ጽልዋ ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እንታይ ይመስል?

ኣዛዚ ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣዛዚ ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ

ኣዛዚ ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ዒራቕ ተቐቲሉ።

እዚ ወዲ 62 ዓመት ጀነራል፡ ከም ቀንዲ ሃንዳሲ ረብሓታት ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ሰብ እዩ። ኣመሪካ፡ ኢራን ኣብቲ ዞባ ዓቢ ጽልዋ ንኸይትገብር ምስ መሻርኽታ ብዙሕ ክትሰርሕ ጸኒሓ እያ።

ብዙሓት ሃገራት ዓረብ እውን ጽልዋ ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንክድረት ምስ ኣመሪካ ሓቢረን ክሰርሓ ጸኒሓን እየን።

ቅድሚ ሳልስቲ፡ ኣብ ከተማ ኪርኩክ ናብ ዝርከብ መዓስከር ኣመሪካ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ኣመሪካዊ ክቕተል እንከሎ፡ ካልኦት ሓያሎ ሰባት'ውን ቆሲሎም። ከም ግብረ-መልሲ ድማ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ብውሕዱ 25 ዕጡቓት ኣባላት ጉጅለ ሕዝቡላህ ቀቲላ።

በዚ መጥቃዕቲ ዝተቖጥዑ ዒራቓውያን ድማ ንኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ርእሰ ከተማ ባቕዳድ ኣጥቂዖም። ኣመሪካ፡ ብዒራቓውያን ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞን መጥቃዕትን፡ ብኢራን ዝተጀመረ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ "ኢራን ከቢድ ዋጋ ከም እትኸፍለሉ"ኣጠንቂቁ ነይሩ።

ብዛዕባ ጽልዋ እዚ ጉጅለን እቲ መራሒኡን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከምኡ'ውን ስለምንታይ ኣብ ዓይኒ ኣመሪካ ከምዝኣተወ ዝምልከት ዘሰናዳእናዮ ትነታነ ይስዕብ።

ኢራን፡ ኣንጻር እታ መቀናቕንታ ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝግበር ስተራተጂካዊ ጽልዋ፡ ብገፊሕ ትዕወት ከም ዘላ፡ ኣብ ሎንደን ዝመደበሩ ዓለም-ለኻዊ ትካል ስትራተጂካዊ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

እታ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ፡ ቀንዲ ተወዳዳሪት ኢራን ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ፡ ቢልዮናት ዶላራት ዝዋግኡ ኣጽዋር ምዕራባውያን ብቐንዱ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ትሽምት።

ይኹን'ምበር እታ እገዳ ምዕራባውያን ሃገራት ተነቢሩላ ዘሎ ኢራን፡ ነቲ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ዝግበር ዘሎ ውድድር ናብ ረብሓኣ ክትቕይሮ ክኢላ ኣላ።

ኢራን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሶርያ፤ ሊባኖስ፤ ዒራቕ ከምኡ'ውን የመን ኣገዳሲ ዝኾነ ጽልዋ ከምዘለዋ ይግለጽ።

ዛዙ ዘሎ ሓይሊ ሚዛን

ኢራን፡ ብሰላሕታዊ መንገዲ ምስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለው ዘይመንግስታውያን ጉጅለታት ዘይብተኽ ምሕዝነት ክትምስርት በቒዓ ኣላ።

ካብ 1979፡ ኣያቶላ ኮመኒ ናብ ርእሰከተማ ቴህራን ካብ ዝምለስ ጀሚራ፡ ኢራን፡ ነቲ እስላማዊ ሰውራዊ ስነ-ሓሳባ ካብ ዶባታ ወጻኢ ብምስፋሕ፡ ምስ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ዕጡቕ ጉጅለ 'ሕዝቦላህ' ክትስርሕ ጸኒሓ።

እቲ 217 ገጻት ዘለዎ "ናይ ኢራን መርበብን ጽልዋን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ" ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ፡ ብዛዕባ ኢራንን ወተሃደራዊ ዕማማታን ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ዝርዝራዊ መጽናዕቲ ሑዙ ይርከብ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ እስላማዊ ሪፓብሊክ ኢራን፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ናይ ሓይሊ ሚዛን፡ ኣብ ረብሓኣ ቀይራቶ ከም ዘላ ይሕብር።

