነበረ፡ ንፖሊስ ኣፍሊጣ ነይራ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