ኢራን ልዕሊ 50 ቢሊዮን በርሚል ድፍድፍ ነዳዲ ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ

ትቦ ነዳዲ Image copyright Getty Images

ፕረዚደንት ኢራን ሓሰን ሮሃኒ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን ኩዝታን ዝተበሃለት ኣውራጃ፡ 53 ቢልዮን በርሚል ሃብቲ ነዳዲ ከም ዝተረኸበ ኣፍሊጡ።

እቲ ነዳዲ ዝተረኸበሉ ቦታ ከባቢ 2400 ትርብዒት ኪሎሜትሮ ስፍሓት ይሽፍን።

ኢራን ብሰንኪ ኣሜሪካ ዘንበረቶ ማዕቐብ ነዳዲ ናብ ደገ እናለኣኸት ክትሸይጥ ትጽገም ዘላ ሃገር'ያ።

ፕረዚደንት ሮሃኒ "ንኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ኢራን ማዕቐብ'ኳ እንተንበርኩም፡ መሃንዲሳትናን ሰራሕተኛታትናን 53 ቢልዮን በርሚል ነዳዲ ክረኽቡ ከም ዝኸኣሉ ክነግሮም እደልይ" ኢሉ።

እቲ ዝተረኸበ ነዳዲ ኣብታ ሃገር ብኻልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ዕቑር ሃብቲ ክኸውን'ዩ። ኣህቫዝ ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ ዘሎ ብመጠኑ ቀዳማይ ዝስራዕ፡ 65 ቢልዮን በርሚል ዝሓዘ ምዃኑ ጸብጻብ ወኪል ዜና ኣሶሺየትድ ፕረስ (ኤፒ) የመልክት።

ኢራን ኣብ ዓለምና ብሃብቲ ነዳዲ ካብ ዝፍለጣ ሃገራት ኮይና፡ ካብ ዓመታዊ መሸጣ ብቢልዮን ዶላር ዝግምት ኣታዊ ትረክብ።

እቲ ፕረዚደንት ከም ዝሓበሮ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዘሎ ክዙን ድፍድፍ ነዳዲ 150 ቢልዮን በርሚል ይበጽሕ። እዚ ድማ ኣብ ዓለም ብራብዓይ ደረጃ ክትስራዕ ይገብራ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ነቲ ብ2015 ኢራንን ካልኦት ሽድሽተ ሃገራትን ዝበጽሕኦ ስምምዕ ኒኩሌር ብምፍራስ ኣብ ልዕሊ'ታ ሃገር ማዕቐብ ካብ ዘንብር ናብዚ፡ ቁጠብኣ ከንቆልቁል ከምዝኸኣለ ይዝረብ።

ተወሳኺ ዛንታ