እቲ ጸሓፋይ ከምዘመልክቶ፡ ኢራን፡ ነዚ ክትዕወተሉ ዝኸኣለት፡ ምስ 'ሳልሳይ ኣካል' ሓይልታት ብምስራሕን፡ ብተዓጻጻፊ ዝኾነ ምስጢራዊ ጽልዋታት ብምጥቃምን ምዃኑ ይምጉት።

እቲ ቀንዲ ሕመረት ናይዚ ዓወት ድማ፡ ኣብቲ ኣካል ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ዝኾኑ 'ኩዱስ' ዝተባህሉ ሓይልታት ዝተመርኮሰ እዩ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ እዚ ሎሚ ዝተቔተለ መራሒ ሓይልታት ኵዱስ ሜጀር ጀነራል ቃስም ሱለማኒ

እዞም ሓይልታትን መራሒኦምን መጀር ጀነራል ቃስም ሱለማኒን፡ ብእስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣያቶላህ ሰይድ ዓሊ ካማነይ እዮም ዝምርሑ።

ኣብ 2003 ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝምራሕ ኪዳን፡ ንሳዳም ሑሴን ምስ ኣለይዎ፡ ኵዱስ ዝተባህሉ ሓይልታት ኢራን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ምዕላምን፤ ገንዘብን ኣጽዋርን ኣብ ምዕዳል ተዋፊሩ ይርከብ።

እዚ ሓይሊ እዚ፡ ልሙድ ብዘይኮነ መንገዲ ኣብ ምምዕባል ሰብ ኣልቦ ነፈርትን፡ መርበባዊ (ሳይበር) መጥቃዕትን'ውን ይነጥፍ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣብ መዝገብ ግብረ-ሽበራ ከምዘእተዎ ይዝከር።

ኢራን'ውን ብወገና፡ ነቲ ኣብ ወሽመጥ ዝርከብ ሰራዊት ኣሜሪካ ከም ኣሸባሪ ጉጅለ ከም እትሪኦ ኣፍሊጣ። ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣሜሪካ ከኣ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ።

ኢራን፡ ብዛዕባ እቲ ዝወጽአ መጽናዕቲ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ እቲ መጽናዕቲ ብዛዕባ ኢራን ዝተጻወተቶ እወንታዊ ግደ ዝዛረብ እንተኾይኑ ከም እትቕበሎ ብምግላጽ፡ ኣኽብሮት ከምዝግባኣ ኣመልኪታ።

"ንኢራን ጎስዩ ዝሰርሕ ፖሊሲ ኣይሰርሐን። ኢራን ንኹሉ ተጻብኦታት መኪታ፡ ብኣሜሪካ ንዝተነብረላ ቁጠባዊ ግብረ-ሽበራ ተቖጻጺራ ሓይላ ኣመስኪራ። ምስ ከምኣ ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ጽቡቕ ዝምድናን ዞባዊ ምትሕብባርን ኣለዋ" ክብል ኣብ ሎንደን ዝርከብ ኤምባሲ ኢራን ገሊጹ።

ቦላህ መሻርኽቲ ኢራን

ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ጉጅለ ሕዝቦላህ፡ ካብቶም ቀንዲ መሻርኽቲ ኢራን ዝኾኑ ጉጅለታት ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ የመልክት።

ብኣባላት ኣመንቲ ሺዓ ዝቘመ ሓይልታት ሕዝቦላህ፡ ብኢራን ተወዲቡ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት እናኣተወ ውግእ ከምዘካይድ ይፍለጥ።

ሰራዊት ሕዝቡላህ ኣብ ጐኒ መንግስቲ ሶርያን ምልሻታት ኢራንን ተሰሊፉ ኣብ ሶርያ ንሓያሎ ዓመታት ክዋጋእ ምጽንሑ ይግለጽ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እስላማዊ ሪፓብሊክ ኢራን፡ ልዕሊ 150 ሽሕ ስሩዓት ወተሃደራት ከምዘለዎ ይግለጽ

