ኢትዮጵያ፡ ስግኣት ዘንጸላለወን ዩኒቨርሲቲታት

ኣርማ ዩኒቨርስቲ ደምቢ ዶሎ Image copyright Dambi Dolo University

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ምሸት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ብዝተፈጠረ ጎንጽን ዘጋጠመ ሞት ክልተ ተምሃሮን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልልት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘለዋ ዩኒቨርሲቲታት ከቢድ ስግኣት ኣንጸላልዩወን ከምዘሎ: ተምሃሮን መምህራንን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ብሰንኪ'ቲ ስግኣትን ፍርሕን መስርሕ ትምህርቲ ዝተኣጓጎለን ዩኒቨርሲቲታት ምህላወንን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ክኣትዉ ከምዝተገበረን ፈሊጥና።

ትማሊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደምቢዶሎ ሓደ ተምሃራይ ክቕተል ከሎ፡ ኣብ ካልኦት ዘይምርግጋእ ተፈጢሩ ነይሩ።

እቲ ተምሃራይ ብበሊሕ ነገር ተወጊኡ ከምዝተቐተለ ዝዛረብ ምኽትል ፕረዚደንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ቡሊ ዮሃንስ፡ መን ከምዝፈጸሞ ግን ክፍለጥ ኣይከኣለን ኢሉ።

ቅትለት ቅድሚ ምፍጻሙ ይኹን ድሕሪኡ ግን: ኣብቲ ዩኒቨርሲቱ ዘጋጠመ ጎንጺ ከምዘይነበረ ገሊጹ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መደወላቡ [ኦሮሚያ] ድማ: ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሞንጎ ተወለድቲ ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝኾኑ ተምሃሮ ብዝተወለዐ ጎንጺ፡ ኣብ ልዕሊ 9 ተምሃሮ ጉድኣት ከምዘጋጠመ ፕረዚደንት'ቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ኣቡበከር ከድር ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ወለጋን ኣምቦን ተምሃሮ ናብ ክፍሊ ኣትዮም ክመሃሩ ፍቓደኛታት ክኾኑ ብዘይምኽኣሎም፡ ጥቡቕ ሓለዋ ይግበር ምህላዉ ዘዘራረብናዮም ተምሃሮ ገሊጾምልና።

ሓደ ናይ ካልኣይ ዓመት ተምሃራይ ከምዝበሎ፡ ኣባላት ጸጥታ ናብ ሓደ ህንጻ ኣትዮም ክጸንሑ ካብ ዝተገበረሉ ዕለተ ሰንበት ናብዚ፡ ብዙሓት ተምሃሮ ኣብ ስግኣትን ፍርሕን ይርከቡ።

ዝተፈጠረ ኩነታት ንምርግጋእ ብዝብል ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያ፣ ፖሊስ ፌደራልን ምክልኻል ሃገርን ክኣትዉ ከምዝተገበረ፡ ናይተን ዩኒቨርሲቲታት ተምሃሮን ሓለፍቲ ስራሕን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ተምሃራይ ሳልሳይ ዓመት ዝኾነን ስሙ ክግለጽ ዘይደለየን ተምሃራይ፡ ተምሃሮ በቲ ኣብ ወልዲያ ዝተፈጸመ ተግባር ተቖጢዖም ሰላማዊ ሰልፊ ንምግባር'ኳ እንተፈተኑ፡ ኣብታ ከተማ ብዝርከብ ፍሉይ ሓይሊ ከምዝተኸልከሉ ገሊጹ።

ተቓውሞኦም ድማ መግቢ ብምሕሳም ከምዝገለጹ ወሲኹ ሓቢሩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ መምህር ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ብወገኑ፡ ተምሃሮ ንዘልዓልዎ ቅሬታ፡ በቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተወሃበ መልሲ ከምዘየለን ትምህርቲ ተቛሪጹ ምህላዉን ሓቢሩ።

"ንሕና ክንምህር ድልዋት ኢና፤ ሓደ ተምሃራይ ተረጋጊኡ ክመሃር ዝኽእል ግን ስነ-ልቦናዊ ምርግጋእ ክህልዉ ከሎ እዩ" ኢሉ።

ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ?

ሓሰን ኣሚን ሓሰን፡ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ ዝነበረን በቲ ጎንጺ ህይወቱ ዝሰኣነን እዩ።

ኣቡኡ ኣይተ ሓሰን ከምዝበልዎ፡ ወዶም ዝተወለደሉ እዋን ኣቦም ካብ ዝሞቱ ድሕሪ ወርሒ ብምንባሩ፡ ንመዘከሪ 'ሓሰን' ዝብል ከምዘውጽኡሉ ይዝክሩ።

ብዛዕባ ወዶም ክዛረቡ "ጸባዩ ሰናይ ነይሩ" ይብሉ። ብጎረባብቲ፣ ብዘመድ ኣዝማድን ኣብ መስጊድን ምስጉን ቆልዓ ምንባሩ'ውን ይገልጹ።

"ንደቅና ደፍተርን ብርዕን ገዚእና ሰዲድና ከመይ ህይወቶም ሓሊፋ [ኣስከሬኖም] ይለኣኸልና?" ብምባል ብሞት ወዶም ንፌደራል መንግስቲ ተሓታቲ ይገብሩ።

ሞት ወዶም ዝሰምዑ ድማ፡ ኣስከሬን ሒዞምሎም ካብ ዝኸዱ ሰባት ምንባሩ ገሊጾም።

ዘዘራረብናዮ ሓደ ተምሃራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብስግኣት ተሸሚሞም ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኻኺቦም ከምዝርከቡ ሓቢሩ።

"ናብ ስድራና ክንምለስ'ዩ ድልየትና" ዝብል እዚ ተምሃራይ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ግን ናብ ስድርኦም ክምለሱ ከፍቅደሎም ከምዘይከኣለ ይገልጽ።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ፡ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ምሉእ ብምሉእ ዝተቛረጸ ኮይኑ፡ ካብ ክልል ኦሮምያ ዝመጽኡ ተምሃሮ ናብ ዝመፍኡሉ ክምለሱ ብሓባር ሕቶ የቕርቡ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