መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ነቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ዝተፈጠረ ክስተት ኮኒኑ

ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ Image copyright Woldia University Facebook page

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዩኒቨርሰቲ ወልድያ ኣብ ሞንጎ ተመሃሮ ብዝተወልዐ ጎንጺ ዛጊት ክልተ ተምሃሮ ከምዝተቐተሉን፤ ዝቖሰሉ ድማ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰዱን ተሓቢሩ።

ዘዘራረብናዮም ተመሃሮን መምህራንን'ቲ ዩኒቨርሲቲ፡ በቲ ናይ ብሄር ትሕዝቶ ዝነበሮ ጎንጺ፤ ክልተ ተምሃሮ ከም ዝተቐተሉን ብዙሓት ከም ዝቖሰሉን ገሊጾም።

ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓደ መምህር፡ በቲ ትማሊ ዝተፈጠረ ጎንጺ ክልተ ተምሃሮ ከም ዝሞቱ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ደዊሉ ከረጋግጽ ከም ዝኸኣለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ "ዛጊት ዘለና መረዳእታ በቲ ዝተፈጸመ መውቃዕቲ ክልተ ተምሃሮ ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ'ሎ" ኢሉ።

ካልኦት ብዙሓት ተምሃሮ'ውን ጉድኣት ከም ዝበጽሖም ዝሓበረ ኣይተ ሽመልስ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ዝርከቡ ተምሃሮ ተሰናቢዶም ኣለዉ ክብል ሓቢሩ።

"ገለ ሰልፍታት ፖለቲካ ስልጣን ንምሓዝን ሓሳባቶም ብሓይሊ ናብ ህዝቢ ንምስራጽን ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ" ክብል'ውን ገሊጹ።

በቲ ትማሊ ምሸት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተሓተትቲ ዝኾኑ ኣካላት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ምስ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ይሰርሑ ምህላዎም እቲ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ካብ ሆስፒታል ዝረኸብናዮም ምንጪታት ድማ 14 ተመሃሮ ቆሲሎም ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ወልዲያ ከም ዝመጽኡ ኣረጋጊጾም።

ሓደ ሰራሕተኛ'ቲ ሆስፒታል "ሎሚ [ሰንበት] ንጉሆ ሰዓት 2፡30 [ኣ.ኢ] ናብ ስራሕ ኣትየ። ካብ 14 ክሳብ 15 ዝኾኑ ጉድኣት ዘጋጠሞም ተምሃሮ ኣብዚ ሆስፒታል ሓገዝ ሕክምና ይረኽቡ ኣለዉ" ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ተምሃሮ ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ከም ዘጋጠመ ዝሓበረ እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለ ሰራሕተኛ ሆስፒታል ወልዲያ፡ እቲ ጉድኣት ብመውቃዕቲ ዘጋጠመ ከም ዝኾነ ኣረዲኡ።

ኣብቲ ጉዳይ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ምምሕዳር ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ ተወሳኺ መረዳእታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ክሰምረልና ኣይከኣለን።

ሓላፊ ሓለዋን ድሕነትን እቲ ዩኒቨርሲቲ ሻምበል መንግስቱ፡ ብዛዕባ'ቲ ዝተፈጠረ ጎንጺ ሓቲትናዮም "መረዳእታ የብለይን" ዝብል መልሲ ሂቦምና።

መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ኣምሓራ፡ ንዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ወሎ ኣይተ ወልደትንሳኤ መኮነን ጠቒሱ ኣብ ዘቃልሖ ዜና፡ ተመሃሮ ጸዋታ ኩዕሶ እግሪ [ብቴሌቪዥን] ክርእዩ ኣምሲዮም ክምለሱ ከለዉ ብዝተፈጠረ ጎንጺ፡ ክልተ ተምሃሮ ከምዝተቐተሉን ኣብ ልዕሊ ሸሞንተ መጉዳእቲ ከምዘጋጠመን ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