ዒራቕን ሶርያን

ብኣሜሪካ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ኪዳን ንዒራቕ ምስ ወረራ፡፡ ቀጺሉ ድማ ንሳዳም ሑሴን ምስ ኣለዮ፡ ማእካላይ ምብራቕ ቅርጹ ብምቕያር፡ ንኢራን ሰፊሕ ዕድላት ፈጢሩላ።

ቅድሚ እቲ ወራር፡ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ዝነብራ መንግስታት ሱኒ፡ ንዒራቕ ካብ ምስፍሕፋሕ ኢራን፡ ከም ዕርዲ ይጥቀሙላ ነይሮም።

ሕጂ እቲ ዝነበረ ዕርዲ ብምፍራሱ፡ ኢራን ነዚ ዕድል ኣብ ረብሓኣ ብምቕያር፡ ኣብ ውሽጢ ዒራቕ ሃይማኖታውን ባህላውን ርክብ ብምፍጣር፡ ከም ዓቢ ሓይሊ ኮይና ትርከብ።

ኢራን ኣብ ምምልማልን ምምዕባልን ወተሃደራት ዒራቕን ከምኡ'ውን ኣንጻር ዳዕሽ ኣብ ዝግበር ውግእ ብዙሕ ከምዝተሳተፈት ይንገር።

እንተኾነ ግን፡ ብዙሓት ዒራቓውያን ምትእትታው ኢራን ብምቁዋም፡ ኣንጻር እቲ ብመንግስቲ ኢራን ዝድገፍ መንግስቲ ዒራቕ ናዕቢ ከካይዱ ቀኒዮም ኣለው።

መንግስቲ ሶርያ'ውን ቀንዲ ዓርኪ ኢራን እዩ። እዛ ብውግእ ሓድሕድ ተሓሚሳ ዘላ ሃገር፡ ሓይልታት ኢራን፤ ሂዝቦላህ ከምኡ'ውን ሩስያ፡ ንመንግስቲ በሽር ኣልኣሳድ ካብ ተቓወምቲ ሓይልታት ከድሕንዎ ኪኢሎም ኣለው።

እቲ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ኢራን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሶርያ ተወቲፋ፡ ንእስራኤል ጸገም ፈጢራትላ ከምዘላ የመልክት።

ምፍራስ ተንቲ ሓይልታት

ኢራን፡ ኣሜሪካ ነቲ ዞባ ገዲፋቶ ክትወጽእ እሞ፡ ኣብቲ ከባቢ ዓብላሊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክትከውን ምፈተወት ነይራ። እንተኾነ ግን፡ ስዑዲ ዓረብ፤ ባሕሬን፤ ከምኡ'ውን ኢማራት ዓረብን፡ ኣሜሪካ ጠቕሊላ ክትወጽ ኣይደልያን እየን።

ኣብ 2011 እቲ ብዓረባዊ ቀውዒ ዝጽዋዕ ህዝባዊ ናዕቢ ምስ ተጀመረ፡ ኢራን ነቲ ኩነታት ተጠቒማ፡ ነቲ ኣብ ባሕሬን ዝተጀመረ ናዕቢ ኢዳ ከምዘእተወትሉ ትሕመ እያ። ንገለ ኣብ ባሕሬን ዝነበሩ ጉጅለታት'ውን ክተዕጥቕ ኪኢላ እያ።

እቲ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፤ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ስለምንታይ ኢራን ነዞም ጉጅለታት ተዕጥቖምን ገንዘባዊ ሓገዝ ትገብረሎም፡ ኣብ ባሕሬን፤ ስዑዲ ዓረብ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኩዌት መንግስታት ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ክብል ይገልጽ።

ናይዘን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ ሃገራት ድኽመት፡ በዘን ክልተ ዓበይቲ ትካላት ነዳዲ ሱዕዲ ዓረብ ብሰብ ኣልቦ በረርቲ ምስ ተቓጸለ ተፈዲሑ (ተቓሊዑ)።

ዋላ እኳ ስዑዲ ዓረብ ብሚልዮናት ዶላራት መከላኸሊ ጸረ-ሳይል እንተሸመተት፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ግን ጠጠው ክተብሎ ኣይከኣለትን።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢራን ኣንጻር ዳዕሽ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ፡ ኣብ ጎኒ ዒራቕ ብምዃን ተቓሊሳ እያ

