ምዕራብ ኣፍሪካዊት ሃገር ጋምቢያ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እስያ ምያንማር ከሲሳታ

ኣቡበከር ታምባዶ Image copyright Ronald Grant
ናይ ምስሊ መግለጺ ዋና ዓቃቢ ሕግን ጠበቓን ኣቡበከር ታምባዶ

ምዕራብ ኣፍሪካዊት ሃገር ጋምቢያ፡ ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ሮሂንግያ ብዝተፈጸመ ጥቕዓት ንምያንማር ከሲሳታ።

ሰበስልጣን ምያንማር ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ ዝኾኑ ሙስሊም ሮሂንግያ ዓሌታዊ ምጽናት ፈጺሞም እዮም ክትብል ዘሄግ ኣብ ዝርከብ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ከሲሳ።

ዝበዝሕ ህዝባ ሙስሊም ዝኾነት ጋምቢያ፡ እስላማዊ ምትሕግጋዝ ንዝበሃል ሕብረት ብምውካል እያ ከሲሳ ዘላ።

እታ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ውልቀ-መላኺ ኣገዛዝኣ ያሕያ ጃምዐ ዝተናገፈት ኣፍሪካዊት ሃገር፡ ኣብ ጉዳይ ሮሂንግያ ተበግሶ ምውሳዳ ሂኡማን ራይትስ ወች ንኢዱ።

እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሮሂንግያውያን ዝበጽሕ ዘሎ በደል ደው ንክብል ክሕግዝ ከምዝኽእል እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ገሊጹ።

ተወሳኺ ዛንታ