ኣብቲ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብን፣ ማእከላይ ምብራቕን ንዝጸንሐ ወጥሪ ብዝበኣሰ ኣጋዲዱዎ እዩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ኢድ ኢራን ኣለዎ ዝብል መርገጺታት፡ ኣመሪካ ዝመራሒተን ሓያሎ ሃገራት፣ ካብ የመን ናብ ኢራን ከዝብሎ ከምዝኽእል ትንታነታት ተዋሂብዎ እዩ። እንተኾነ ግን፡ ኢራን ነቲ ክሲ ነጺጋቶ እያ።

"ኢራን ብወተሃደራዊ ሓይሊ ምስ ስዑዲ ዓረብ ክትወዳደር ኣይትኽእልን እያ። እንተኾነ ግን፡ ዋላ እውን በቲ ዘይመጣጠን ወተሃደራዊ ዕጥቂ ድልየታት ክተውሕስን፡ ካብ ካልኦት ተጸብኦታት ነብሳ ክትከላኸል ክኢላ እያ" ይብል እቲ መጽናዕቲ።

የመን

ኣብ 2014፡ የመን ኣብ ውግእ ምስ ኣተወት፡ ኢራን ብዙሕ ዝጋነን ኢድ ኣይነበራን። እንተኾነ ግን፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ 2015፡ ኣንጻር ሑቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ምስ ጀመረት፤ ኢራን ንሑቲ ንምሕጋዝ ኢዳ ኣእቲያ።

"ኢራን ኣጽዋር ብምሃብ ኣብቲ ስትራተጂካዊ ቦታ ህላውነታ ኣረጋጊጻ" ይብል እቲ መጽናዕቲ።

የመን ናይ ብሓቂ ንስዑዲ ዓረብ ኣዳኺማታ እያ። ስዑዲ ዓረብ ሚልዮናት ዘጥፍኣትሉ ሚሳይላት ኣባኺና።

ኣብዚ ኣዕናዊ ዝኾነ ውግእ ሰዓሪ የለን። እቲ ናይ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ቀንዲ ዕላማ ግን፡ ኢራን ኣብ ጎደብኦም ኢዳ ንከይትእቱ ንምኽልካል ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ዝለዓለ ውጽኢት ብውሑድ ዋጋ

እቲ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝህሉ፡ ኢራን መስመራ ከምዘይትቕይር ይገልጽ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ድሕሪ 2015 ኢራን ንዕጡቓት ሑቲ ክትድግፍ ጀሚራ

ኣብ 2015 ዝተኸተመ ኑክሌራዊ ስምምዕ፡ ኢራን ንተካይዶ ንዩክለራዊ መደባት ክትቅንሶን፡ ኣምሳያኡ ኣብ ልዕሊኣ ጸኒዑ ዝጸንሐ እገዳታት ብኸፊል ክለዓል ዝእዝዝ እኳ እንተዀነ፡ ኣመሪካ ግን ካብቲ ውዕል ኣንሳሒባ።

እዚ ከኣ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ቁጠባዊ እገዳ ገይራ፡ ሓዲሽ ኒኩለራዊ ስምምዕ ክትገብር ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

እንተኾነ ግን፡ ኢራን በቲ ንሳ ትድግፎ ጉጅለታት ገይራ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓያል መጥቃዕቲ ክትፍኑ ከምእትኽእል ምንጭታት ይገልጹ።

እቲ ቀንዲ ጉዳይ፡ ድሕሪ 40 ዓመት በብቑሩብ፡ ብገንዘብን ንዋትን፤ መሻርኽቲ ብምፍጣር፤ ኢራን ዝሓየለ ቦታ ሒዛ ትርከብ።

እቲ ኣብ ኢራን ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ንህዝቢ ኢራን ሓደጋ እዩ። ብቁጠባ ደረጃ፡ ከኣ ኢራን፡ ኣብ ዝኸፈኣ ኩነታት ትርከብ።

እንተኾነ ግን፡ እዚ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ብውሑድ ገንዘብ ዓቢ ውጽኢት ከመዝግብ ዝኽእለሉ መርበብ መስሪቱ ምህላው እቲ መጽናዕቲ የረድእ።